መረን፡ዓሰርተ-ትሽዓተ ክፋል

ግዜ ከይሃቡ፣ ብቅልጡፍ ተበግሱ በሉና። ቤቲ ኣይነበረትን ኣነ፣ ኣድያም፣ ተስፋይን ሓደ ጋሻ ምሳና ዚሓደረን ግና፣ ኣብ ኢዶም ወደቕና። ዝነበርና ክዳን ቦርሳን፣ ገንዘብን ሒዝና ተበገስና፣ ቅድሚ ምድያብና ብዙሕ ለመንናዮም ዝሰምዓና ግና ኣይነበረን። መኪና ጽዒኖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዳጎኑና። ካልኦት ከማና ካብ ናይ ክራይ ኣባይቶምን፣ ኣብ ጐደናታት ዝተረኽቡን ወሓዙ ቤት ማእሰርቲ ብሰብ ኣዕለቕለቐት። ብዙሕ ወረ ባዕላትና ፈጠርና። ይኹን እምበር፣ ብዙሓት ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ጸቕጥን ወቕትን ጨና ረሃጽን፣ ዚበልዕኦ ኣምለሰኦ። ሽንቲ ቤት ኣብታ መኪና ናብ ዘላ ቁሩብ ንእሽቶ መኸወልታ ዘለዎ ክፍሊ ናይታ ኮንተይነር እዩ ዚርከብ። መኪና እንኸደት ኢኻ ትሸይን። እታ ዓይኒ ምድሪ ቀጣን ከፋት ብምዃና፡ በቲ ከፋት ናይ መሬት እዩ ዚኸይድ። ድቃስ’ውን ኣብ ዘለኻዮ ኮንካ ኢኻ ትድቅስ። እዚ ስለ ዚዀነ ከኣ በጣሓት ብዘይ ዕረፍቲ ንሓደ መዓልቲን (1/12) ዚኣክል ተጓዒዘን፣ ናብ ዚተወጠነለን ቦታ በጻሕና።

ጒዕዞና ናበይ ምዃኑ ዚፈለጠ ኣይነበረን፣ ንነዊሕ ከም ዝተጓዓዝና ጥራይ እንተዘይኮይኑ፣ መኪና ፍጥነታ እናጐደለ መጸ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ዓጠጥ እናበለት ቆመት፣ ኣብ ሓደ ካርሸሊ ምዃኑ እዩ። ማዕጾ ከፊቶም ውረዱ በሉና።ኣዒንትና፣ ናይቲ ነዊሕ ኣብ ጸልማት ምጽንሐን፣ ፈጺመን ምርኣይ ሰኣና። ኣብ መወዳእታ ግና፣ ብርግጽ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምህላዉና ፈለጥና። ድሕሪ ምቑጻርን ምርካብን፣ ደቂ ተባዕትዮ ብሓደ፣ ደቂ ኣንስትዮ ብሓደ ገይሮም፣ ናብ ንኣሽቱ ገዛ ኣብ ዝሪከብ ክፍልታት ፈለዩና። ኣበይ ምህላዉና፣ በተን ኣቀዲመን ኣብቲ ካርሸሊ ዝጸንሓና ደቂ ኣንስትዮ ተነገርና። ስም’ቲ ቦታ “ቢንቃዚ” ይበሃል።

ከመይ ኢልና፣ ነቲ ዝነበረ ሙቐትን ጸቕጢን ተጻዊርና በጺሕና ይ…ገር…መ…ኒ…፣ ሃይለ፦ ዶክረት ይመጽእ ኣሎ ስቕ፣ በሊ… ኣዛሪብካያ ከይብሉኒ። ኣዜብ፦ ደሓን… ኣጆኻ ዶክተር፦

Good Afternoon… (ከመይ ኣምሲኹም) ?

ኣዜብ፦ Good Afternoon Doctor… (ከመይ ተምሲ ዶክተር)

ዶክተር፦ please, wait outside till I call you.

