ሓዘን ምስ ዘጋጥመና እንታይ ንግበር ።2ይቆር. 5፡1−5።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

እንፈትዎ ሰብ ብሞት ካባና ክፍለ ከሎ ንሓዝንን፡ ንበክን። ብርግጽ ምብካይ ብሥርዓትን ብኣገባብን እንተኾይኑ ጠቓምን ኣድላይን ነገር እዩ። ብመሪር ሓዘን ንዝተቖጥዐ ሰብነትና መተንፈሲ (መፍትሒ)ንብዓት እዩ። ከምቲ  ኣብ ሰብነትና ማይ ዝቛጸረ ነገር እንተኃልዩና ምስ ዝፈስስ ዕረፍቲ ዝስመዓና፡ ብሓዘን ዝተጎድአ ኣካል’ውን ንብዓት ምስ ዘፍስስ ዕረፍቲ ምርካቡ ዘይተርፍ እዩ።
እምበአር እግዚአብሔር ሰብ ክፈጥር ከሎ ንብዓት ከምዝኅልዎ ጌሩ ዝፈጠሮ ናይ ንብዓት ጥቅሚ ብዙሕ ስለዝኾነ እዩ። ንሎሚ ኣብ ክልተ ከፊልና ክንርኢ ኢና።

፩. እቲ ቀዳማይ ንብዓት፣ ወዲ ሰብ ካብ ዝተፈጥረሉ ጀሚሩ ዝነበረ እዩ። ንብዓት ብግዜ ኣቦና ኣዳምን ሔዋንን እዩ ተጀሚሩ። ካብታ ኣይትብልዑ ዝተባህልዋ ዕጸ በለስ ምስ በልዑን ንእግዚአብሔር ምስ በደሉን እዩ። ስለዚ ንብዓት ዝተጀመረ ብንስሓ እዩ። እዚ ክንብል ከለና ግን ቅድሚኡ ኣብ ሰብነቶም( ኣካሎም) ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። መጽሐፈ ቀሌምንጦስ " አልቦቱ ካልዕ ኅሊና ለአዳም ዘእንበለ ብካይ ላዕለ ኃጢኣቱ፡ ኣዳም ብዛዕባ ኃጢኣቱ ምብካይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሓሳብ (ዕዳ) ኣይነበሮን" ተባኂሉ ከምዝተጻሕፈ ንብዓት በዚ እዩ ተጀሚሩ። ስለዚ ናይ ንብዓት ቀንዲ ጥቕሙ ሰብ ብንስሓ ምስ እግዚአብሔር  ምትዕራቕ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተጻሒፉ ንረኽቦ። " ወበአንብዕየ አርሐስኩ ምስካብዮ ፡ ንመንጸፈይ ከኣ ብንብዓተይ አጠልቅዮ ኣለኹ።" ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት ናይ ንስሓን ጸሎትን ንብዓት እዩ። መዝ /66/ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ውን ኣብ ወንጌል " ብጹዓን እለ ይላህው ይእዜ እስመ እሙንቱ ይትፌስሑ፡ ዚሓዝኑ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዩም'ሞ ብጹዓን እዮም'' /ማቴ 5፡4። ብምባል ዘስተምሃሮ እቲ ዝግባእ ብኽያትን ሓዘንን ናይ ንስሓ ምዃኑ የረድኣና። ኣብ ካልእ’ቦታ ውን " ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም'ሞ ወይለኹም" ሉቃ 6፡25። ኢሉ ዓቢ መጠንቀቕታ ብዛዕባ ሓዘንን ንብዓትን ንምግላጽ እዩ። ስለዚ ንብዓት ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ጉዕዞና ዓቢ ቦታን ደረጃን ዘለዎ ናብ እግዚአብሔር ስለ ኃጢኣትና ብምንባዕ ምሕረት ከም ንረክብ ዝገብር እዩ።

