ሕማመይ መን እዩ ዝሓመለይ᎒

ሕማመይ መን እዩ ዝሓመለይ᎒

ኣብ ሕወተይ ናይ ሓዘን ድንኳን ብዙሕ ግዜ እየ ርእየ። ይዝከረኒ ኣብ ጎሮቤትና ወደን ዝተጎድአን ኣደ ፣ እቲ ናትካ ነዓይ ዘይኮነለይ እናበላ ኣምሪረን ክበኽያ ተዓዚበ። ገለ ኣንስቲ ኣብቲ ሓዘን ዝጸንሓ  እንታይ ዘመኑ ኢና በጺሕና ፣ ወላዲ ንዉልዱ ዝቀብረሉ ተካል ዘመን ክብላ ምስ ሰማዕኩ፣ ኣብቲ ንኵሉ ከመዛዝን ዘይክእል ዕድመይ እሞ እዚ ናይ ቀደም ሞት ኣወሳድዳ ካብዚ ናይ ሎሚ ኣዚዩ ይፍለ’ዩ ማለት ድዩ ክብል ዘይምልሶ ሕቶ ኣብ ውሽጠይ ኣልዓልኩ።ኣብ ከባቢየ ሰብ ሞይቱ ክበሃል ከሎ ቀዳመይቲ ሕቶ ትመጽእ እንተ ሃልያ ዓብይ ‘ዶ ነይሮም ወይስ ንእሽተይ᎒ ሹዑ ዓቢ እዮም እንተ ተባህሉ እዋይ ደሓን ዓቢ እንተ ኮይኖምስ ይዕርፉ እካ ብምባል ከም ቅቡል ይወስዶ።ንእሽተይ እዩ እባ እንተ ተባሂሉ ግና ኣብ ናይ ሓዘን ምስቁርቃር ይእቶ።

ንዓባየይ ኣዲኣ ምስ ዓረፈት ከም ቅቡል ግዲ ወሲደዮ ዓባየይ ኣምሪራ ክትበኪ ምስ ረኣኽዋ ከይገረመኒ ኣይተረፈን።  ናይ እግዚአብሔር ኣምላክ ፍቃድ ኮይኑ ትምህርተ ሰንበት ምስ ጀመርኩ ፣ ንሞት ዝስዕሮ ዕድመ ዘይኮነስ ነፍሲ ንስጋ ሲዒራ ናይ ጽድቂ ጽዋእ ምስ ትዓትር ምዃኑ ተሰቆረኒ። ንምንታይ ኢና ዕድመ ክንስውስኽ ንምነ᎒ ንምንታይ ኢና ዓመት ሓሊፋ ብካልእ ዓመት ተተኪኣ ክንርእያ ንሃርፍ፧ እታ ዓባይ ሕቶ ግና ንምንታይ እየ ብሕይወት ዘለኩ/ ዘለና ፧ ትብል ከም ደዉል ኣብ እዝነይ ትድወል።

ይዝከረኒ ኣብ ሓደ ወቅቲ ሓደ ኣቦ ኣብ በተክርስትያን ከምዚ ኢሎም ክምህሩ ፣ ንምንታይ ተፈጢርና ዝብል ሕቶ ደጋጊምና እንተ ንሓትት እሞ፣ መልሱ  ኣብ ዉሽጥና እንተ ንውቅጦ ነይርና ፡ ነዛ ሓላፊት ዓለም ብስጋና  ከነማዕርጋ ላዕልን ታሕትን ኣይምበልናን ነይርና ብሉ።፡ ሕዉስ ኣቢሉም ድማ ምፍጣርና ስም እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸዊዒና፡ ንስሙ ወዲስና ክብሩ ንምዉራስ ምዃኑ እንተ ንፈልጥ ነይርና ኣብ ገዛና ዘይንኽድኖ ክዳን ኣይመሃለወናን። ኣብ ፈቀዶ ጎደናታት ዝርከቡ ነዳያን ኣይምበዝሑን፣ ኮታ እዚ ንርእዮ ዘለና ሕማቅ መዓት ኣዒንትና ምስ ተሰወረን ነይሩ። ስለዚ  ሞት ዝፍራሕ ፡ ግብረይ ባዶ ምስ ዝኸውን ንስኦል ዘብቅዕ ምስ ዝኾዉን ጥራይ እዩ።