ሃይለ፦ Ok Doc.. (ሕራይ ዶክተር) (ድሕሪ 10 ደቂቕ)  1ዶክተር ነርስ፦

ሃይለ (Haile)… She has a low heartbeat; …

Doctor: any way… She will deliver tomorrow (ትርግታ ልባ ድኹም እዩ ዘሎ… ብዝዀነ ጽባሕ… ክትሓርስ እያ) ስለዚ በዓል ቤታ ኣብ ጐና ክህሉ ጽቡቕ እዩ።

ሃይለ፦ Ok doctor I will try to contact him. (ሕራይ ዶክተር ክነግሮ እየ) 41

ዶክተር፦ Bye.. ሃይለ፦ Ok.. Bye.. ሃይለ፦

ኣዜብ ሓብተይ ጽባሕ ክትሓርስ’ያ ክብለኒ ጸኒሑ።

ናይ ዓቕሊ ጽበት ክዳዉንትና ኣፍኰስና፣ ግና’ኸ ለዉጢ ካበይ ይምጻእ። እስቲንፋስ ዘይህብ ጉዕዞ፣ “ሕማቕ ኣለኹ ኣይትበል ካብኡ ዚኸፍእ ከይመጸካ” ከም ዝበሃል እቲ ኣቀዲመ ዘማርሮ ዝነበርኩ ጒዕዞ ምድረበዳ፣ ብዓሠርተ ኢድ ጽቡቕ ከም ዚነበረ ዘከርኩ። ኣብኡስ ብውሑዱ፣ ጥዑም ንፋስ እኳ ትረክብ። መግብን ማይን በቶም ደድሕሬና ብኻልእ መኪና ዚስዕቡ ዝነበሩ ወተሃደራት፣ ተዋህበና። እዋይ ክሳዕ ንበልዕ ንፋስ እኳ ንረክብ ክንብል ግና፣ ዚኰነ ይኹን ዕድል ከይተዋህበና ማዕጾ ትዓጽወ። ኣብ ምድረበዳ ንጓዓዝ ምህላዉና ኣረጋገጽና። ብሰንኪ ሻቕሎት መግቢ ከይበላዕና ፣ ምሕዳርና፣ ጠሚና ብምንባርና ኣዜብ፦ እዋ ናይ ምሸት ኣከባቢ ክትሓርሲ ትዀኒ ኢኺ ኢሉኒ።

ሃይለ፦ በሊ ኣዕርፊ… ሕጂ ደቕሲ ጽባሕ ንግሆ ነዕልል። ኣዜብ፦ በጃኻ ኣዕልለኒ፣ ሃይለ ሓወይ ድቅስ ስለ ዝወዓልኩ ሕጂ ኣማስየኒ፣ በጃኻ ሃይለ… ሓወይ ሃይለ፦ …

ሃይለ፡ ሕራይ በቃ… እንታይ ደኣኣ ትነብዒ። ዘይኣበኹኺ’ኳ። በሊ ቅድም መግቢ ብልዒ እንተበሊዕኪ ከዕልለኪ’የ።

ኣዜብ፦ እዛ ነርስ፣ ኣገዲዳ ብሓይሊ  ከተብልዓኒ ኣያ ጸኒሓ፣ ደሓን ክትከይድ ከለኻ ከኣ ደስ ክብለካ ኣዳሪርካኒ ትኸይድ። ሃይለ፦ ሕራይ በሊ ከመይ ኢልኪ ድኣ ወጺእኪ ካብቲ ካርሸሊ። “ኩሉ ንጽቡቕ ገበሮ” ኲሉ ነገር ተሓዋዊስና’ዩ፣ ኣብ ትራፕሎስ፣ ድሮ ናይ መርከብ ዕርቡን ብምኽፋል ተምዝጊብና ኢና፣ ዚነበርና፣ ዝነበረና ራእይን ሕልምን ብሓዘን ተተክአ ኩሉ የስቖርቁር ።ቁሩብ፣ ከም በዓል፣ ቤተልሔም፣ ዚኣመሰሉ፣ ንዚወረዶም ኣሜን ኢሎም ዚቕበሉ እንተዘይ ኮይኖም ካልኦት፣ ዳርጋ ናብ ጭንቀት ኣድሂቡልና። ዳርጋ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሰብ ከለኹ፣ ዚዀኖ ዚነበርኩ፣ ክይደግሞ ይፈርህ ነበርኩ። ሃይለ፦ ሓንሳብ እባ ክሓተኪ፣ ካብ ካርሸሊ ዓሰብ ደኣ ከመይ ወጺእኪ ጒዳይ ኮካ’ኸ… ኣዜብ፦ ስሓቕ…. እዋእ…

