ሓጺር ገድሊ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 

ብፍጹም ሰላመ እግዚአብሔር ሰላም ንዓኩም ደቂ ተዋሕዶ፡ ሎሚ ፭(5) መጋቢት መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዘከሮም ቅዱሳን ኣበውን ቅድሳት ኣንስትን ክንርኢ።
* ዓመታዊ ክብረ በዓሎም
• ኣባ ሰራሞን
• ቅድስት ኣውዶክስያ
• ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
* ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ኣቡነ ፊሊጶስ ዘደብረ ቢዘን፡ ሓዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣለው፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵልና ኣመንቶምን ደቆምን ይኹነልና፡ ኣሜን። ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ካብቶም ዓመታዊ ክብረ በዓሎም ዝኾነ ክልተ ገድሊ ክንርኢ ኢና ምሥጢራቱ ይግለጸልና፡ ኣሜን።

 

"ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ ፣ መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር (መዝ፡112፡7)

ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ትውልዲ ሃገሩ ላዕላይ ግብጺ ንሂሳ ዝበሃል ቦታ ስም ኣቡኦም ስምዖን፡ስም ኣዲኦም ኣቅሌስያ ይበሃሉ። ን፴ (30)ዓመት ውላድ ብምስኣኖም ኣዝዮም እናኃዘኑ ንእግዚአብሔር ዘውትር ውላድ ንክህቦም ይልምንዎ ነበሩ፡ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ ኣምላኽ ጸሎቶም ሰሚዑ መጋቢት ፳፱(29) መዓልቲ ሰንበት ተፀንሱ ታኅሣሥ ፳፱(29) ተወልዱ። ዕለተ ልደቱ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ምስ ተወልዱ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ 'ስብሐት ለአብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ…፣ ምስግና ንኣብ፡ ምስጋና ንወልድ፡ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውፅኣካኒ'' ኢሎም ኣመስገኑ። ወዲ ሠለስተ ዓመት ምስ ኮኑ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ነጢቁ ወሰዶም፡ ኣቦና ክዳን ኣይተከድኑን መግቢ ኣይበልዑን ኣብ ክንድኡ ሃር ዝመስል ጨጒሪ ኣብ ነብሶም ከደኖም፡ ቅዱስ ገብርኤል ሣልሳይ ሰማይ ኣብጺሑ ንገዳም ኣስቄጥስ ወሰዶም፡ 300 ዓመት ኣብኡ ምስ ጸንሑ ንምድረ ኣግዓዚት (ንኤርትራን ንኢትዮጵያን) መጽዮም ወንጌል ኣስተምሃሩ። ንኣቦና ፷(60) ኣናብርን ፷(60) ኣናብስን ከም ቤተ ሰብን ኣገልገልትን ነበርዎም፡ ጸበል እግሩ ልሒሶም ይነብሩ ነበሩ።

ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተው ናብ ምድረ ከብድ ኣተው፡ ጐይታ ድማ ዝቋላ እዩ ቦታካ ስለዝበሎም ናብ ዝቋላ ምስ ከዱ እቲ ሕዝቢ ካብ እግዚአብሔር ዓልዩ፡ ናብ ካልእ ኣምልኾ ኸይዱ እግዚአብሔር ተቘጢዑ ጸንሖም፣ እሞ ምእንትኦም ንቊልቊል ኣፎም ተደፊኦም 'መሓረለይ' በልዎ። ጐይታ መጽዩ 'ውጻእ ይኣኽለካ እዩ!' ምስ በሎም፣ 'ከይመሓርካለይ ኣይወጽእን እየ' ኢሎም ኣበዩ ምሒረልካ ምስ በሎም ካብቲ ቀላይ ብ፭(5) ጥሪ ወጹ። ን፻(100) ዓመት ዝኣክል ምስ ሰይጣን ብመብረቅ ጌሮም እናቀጥቀጡ ኣሳቀይዎ፡ ንሰይጣን ብመብረቅ እንዳቀጥቀጥዎ እቲ ጎቦ እናፈረሰ ተወድአ፣ ደኃር እዚ ደኣ እንታይ ጎቦ ቆላ እምበር ብምባል ካብ ቆላ ዝቋላ ተባህለ እቲ ገዳም። ኣቦና እናጸለዩ ከለው ሰይጣን ርጉም ብኳኽ ተመሲሉ መጾም'ሞ ማይ ኣስትየኒ በሎም፡ ኣቦና ድማ ካብ ጸሎቶም ከይኩለፉ መታን ካብዚ ዓይነይ ስተ በልዎ እቲ ኳኽ ድማ ዝሰትይ መሲሉ ዓይኖም ኣንቁርዎም ከደ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ብርሃናዊ ዓይኒ ኣምጺኣ ተከኣትሎም፡ እዚ ዝኾነሉ ፭(5) ሓምለ እዩ። ኣቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣቡነ ኣንበስ ዘሃሎ፡ ኣቡነ ብንያም ዘምድረ ግብጽ ኣብ ኣንበሳ ተጻዒኖም ንዝቋላ ምስ መጹ፡ ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣናብስት ነቶም ዝመጹ ኣናብስት በልዕዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ በዓቶም ምስ ወጹ እቲ ዝኾነ ዅሉ ነገርዎም ኣቦና ድማ ነቶም ኣናብስቶም ጸዊዖም፡ 'ንምንታይ ናይ ሰብ እንስሳ ትበልዑ፣ ትፍእዎም!' ምስ በልዎም ብኡ ንብኡ ተፍእዎም በዚ ኵሎም ተገረሙ እዚ ዝኾነሉ ፭(5) ጥቅምቲ እዩ።

ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ን፷(60) ዓመታት ወንጌል ኣብ ሃገርናን ኢትዮጵያን ምሂሮም ኣጥሚቆም ብዙኅ መንፈሳውያን ዝኾኑ ሥራሕ ሠሪሖም ሽዑ ጐይታ ተገሊጹ 'ገብረ አብ፡ ገብረ ወልድ፡ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ይኹን ስምካ' ብምባል ስም ሃቦም ከምቲ ኣብ መዝ ፰፱፡፫ (89፡3) ዘሎ ኃይለ ቃል 'ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ ፣ ምስቶም ዝኃረኽዎም ኪዳን ኣተኹ' ዝበሎ ንኣቦና ድማ ኪዳን ኣተወሎም ስምካ ዝጸውዐ፡ ዝኽርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ዝሑል ብርጭቆ ማይ ዘስተየ፡ ገድልካ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ፡ዘንበበ፡ ዝሰምዐ፡ ቤተክርስትያንካ ዘሥርሐ፣ ጥዋፍ፡ስርናይ፡ ወይኒ----ወዘተ ዝሃበ ኣነ ክምሕረልካ እየ ብምባል ቃል ኪዳን ተቀቢሎም ብ፭(5) መጋቢት ብ562 ዓመቶም ብ1415 ዓ.ም. ዓርቢ መዓልቲ ነፍሶም ካብ ሥግኦም ተፈልየት። ቅዱሳን መላእክቲ መጺኦም ብሽብሸባ 'ወተቀበልዎ መላእክት አብእዎ ኢየሩሳሌም' ከም ዝበለ እናዘመሩ ናብቲ ክቡር ቦትኡ ወሰድዎ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሥግኦም ኣብ ምድሪ ኣይተቀብረን፡ ኣብ ሠረገላ ኤልያስ ካብ ዝተቀመጡ ቅዱሳን ሓደ እዮም። እቶም ኣብ ምድሪ ቅዱስ ሥጋኦም ዘይተቀብሩ ኣብ ሠረገላ ኤልያስ ዘለው ቅዱሳን ኣበው እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
1. ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ 562 ዕድሚኦም ብ5 መጋቢት
2. ሕፃን ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስ ኣብ 3 ዓመቱ ብ15 ጥሪ
3. ቅዱስ ዮሴፍ ሓላዊ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ 114 ዕድሚኡ ብ26 ሓምለ (ኣረጋዊ ዮሴፍ ወይውን ሕጹይ ማርያም ተባሂሉ ዝፍለጥ)
4. ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ብ2 መስከረም
5. ካህን ዘካርያስ ኣቦ መጥምቀ መለኮት ብ8 መስከረም
6. ዳግማዊ ቅዱስ ቂርቆስ ወልደ ቅድስት ክርስቶስ ሠምራ ወዲ 3 ዓመት እዮም።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ብዙኅ ቦታታት እኳ ታቦቶም ተቀሪጹ እንተሎ ገለ ካብኡ ግና 'ደረዓንቶ' ኣብ ዝብሃል ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብፍሉይ ተኣምራት ዝፍጸመሉ፡ ድውያን ዝሓውዩሉ ኸም ሽኮርያን ጸብኣ ጸላኤ ሠናያትን ብብዝኂ ዝሓውዩሉ ቦታ እዩ'ሞ፡ ኣብኡ ኬድና ክንፍወስን በረኸት ጻድቕ ኣቦ ክንቅበል ቤተ ክርስትያና ተዘካክር።

ሰላም ለከ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ረቡኒ፡
ዘአናብስተ ታሰግድ ወአራዊተ ታቀኒ፡
እንዘ ኢተኃሥሥ መፍቅደ ሥጋ ወኢታመክኒ፡
ተሴስዮ ሣዕር ወተዓርዞ ቈጽል ምንተኒ፡
አናኅሰይኮ ለዓለም ማሳኒ።

ምንጪ፦ ስንክሳር መጋቢት ፭(5) ተመልከት

'ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘልኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።' ሮሜ 11፡36

ብዲያ ዳንኤል ኣብርሃም
4 መጋቢት 2012 ዓ.ም.
13 መጋቢት 2020 ፈረንጂ

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

Comments are closed.