፪. ካልኣይ ጥቅሙ ድማ መወገዲ ሓዘን ፡መተንፈሲ ሥቓይ፡ መቕለሊ ሓዘን ምዃኑ እዩ። እምበኣር ምስ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ዝተኣሳሰር እዚ እዩ። ናይ መጀመርታ ኣቦና ኣዳም ኣቤል ወዱ ምስ ሞተ ኣዝዩ ተጨኒቑን፡ መላእ ኣካላቱ ሓቢጡን ተነፋፊሑን ከም ዝነበረ ነዚ ትውፊት ዝመዝገቡ መጻሕፍቲ የረድኡና። ናይ መጀመርታ ሞት ስለዝነበረ ቅድሚኡ ሞት’ውን ስለዘይነበረ ኣዳምን ሔዋንን እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ኣይፈልጡን ነበሩ። ኣብዛ ምድሪ‘ውን ንበይኖም ስለዝነበሩ ዘጸናንዖም ኮነ ዝመኽሮም ሰብ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ኣቦና ኣዳም ሰብነቱ ብሓዘን ተዋሕጠ፡ ተጨነቐ፡ ሰብነቱ ነደረ'ሞ ሓመመ። ኣብዚ ግዜ'ዚ መላእክት ናብ ኣዳም መጺኦም ንኽበኪ መሃርዎን ኣርኣይዎን። ንሱ'ውን ምስ በኸየ ሰብነቱ ፈኾሰሉ ፡ ዝነደረ ኣካሉ’ውን ተመልሰ፡ ሰብነቱ ከኣ ዕረፍቲ ረኸበ። ካብቲ ግዜ ጀሚሩ ብሓዘን ምኽንያት ንዝወርደና ናይ ሰብነትና ሕመም ኮነ ጭንቀት ብንብዓትን ብኽያትን እንዳተንፈስና ክሳብ ሕጂ ኣሎና ፡ ንብድሕሪ ሕጂ'ውን ከምኡ እናበልና ክሳብ መወዳእታ ንቕጽል።
   

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቢታንያ ምስ መጸ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ኣርባዕተ መዓልቲ ጌሩ ነበረ'ሞ ከተንሥኦ ኢሉ ምስ ከደ ፡ ኣብ ቤት ኣልኣዛር ምስ በጽሐ ከም ዝነብዐ ንርኢ። ዮሐ.11። እዚ ድማ ብሞት ንዝተፈልየ ቤተሰብና ወይ ፈታዊና ኣብ ግዜ ሓዘን ክንበኽየሉ ግቡእ ምዃኑ እዚ ስለዝገበርና'ውን ኃጢኣት ከምዘይኮነ የርድአና። ርኅሩኅ ኣምላኽና፡ መፍቀሬ ሰብእ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ካብ ሞት ከምዘተንሥኦ እንዳፈለጠ፡ ኣሕዋት ኣልኣዛር ማርታን ማርያምን ምስ ረኸበ መጀመርታ ናይ ሓዘነን ተኻፋሊ ብምዃን ኣሕነቕነቐን ነብዐን። ድሕር'ዚ ንዓታተን ኣጸናኒዑ ሞይቱ ተቐቢሩ ንዝነበረ ካብ ሞት ኣተንሢኡ ካብ መቓብር ኣውጽኦ። በዚ ድማ ኣዝዩ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሩና እዩ።

