ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ ነበረ

                                                                 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ማርያም መግደላዊት ብዕለት እሑድ(ሰንበት)

ጌና ጸልማት ከሎ ናብ መቓብር ጐይታ ክትከይድ ተንሥአት። ርግጽ'ዩ ብጸልማት ምውጻእ ብፍላይ ንጓል ኣንስተይቲ ዘፍርሕ'ኳ እንተዀነ፡ ነዛ ቅድስቲ ግን ካብ ሞት ክርስቶስ ንላዕሊ ካልእ ጸልማት ገዚፉ ክርኣያ ኣይከኣለን። ናይ ሕይወታ ብርሃን ኣብ ውሽጢ መቓብር ኃዲሩ እዩ'ሞ፥ ነጊሁ መንገዲ ዘርእያ ካልእ ብርሃን ኣይተጸበየትን። ንኹሉ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ ኸፈር መቓብር ካብ ዘንብርዎ ሠለስተ መዓልቲ እምበር ናይ መዓልትን ለይትን ፍልልይ ኣይተረድኣን። ብርግጽ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ካብ ልዕሊኣ ኣውጺኡላ ዝነበረ ሰበይቲ፥ ኣየናይ ጸልማት ኣየናይ ጋኒን ከፍርሓ ይኽእል፧ "ፍቕሪ ንፍጹም ፍርሓት ኣውጺኣ ትድርብዮ" እዩ'ሞ እዛ ሰበይቲ ጸልማት ከይፈርሐት፣ ክሳዕ ዝወግሕ ክጸንሕ ከይበለት፣ ናብ መቓብር ጐይታ ገስገሰት።

ከም ዝተጸበየቶ ግን ን”ይታ ኣብ መቓብር ኣይረኸበቶን። ኣብኡ የለን። ኣብቲ መቓብር ዘይምርካቡ፣ ንዓኣ ኮነ ንደቂ መዛሙርቱ ተስፋ ዘቑርጽ ናብ ሓዘን ዘእቱ ኮነ እምበር "ክትንሥእ እየ።" ዝብል ከም ዝዝክሩ ምኽንያት ኣይኮኖምን። ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን እኳ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቦም "እዚ መስሓቲ ገና ብሕይወቱ ኸሎ ፥ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ ክትንሥእ እየ ከም ዝበለ ዘከርና" ኢሎም ነበሩ ማቴ. 27፡63። ሓዋርያቱን ማርያም መግደላዊትን ግን መቓብሩ ጥርሑ ኰይኑ እኳ እንተ ርኣዩ "ክትንሥእ እየ።" ከምዝበለ ትዝ ኣይበሎምን። ንደቂ መዛሙርቱ ስለ ጉድለት እምነቶም "ንስኻትኩም ዘይተስተውዕሉ ልብኹም ንምእማን ዝደንጎየ" ኢሉ፥ ንዓኣ ድማ "ኣይትተንክይኒ" ኢሉ ገሰጾም። ሉቃ. 24፥25 ፣ ዮሓ. 20፥17።

መግደላዊት ንጐይታና ኣብ መቓብር እኳ እንተሰኣነቶ "ኣብዚ እንተዘየሎስ ንገዛይ ክኸይድ እሞ ከዕርፍ" ካብ ምባል፣ ኣብኡ ኰይና ከተልቅስ ጀመረት። ብድሕር'ዚ በቶም ብንብዓት ዝፈዘዙ ኣዕይንታ ክልተ መላእኽቲ ኣብ መቓብሩ ብትርኣስን ብትርጋጽን ኮይኖም ረኣየት። ኣይተስተውዕሉን "ንጐይታይ ወሲዶሞ" በለቶም። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ከም ዘብርሆ፡ እቶም መላእኽቲ ናብ ደገ ክርእዩ ከለዉ ዓይኖም ተኸቲላ ጥውይ ክትብል ንጐይታና ደው ኢሉ ረኣየቶ። እንተኾነ ግን ኣይፈለጠቶን።
"ኢየሱስ'ውን ኣንቲ ሰበይቲ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፡ ንመን'ከ ትደልዪ ኣለኺ፧ በላ። ንሳ ከኣ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ ፡- ጐይታይ! ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተኼንካስ ኣነ ክወስዶ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ እንዶ ንገረኒ" በለቶ። ዮሓ. 20፡15።