ኩነታተይ ምስ ረኣዩ፣ ከይሓሰብኩ ዚወሰድክዎ ስጉምቲ ምዃኑ፣ እቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣሃዱ በዓል ኣሮን፣ ብምስምማዕ፣ ናብ ጽላለ ከየምራሕኩ፣ ናብ ገዛይ ክሰዱኒ ወሲኖም። ሓንቲ ካብቲ ኣሃዱ፣ ሒዛትኒ ናብ ኣስመራ ኣብጺሓትኒ። ጒዳይ ኮካ እንታይ ኰይኑ…ስሓቕ… እቲ ሓላፊ ምስ ኣውቲስቲኡ፣ ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ፣ ንዂልና እተን ደቀንስትዮ… ዚኸዉን ኮካ ሒዞም መጺኦም ጋቢዞምና፣ ኣጆኺ ኢሎም ኣተባቢዖምኒ፣… ኲነትተይ ምስ ፈለጡ። ኣብ መወዳእታ ኮካ ኩሉ ሻዕ ከነምጽኣልኪ ኢና ኢሎም ከይዶም… ስሓቕ። ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ሕይወተይ ዝእሰር ዘለኹ: በዚ እየ ነቲ ናይ ዓሰብ ዚዘከርኩ። መዓልታት ኣብ ካርሸሊ ቢንቃዚ ነዋሕቲ ነበራ፣ ዝዀነ ለውጢ የለን፣ መግቢ 24 ሰዓት ኵሉ ግዜ ዚቐርሓነት ጻዕዳ ሩዝ እያ። ለውጢ መግቢ ንክትበልዕ ገንዘብ ከተዋጽእ ኣሎካ። ኣዋጽኡ እዮም ዝብሉ፣ ገንዘብና ከይተወድአ ከሎ ነዋጽእ ነበርና፣ ገንዘብና ምስ ኣብቅዐ ግን፣ ነታ ዚጸላእናያ፣ ተተሓሓዝናያ።