ግና እዚ ሓቂ እናፈለጥኩዎ ደኣ ንምንታይ እየ እቶም ኣነ ዝብህጎም ዘይምርካበይ ዝሓምም᎒ ንምንታይ እየ ሓፍቲ ዘይብለይ ኢለ ዝሓምም፣ ንምንታይ እየ ብናይ ዓለም ጽባቀ ዝሓምም፧ ንምንታይ እየ እባ ሕማመይ መን እዩ ዝሓመለይ እናበልኩ ዝሳቀ᎒ ነደይ ኣዚየ እየ ዘፍቅራ ፣ ነቲ ነዓይ ክትብል ዘሕለፈቶ መከራ ክዝክር ከለኹ ኣዚ’የ ዉሽጠይ ይትንከፍ ። ስማ ክጽዋዕ ፡ ስእላ ክራኢ ከለኩኹ  ኵሉ ግዜ ክሕጉሳ ይጎይይ። እሞ ከሙኡ እንተ ኮይኑ ነቲ ሕማመይ ኣብ መስቀል ኮይኑ ስለይ ዝገዓረ ፣ ኣብ ዝባኑ ሰብ ዘይጸወር መግረፍቲ ዝተቀበለ፣ ስለይ ዕረ ዝሰተየ፣ ከም ሰራቂ ፡ ቀታሊ ሽፍታ ሰብ ጡፍ እናተባህለሉ ንመስቀል ሒዙ ንቀራንዮ ዝደየበ። ንሕማመይ ክብል ካብ ኣካላቱ ደም ዝተፍአ። ፈራዲ ንጉስ ክንሱ ብንጉስ ምድሪ ንሞት ዝተፈርደ። ንስለይ ክብል ነቲ ኣብ  ሰማያት ብኵሎም መልእኽቲ ቅዱስ ቅዱስ እናተባህለ ዝመስገነሉ ጽርሃ ኣርያም መንበሩ ገዲፉ ፣ ኣብ ምድሪ ግና ስቀሎ ስቀሎ ዝተባህለ ሰለይ ዶ ኣይኮነን።

ስለምንታይ ካብ ፍቅሪ ኣደይ ዘይሃደምኩ ካብቲ ሕይወቱ ከፊሉ ብደሙ ዝዓደገኒ ለዋህ ኣምላኸይ  ዝሃደምኩ ዘለኹ᎒ ንምንታይ ደኣለይ ኣብ ዓለም ንዓለም እናነበርኩ ነታ ፍረ ዓለም ዝኾነት ሞት ዝፈርሓ። ከምቲ ሓደ ሰባኺ ዝበሎ፣ ናብ ዕዳጋ ናይ እኽሊ ክሓልፍ ከለኹ ኣይፈራሕኩን።ናብ ዕዳጋ  እንዳ ክዳዉንቲ ከሓልፍ ከለኹ እውን ወላ ኣይፈራሕኩን። ናብ እንዳ ሻሂ ቤት ከኣቱ ከለኹ እውን ኣይፈራሕኩን። በታ  ጥቃ ናይ ሬሳ ሳጽን ዝግዘኣሉ ቦታ ከሓልፍ ከለኩ ግን ፍርሓት ንውሽጠይ ወረረኒ። ሰብነትና ንሞት ዝፈርሖ  ስጋና ነቲ ዓዳጊ ሞት ዝኮነ ድያብሎስ ከነወፍዮ ከለና እዩ ።ነፍስና ናይ እግዚአብሔር እንተኮይና ግና ምስ ኣዕረፍና ቦታና ስለ ንፈልጦ ሞት ኣየፍረሓናን ። “እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብሕይወት ኪነብር እዩ”የሐ11፡25።

ይትባረከ ኣምላከ ኣበዊነ !

ልዋም ሰሎምን

Comments are closed.