ጐይታ ነዚ ተኸቲሉ ንዘይምእማና ገሲጹ መንነቱ ገለጸላ። በዚ ነዛ ቅድስት ትንሳኤሁ ካብ ዝሰበኹ ደቂ ጽዮን ሓንቲ ኰነት። ናይ እስራኤል ነጻ ምውጻእ ሓፍቲ ሙሴ ማርያም ብኸበሮ ከምዘበሰረት፡ ማርያም መግደላዊት'ውን ናይ ወዲ ሰብ ነጻ ምውጻእ ብዘይከበሮ ኣወጀት። ንሳ ጥራይ ዘይኮነት ካልኦት ኣንስቲ፡ ዓርቢ ስቕለት እንዳልቀሳ፡ ደረተን እናሃረማ ሞቱ ብንብዓት ዓጂበንኦ ኢየን እሞ፡ ዕለት ሰንበት ኣብሰርቲ ዜና ትንሳኤሁ ንምዃን ኣብቅዐን። ንጓል ኣንስተይቲ "ደስ ይበልኪ" ብማለት ዝተጀመረ ናይ ኣምላኽ ናይ ምድኃን ሥራሕ፡ ጓል ኣንስተይቲ ባዕላ ንኻልኦት "ደስ ይበልኩም" በሃሊት ከምትኸውን ብምግባር ተፈጸመ።

ማርያም መግደላዊት "ሓላዊ ኣታኽልቲ መሲልዋ ነበረ'ሞ" ጐይታይ! ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተኼንካስ ኣነ ክወስዶ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ እንዶ ንገረኒ" ዝብል ዘረባ ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ዋላ'ኳ ነዚ ዝተዛረበቶ ቃል ዘይትፈልጥ እንተዀነት፡ ኣዘራርብኣ ግን ካብ ስሕተቱ ቅኑዕነቱ ዝበልጽ ኣዘራርባ እዩ። "ኣታኽልተኛ መሲልዋ ነበረ" ዝብል ቃል ከመይ ዝበለ ድንቂ ቃል እዩ! አበው ትንቢት ሕዝቅኤል ምዕራፍ 44 ክትርጉሙ ከለዉ "ካብ ሓቂ ዝሓይሽ ስሕተት(ጌጋ) ካብ ምቕታል ዝሓይሽ ምስሓት ኣሎ።" ዝበልዎ ከምዚ ዝዓይነቱ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ንማርያም መግደላዊት ክርስቶስ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ ነበረ፡፡ ዘገርም'ዩ! ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝተመላለሰሉ ግዜ ንደቂ ሰባት "ዘይመሰሎም" እንታይ ኣሎ፧ ምስ ተወልደ ንኣይሁድ ወዲ ዮሴፍ መሲልዎም ነበረ። ንኒቆዲሞስ ነብይ መሲልዎ ነበረ፣ ንሳምራዊት ሰበይቲ መጀመርታ ማይ ዝልምን ተራ ሰብ መሰላ፣ ብድሕሪኡ ድማ ነብይ መሲሉ ተራእዩዋ ነበረ፡፡ ክርስቶስ ንብዙሓት ዘይመሰሎም እንታይ ኣሎ፧ ንገለ ኤልያስ ፣ ንሓደ ሓደ ሙሴ፣ ንኻልኦት ኢያሱ መሰሎም፡፡ ንተጓዓዝቲ ኤማሁስ "ተጓዓዚ (መንገደኛ)"፣ ንወተሃደራት ሮም "ወንጀለኛ"፣ ንመኳንንቲ ሄሮድስ "ኣስማተኛ(ጠንቋሊ)" መሲልዎም ነበረ፡፡ ንሕና ንዕኡ ክንመስል ንሱ ንነፍስ-ወከፍና መሲሉ ተጸርፈ፡ ተወቕሰ፥ ብግፍዒ ተሰቒሉ ሞተ። ሕጂ ድማ ንማርያም መግደላዊት በዓል ኣታኽልቲ መሰላ፡፡