   እምበኣር ኩሉ ክርስቲያን እቶመ መሠረታዊ ነገራት ኣብ ግዜ ሓዘን ክገብሮም ዝግባእን ዘይግባእን  እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ታሪኻት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተገልጹ እዮም። ብሞት ንዝተፈልየ ቤተሰብና ዝተሰመዓና ሓዘን ብብኽያትን ንብዓትን ክንገላገሎ ግቡእ እንተኾነ ነዚ ግን ግዜን ገደብን ኣለዎ። ብግዜ ዘይተወሰነን መጠን ዘይብሉ ነገር ኣይኮይነን ዶ ሓዘን ንብዓት ብኽያት ሓጎስን ደስታን’ውን እንተ በዚሑ ጉድኣቱ እዩ ዝኸፍእ። ኣቐድም ኣቢልና ከም ዝገለጽናዮ ሓዘንና ብንዓት ክንሰግሮ ጠቓምን እግዚአብሔር ዝፈቐዶን እኳ እንተዀነ መጠኑ እንተ ሓሊፉ ግን ብኣንጻሩ ጉድኣቱ ይዛይድ። ኣብ ግዜ ሓጋይ ዝደረቐ መሬት ንኽልስልስን ኣእካልን ኣዝርእትን ንኽበቑሉ ናይ ክረምቲ ማይ ኣድላይ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝወርድ ግን ነቲ ሕርሻ ጓሕጕሑ ሓጻጺቡ ብምውሳድ ጉድኣት የስዕብ። ብኽያትን ንብዓትን ውን ልክዕ ከምዚ እዩ። ዓይንና ንኽሕሉን ኣብ ግዜ ሓዘን ኣካልና ንኸይጉዳእ ንምክልኻል ዝተፈጥረ ንብዓት ምስ ነብዝሖ ዓይንና ንምጥፋእን ፡ ኣካልና
ጓሕጕሑ ኣደዳ ሕማም ይገብረና። ስለዚ ብግዜን ገደብን ተወሲኑ መጠኑ ከይሓለፈ ዝፍጸም ጥራሕ ምዃኑ የረድኣና። ቅዱስ ጳውሎስ " ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ምጕሃይ ናብ ድኅነት ዜብጽሕ ንስሓ የስዕብ፡ ኣየጣዕስን ከኣ'ዩ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት የስዕብ።" 2ቆር.7፡10። ዝብለና ነዚ እዩ።
   

ሓደ ሰብ ካብ ቤተሰቡ ሓደ ብሞት ምስዝፍለዮ ዝገብሮ ነገር ብሥርዓትን መጠንን እንተዘይኮይኑ ካብ ሥጋ ሓሊፉ ነፍሲ’ውን ከምዝጎድእ ከነስተውዕል ኣለና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜ ሓዘኖም ንእግዚአብሔር ዘሕዘኑን ንሱ'ውን ዘይተሓጎሰሎም ሰባት ኣለው፡ ከምኡ'ውን ኣብ ግዜ ሓዘኖም ንእግዚአብሔር ዘሕጎሱ ሰባት ኣለው። ኣብ ወንጌል ከምዝተጻሕፈ ሰማያዊት ቤት ዘይሓስቡ ፡ ሠናይ ዝሠርሑ ሰባት ኣብ ሰማይ ካብ እግዚአብሔር ንዝቕበልዎ ዋጋ ብምርሳዕ ፡ናይ ሰብ ሞት ተስፋ ከምዘይብሉ ከም እንስሳ ብሓመድ ተበሊዑ ጥራሕ ዝተርፍ፡ ከም ገረብ በስቢሱ ሓመድ ኮይኑ ከምዝተርፍ ጌሮም መሪር ሓዘን ዝሓዝኑ ሰባት ሰነፋት እዮም፡ ንእግዚአብሔር የሕዝኑ፡ እግዚአብሔር ውን ይሓዝነሎም። " ንምውታን ንኽቀብሩ ነቶም ሙታን ግደፍዎም" ብምባል ጐይታና ኣብ ወንጌል ዝተዛረበሎም ሰባት ፡ ክብሪ ሰብን ኃይሊ እግዚአብሔርን ንዘይፈልጡ ሰባት እዩ። ከምዚኣቶም ዚኣመሰሉ ሰባት “ሙታን” ዝተባህሉ ኣብ ምድሪ ብሕይወት ንዝነብሩ እዩ። ሙታን ዝተባህሉ ከምቲ ዝሞተ ሰብ ሥጋኡ ዋለሓደ ነገር ክፈልጥ ከምዘይክእል እዚኣቶም ውን እንዳነበሩ ግን ዘይፈልጡን ዘየስተውዕሉን ስለዝኾኑ እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስቲያን ትንሣኤ ከምዘየለ ፡ ኣብታ ሰማያዊት ቤት ኣቦና ጸጋን ክብርን ከምዘይጽበየና ጌሩ ዝሓዝንን ዝበክን እንተኾይኑ ፡ ንእግዚአብሔር ዘሕዝን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈ ብደው ዝሞተ ወይ እንዳተንቐሳቐሰ ግን ዝሞተ ይኸውን። በዚ ዝተጠቕሰ መንገዲ እግዚአብሔር ዘሕዘኑ ከምዘለዉ ፡ ንእግዚአብሔር ዘሕጎሱ‘ውን ኣለው። ካብዚኣቶም ድማ ነቢየ እግዚአብሔር ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝተገልጸ ዳዊት ወዱ ምስ ሓመመ ብጣዕሚ ሓዚኑ ነበረ። ድሕሪ ሞቱ ዝገበሮ ግን ንብዙሓት ኣገሪሙ፡ ኣርኣያነቱ ውን ዓቢ እዩ። እቲ ታሪኽ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ።