ገንዘብ ከለና፣ ከም ጽጉባት ብሙዃን፣ ነታ ሩዝ ዚቀረቡልና ንንዕቕ ነበርና ንዓኣ ዚሰኣኑ ከም ዘለዉ እናረሳዕና። ዳሓር ግና ንሳ’ዉን ዉዕሎ ከም ዘለዋ ኣይስሓትናያን። ኲነታት ካርሸሊ፣ ምዉጻእን፣ በብሓደ ክበርሃልና ጀመረ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ናብ ኲፍራ ገጽካ ምምላስ እዩ። ወይ ከኣ ገንዘብ እነተሎካ ወይ ከኣ ኣዝማድ ብደገ እንተሎካ ክትወጽእ ትኽእል። ማለት፣ 42 ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ደላሎ (ሓበሽ) ይሸጡኻ። ምስ በሉና፣ ንገለና ካልኣይ ሞት ንገሊኦም ጌና ናይ ምዉጻእ በሪ ዚኸፍት ምዃኑ ረኣና። እዚ መስርሕ እዚ ነቶም ሕቈ ዘይብሎም ማለት ሓገዝቲ ዘይብሎም፣ ተስፋ ዘጸልምት ብምንባሩ፣ ኣነ ዚርከቦም ከነማርር ከለና፣ እቶም መጓዕዝትና ከም በዓል ኣድያም ፡ቤቲ ዚኣመሰሉ፣ ከኣ ብዛዕባና ክትክዙ ጀመሩ።ቤቲን ኣዱን… ካብዚ ቤት ማእሰርቲ ምዉጻእና’ሲ ደሓን ስለ ዚዀነ፣ ካብ ደላሎ ግና ከቢድ እዩ፣ ኢለን ሓዘና፣ ኣነ ግና፣ ኣብዚኣ ትሕሸኒ በልክወን። ከምዚ እናበልና ከለና፣ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ’ቲ ካባይ ምፍላየን ሰንበት ረፍዲ፣ ኵሉ ሰብ፣ ኣብ ሓደ ተኣከበ። እንታይ ኣሎ ምስ በልና፣ ሓደ ዲያቆን ተስፎም ዚተባህለ፣ ሰብከት ክህብ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ክህብ እዩ፣ ኢላ ነገረትና’ሞ ናብኡ ቀልጢፍና ኣምራሕና።

ኩሉ ሰብ ድሕሪ ጸሎት ረም ኢሉ ኮፍ ምስ በለ፣ ሓደ ኣላዩ መድረኽ ሕጂ ትምህርቲ ብሓዉና ዲያቆን ተስፎም ክወሃበና እዩ። በለ’ሞ መድረኽ ኣረከቦ። ዲ.ተስፎም፣ ከባቢ 170ሰ.ሜ. ዝቑመቱ ረጒድ ድምዚ ዘለዎ፣ ፍሽኽታ ዘይፈለዮ መንእሰይ እዩ። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ በለ’ሞ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፦ “ኲሉ ንጽቡቕ ገበሮ” ኢሉ ትምህርቱ ጀመረ። ናይ ብዙሓት ሰባት ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጥቃስ መወዳእታኦም ከም ዚጸበቐ ኣምላኽ ንጽቡቕ ከምዝለወጦ ሰበኸ፣ ካብ ኩሉ ዝገለጾ ግና፣ ታሪኽ ዮሴፍን ኣሕዋቱን መሰጠኒ። ዋላ’ኳ ኣሕዋቱ፣ ብተንኮል ይሽጥዎን ይጥለምዎን ከምኡ’ውን ሰበይቲ ጵጥፋር፣ ተንኮል ፍሒሳ እንተ ኣእሰረቶ እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ኣብ ኲሉ ምስኡ ነበረ፣ በለና። ትምህርቱ ክዛዝም ከሎ ከኣ፣ ብቃላት ዮሴፍ ዛዘሞ፣ ዮሴፍ ነሕዋቱ “ንስኻትኩም… ንኽፉአይ ሓሲብኩም፣ ኣምላኽ ግና ንጽቡቕ ገብሮ” በሎም። ሕጂ ኣቱም ኣሕዋተይ በበይኑ ዚዓይነቱ ፈተና እንተወረደና ወላ’ኳ መበገስቱ ንሕና ወይ ካልኦት ሰባት ይኹኑ እንበር፣ ኣምላኽ ንጽቡቕና ክገብሮ እዩ። ጥራይ ንኣምላኽ ብትዕግስቲን ጸሎትን ንጸበዮ በለና። እዚኣ ስብከት እዚኣ፣ ብርግጽ ተስፋ ኣስኒቓትኒ እያ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ንኸንብብ ገበረትኒ። ቤቲ ብርግጽ ሎሚ፣ ኣምላኽ በዚ ወዲ ተዛሪቡና በለት’ሞ፣ ትዕግሥቲ ክህልወና ብፍላይ ንዓይ መኸረትኒ።

ዕስራ-ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘረአ ገበረእግዚአብሔር

Comments are closed.