ማርያም ብሓደ መዳይስ ልክዕ(ቅኑዕ) ኢኺ ኢልኪ። ዝረኣኽዮ ንሱ ሓላው ኣታኽልቲ እዩ። ብሓቂ ሓላው ኣታኽልቲ እንተ ዘይከውንስ "ኣዳም ኣበይ ኣለኻ፧" እንዳበለ ኣብ ማእከል ገነት ኣብ ዙርያ ኣእዋም ገነት እንታይ ኣመላለሶ፧ ኣይተጋገኽን "ወይኒ ተኸልኩ ኣይፈረየን፡ ንወይነት ዘይገበርክዎ እንታይ ኣሎ፧ ኣባይን ኣብ ሞንጎ ወይነይን ፍረዱ" ኢሉ ዝጸውዓናስ ንሱ ኣይኮነን፧ "ዘራኢ ዘርኢ ክዘርእ ወጸ፡ ዘራኢ ዘርኢ ኣነ እየ፡ ዓጸድቱ ከኣ መላእኽቲ እዮም" ኢሉ ብምሳሌ ዘስተምሃረና ንሱ ኣይኮነን፧ ካብዚ ንላዕሊ ሓላው ኣታኽልቲ ካበይ ክመጽእ፧ "ሥፍራ ወይኒ ነበረቶ ቀጽሪ ከኣ ገበረላ" ኣብ ዝተባህለት ቅድስት ቤተክርስቲያን ኩልና ካብ ኣብ ከይንቑረጽ ዝተኸለና፡ ናይ ጎድኑ ማይ እንዳ ኣስተየ፡ ብመስቀሉ እንዳ ኾስኮሰ ዘዕቢ "ጳውሎስ ክተክል ኣጵሎስ ከስቲ ኸሎ፣ ጐይታ የዕቢ ነበረ። ዝተባህለሉ ሓላው ኣታኽልቲ ንሱ ኣይኮነን፧ ሠለስተ ዓመት ተመላሊሱ ፍሬ ከይረኸበልና ኣሕዚንናዮ፡ እሾኽ ኣሜከላ እንዳ ኣብቆልና ኣሸጊርናዮ እምበር ንሱስ ብርቱዕ ሓላው ኣታኽልቲ ነይሩ። ስለዚ ማርያም መግደላዊት ሓላው ኣታኽልቲ እንተመሰለኪ ኣይተጋገኽን።

ጐይታይ! ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተኼንካስ ኣነ ክወስዶ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ እንዶ ንገረኒ" ዝብል ሕቶ ብመንጽር ሓቂ ብጣዕሚ ድንቂ እዩ። ብርግጽ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መቓብር መን ወሰዶ፧ መንከ ኣተንሥኦ፧ ብገዛእ ርእሱ ኣይኮነን፧ ማርያም "ጐይታይ! ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተኼንካስ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ እንዶ ንገረኒ"በለቶ። ማርያም ሕቶኺ ግቡእ እዩ። ጽቡቕ ጌርኪ ጥራይ ሕተትዮ። ዝወሰዶ ንሱ ባዕሉ እዩ። ሥጋኡ ካብ መቓብር ሕያው ገይሩ ኣተንሢኡ ዝወሰዶ ኣብ ቅድሜኺ ደው ኢሉ ኣሎ። መረጋገጺ እንተደሊኺ "ንነፍሰይ ድማ ኣነ ብፍቓደይ የንብራ እምበር፣ ካባይ ማንም ኣይወስዳን፡ ከንብራ ሥልጣን ኣሎኒ፡ ከምኡ ውን ከተንሥኣ ሥልጣን ኣለኒ።" ኢሉ ክዛረብ ከሎ ወዲ መዝሙሩ ዮሃንስ ሰሚዑ መዝገቦ። ኣጸቢቕኪ ሓዝዮ! ኣይትፈንውዮ! ብፍቓዱ ከምዝሞተ ነፍሱ ከንብራ ሥልጣን ዘለዎ ካብ መቓብር ብፍቓዱ ዝተንሥአ ንሱ እዩ። ገለ ሰባት ወሲዶሞ ክብሉ ምስ ትሰምዒ ኣይትእመኒ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ማእከል ምዉታን ወሲዱ ሕያው ዝገበሮ እዚ ቅድሜኺ ደው ኢሉ ዘሎ ሓላው ኣታኽልቲ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እግሩ ወዲቕኪ ሓዝዮ ኣይትፈንውዮ፡ እዚ ሓላው ኣታኽልቲ ጥራዩ ዝገበሮ ንመቓብር ጥራይ ከይመስለኪ። ንሲኦል እንተትርእዪ እንታይ ምበልኪ፧ ኣብዚ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መቓብር ጥርሑ ቅድሚ ምግባሩ ናይ ሲኦል መዕጸዊ ሓጺን ሰባቢሩ ኣእላፍ ነፍሳት ዘሪፉ ናብ ገነት ከይዱ ነበረ። ኣብኡ ነቶም ዝማረኾም ሓብአ። ሕጂ ድማ ነቲ ዝተረፎ መቓብር ባዶ ገይሩ ቆይሙ ኣሎ እሞ ኣይትፈንውዮ።