" ነቲ ሰበይቲ ኦርዮ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቖልዓ እግዚአብሔር ከቢድ ሕማም ኣውረደሉ። ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቖልዓ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ ጾም ጾመ፡ ኣትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ኃደረ። እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸኣ ካብ ምድሪ ኺትንሥእ ደው ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ግና ኣበየ፡ ምስኣቶም ድማ እንጌራ ኣይበልዐን። በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ እቲ ሕጻን ሞተ፡ እቶም ሹማምንቲ ዳዊት ከኣ " እንሆ እቲ ሕጻን ብሕይወቱ ኸሎ ተዛሪብናዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዐስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ እቲ ሕጻን ሞይቱ ክንብሎ ኢና፡ ገለ ኽፉእ እንተገበረኸ'' በሉ። ስለዚ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሁ። ዳዊት ግና እቶም ሹማምንቲ ሕሹኽሹኽ ኪብሉ ምስ ረኣየ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኣስተውዓለ። ዳዊት ከኣ ነቶም ሹማምንቱ" እቲ ሕጻን ሞይቱ እዩ" በሎም። ንሳቶም ድማ " እወ ሞይቱ"። በልዎ። ተሓጺቡን ተለኽዩን፡ ክዳውንቱ ለወጠ፡ ናብ ቤት እግዚአብሔር ኣትዩ ኸኣ ሰገደ። ናብ ቤት መንግሥቱ መጺኡውን ዚብላዕ ኣዘዘ፡ ምስ ኣቕረቡሉ ድማ በልዐ። ሽዑ እቶም ገላውኡ" እዚ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፡ እቲ ሕጻን ብሕይወቱ ከሎ ምእንታኡ ጾምካን በኼኻን፡ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና ተንሢእካ እንጌራ በላዕካ"በልዎ። ንሱ ኸኣ" መን ይፈልጥ እግዚአብሔር ኢንተ መሓረኒ፡ እቲ ሕጻን ድማ እንተ ሓወየ፡ ኢለ ስለዝሓሰብኩ እቲ ሕጻን ገና ብሕይወቱ ኸሎ፡ ጾምኩን በኼኹን። ሕጂ ግና ሞይቱ እዩ እሞ ንምንታይ ኢለ ደኣ ኽጸውም፡ ደጊምዶ ኸምልሶ ይከኣለኒ እዩ፡ ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይምለስን  እዩ"በሎም።2ሳሙ.12፡15−23።

     ኣብዚ ታሪኽ እንረኽቦ ንጉሥ ዳዊት ንወዱ ማዕረ ክንደይ የፍቅሮ ከምዝነበረ፡ ካብ ዙፋኑ ወሪዱ ልብሰ መንግሥቱ ቀንጢጡ (ኣውጺኡ) ኣብ መሬት ብምድቃስ ሓመድ ነስኒሱ ብጾምን ጸሎትን ከምዝተጋደለ ንርኢ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ድሕሪ ሞት ወዱ  ኣብ ሰማይ ዝግበር ስለዝፈልጥ " ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይምለስን እዩ" ብምባል ኣብታ ሰማያዊት ቤት ዘለዎ ጽኑዕ እምነትን ፡ ሞተ ማለት ናብ እግዚአብሔር ከይዱ ማለት እምበር ካልእ ነገር ማለት ስለዘይኮነ ናብ ቤት እግዚአብሔር ብምዃድ ሰገደ፡ ንእግዚአብሔር ኣመስጊኑ ድማ ከም ዝተመልሰ
ይነገረና።