ማርያም መግደላዊት "ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተኼንካስ ኣነ ክወስዶ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ እንዶ ንገረኒ"ዝበልክዮ ዘረባ ከመይ ዝበለ ጸሎት እዩ፧ እዝስ ንዓና'ውን ብተወሳኺ ጽቡቕ ጌርኪ ሕተትልና። ኣብ ናይ ልብና ውሽጢ መቓብር ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ነእትዎ ብዙሕ ጌርና። ቅዱስ ሥጋኡ ተቐቢልና፣ ኣብ ውሽጥና ካብ ንሕዞ ካብ ሠለስተ መዓልቲ ንላዕሊ ብዙሕ ዘመን ሓሊፍና። ነገር ግን ንሱ ከምዝተፈለየና እንዳተሰምዓና ባዶነት እንዳኣጨነቐና እዩ። ካብ ናይ ጲላጦስ ማኅተም ዝበለጸ ብናይ መስቀል ማዕተብ ዝተሓትሞ ሰብነትና ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ተቐቢሉ እንተሓዘ እኳ ሕጂ ግን ባዶነት እንዳተሰምዓና፡ንሱ ካባና ከምዝተፈልየ እንዳመሰለና እዩ። ሓለውቲ መቓብር፥ ብናይ ካህናተ ኣይሁድ ክፍኣተ ሜላ "ንሶም ስለዝደቀሱ እዩ ጐይታ ካባና ተወሲዱ ባዶ ኮይንና ዝተረፍና" ማለት ንጲላጦስ እኳ ከእምን ዘይክኣለ ተራ ምኽንያት እዩ'ሞ፣ ከነቕርቦ ኣይንደፍርን። ጥራይ ባዶነት ክበዝሓና ከሎ "ኣዳም ኣበይ ኣለኻ" ዝበሎ ሓላው ኣታኽልቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ ናይ ሰብነትና ጫካ ኣቲና "ጎይታይ ኣበይ ኣለኻ" እንዳበልና ኢና'ሞ በጃኺ ሕተትልና። ንሱ ወሲድዎ እንተኾይኑ ይንገረና። ከም ዳዊት "መንፈስካ ኣይትውሰደልና" እንዳበልና ጨኪንልና እንተኾይኑ'ውን ይንገረና። ኣብ ዘንበሮ ነጊሩኪ እንተኾይኑ ግን ንሕና'ውን ከማኺ ክንወስዶ ናብ ልብና ከነእትዎ ንገርና።

ካብዚ ንድሓር ፈሊጥና (ተረዲኡና) "ረቡኒ" (መምህር) ክንብሎ ኢና። ኣይትተንክዩኒ እንተበለና'ኳ ኣይንሓዝንን "ጐይታይ ንስኻ በእዳውካ ዳህስሰና እምበር ንሕና ኣይንድህስሰካን፡ ባዶነት ዘጨነቖ ውሽጥና ዘለኻሉ ንገረና እምበር ብዝረኸሱ ኣእዳውና ክንትንክየካ ኣይንደፍርን። ንስኻ ዳህስሶ፡ ከም ቶማስ ተቓጺልና ካብ ምእዋይ፡ ብኣኻ ተዳህሲስና ምንጻህ ንመርጽ ኣለና" ኢሎሙኻ በልልና።

ወስብሐት ለእግዚ አብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

ጸሓፊ- ዲያቆን ሄኖክ ኃይሌ Deacon Henok Haile
ትርጉም- ዲያቆን ይከኣሎ ገብረእግዚአብሔር
ዲን. ማቲያስ

Comments are closed.