   ኣብ መጽሓፈ ኢዮብ.1፡13−21። ንዘሎ ምስ ንምልከት ድማ፡ ኣብ ግዜ ሓዘን ንእግዚአብሔር ብኸመይ መንገዲ ከነሕጉስ ከምንኽእል የረድኣና። ኢዮብ ብሓደ መዓልቲ ዓሰርተ ደቁ ሞይቶሞ ፡ ክቑጸር ዘይክእል ሃብቱን ንብረቱን ስኢኑ ፡ እንተኾነ ግን " እግዚአብሔር ሃበ እግዚአብሔር ድማ ወሰደ" በለ እምበር ኣየማረረን፡ ሓዘኑ’ውን በቲ ዝግባእ ሥርዓት ኣከናዊንዎ። ኣብዛ ምድሪ ዘሎና ደቂ ሰባት ንኹልና ዘይተርፈና ሞት ካብ ቤተሰብና ክትወስድ ርኢና ንኸውንኢና። ከም ኢዮብ ብሓንሳብ ዓሰርተ ደቁ ዝሰኣነ ግን የለን። በዚ ግን ካብ እግዚአብሔር ድርብ ዋጋ ጸጋን ረኸበ እምበር ኣይተጎድአን። ካብቶም ቀዳሞት ዝበልጹ ውሉድ ፡ ካብቲ ቀዳማይ ሃብቱ ዕጽፍን ድርብን ዝኾነ ሃብቲ ተዋህቦ ፡ ምስ ዝተረግሙ ዝቖጸርዎ ሰባት’ውን ሓፈሩ፡ ንሱ ግን ኣብ ዝሰኣነሉን ዝረኸበሉን ግዜ፡ ኣብ ሓዘኑን ደስታኡን ግዜ ንእግዚአብሔር ኣሐጎሰ፡ ተባረኸ'ውን። እንታይ ደኣ ደቂ ሰባት  እቲ ሓቂ እዚ ከሎ መጠን ዘይብሉ ሓዘን ንሓዝን፡ ንምንታይ ኢና ንጭነቕን ኣብ ፈተና ንኣቱን፡ ስለምንታይ ከም ኣቦታትና ኢዮብን ዳዊትን ምዃን ስኢና፡ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና ፡ግቡእ'ውን እዩ። ናይዚ መልሲ ብግቡእ እንተተረዲእና ከምቶም ካልኦት ብርቱዓት ዘይንዀነሉ ምኽንያት
ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ንሕቶና መልሲ ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስና ስለዝመዝገበልና ነዚ ዝስዕብ ንመልከት።

" እዛ ኸም ድንኳን ጊዜያዊት ዝኾነት ምድራዊት ቤትና፡ ማለት ሰብነትና ፤ እንተ ፈረሰት እኳ፡ ካብ ኣምላኽ ሓንቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረት ሕንጻ፡ ናይ ዘለዓለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ሰማያዊ ቤትና ክሳዕ ንለብስ ብሃንቀውንታ ዓንገረር ንብል ኣሎና። ምኽንያቱ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና ዕሩቓት ኴንና ኣይክንርከብን ኢና። ሞት ብሕይወት ምእንቲ ኺልወጥ ካብዚ ምድራዊ ሰንብነትና ክንቅንጠጥ ፈተና ዘይኮናስ፡ ሰማያዊ ሰብነት ምእንቲ ክንለብስ ሃረር ንብል ኣሎና። ከመይ እዚ ድንኳን እዚ ከቢዱና ንቕንዞ ኣሎና። እቲ ነዚ ዘብቅዓና ኸኣ፡ እቲ ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። 2ቆሮ 5፡1−5። ኣብዚ ጥቅሲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣዝዮም ዓበይትን መሠረታውያን ዝኾኑ ነገራት ኣቐሚጡልና  ኣሎ። ነዚኣቶም ብግቡእ እንተተረዲእናዮም ብዙሓት ሕቶታት ብግቡእ ይምልሱናል እዮም።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ከም ፍቓዱ ክንመላለስ ጸግኡ የብዝሓልና ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ተራዳእነት ቅዱሳንን ኣይፈለየና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር። ኣምላከ ቅዱሳን ካብ ሓዘን ይሰውረና።

ይትባረክ ( ምሕረትአብ )

Comments are closed.