ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። ዕብራውያን 13፡9።

ጋሻ ትምህርቲ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ጋሻ ትምህርቲ ምሃብ ዝተጀመረ ኣበይ ብመን ኢዩ ፧ ጋሻ ትምህርቲ ብከመይ መንገዲ ይመሃር ወይ ይመሓላለፍ፧ ጋሻ ትምህርቲን ንጋሻ ትምህርቲ ዝምህርን ብከመይ ይፍለጥ፧ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ጋሻ ትምህርቲ እንታይ ይብል፧

ቅዱስ ጴጥሮስ “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።” ይብል። 2ይ ጴጥሮስ 1፡21። ስለዚ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ብሚዛን ናይዚ ቅዱስ ቃል ዝርአ ኢዩ።

ጋሻ ትምህርቲ ማለት ብሚዛን ክርስትና ክረአ ከሎ፡ ካብ እግዚአብሔር ዘይኮነ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዘይተቃነየ። ካብ እግዚአብሔር ዘይተላእኩ ዝዛረብዎ፡ ካብ ፍቓድ ሥጋዊ፡ ደማዊ ሰብ ዝኾነ፡ ኩሉ ጋሻ ትምህርቲ ኢዩ። ጋሻ ትምህርቲ ካብቲ ሓቂ ዝኾነ ኣምላክ ስለዘይኮነ ሓቂ ኣይኮነን። ጋሻ ትምህርቲ ንሰማዒኡ ኣይሃንጽን ኢዩ። እኳደኣ ንዝሰምዖ ካብ ጽንዓት ሃይማኖቱ ሰንከልከል ዘብል፡ ዝነቅል፡ ህንጻ ሃይማኖት ዘፍረስ፡ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ዘምጽእ ኢዩ። ጋሻ ትምህርቲ ንሓድሕዱ ዝፋለስ፡ ዝፋረስ ኢዩ። ጋሻ ትምህርቲ ካብ ኣምላኽ ዘይኮነ፡ ነብያት ዘይተዛረብዎ፡ ሓዋርያት ዘይሰበኽዎ፡ ሊቃውንት ዘይተርጎምዎ ጸላኢ ዝዘርኦን ዘምጽኦን ኢዩ።

ሰብ ይኹን መልኣክ፡ እግዚአብሔር ዘይለኣኾ ኩሉ ሓሳዊ ልኡኽን ሓሳዊ መምህርን ኢዩ። ዝዛረቦ ሓሶት ዝምህሮ ድማ ጋሻ ትምህርቲ ኢዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ቅድስት ቤተክርስቲያን እዛ መርዓት ክርስቶስ፡ ዘይመስከረትሉን ዘይለኣኸቶን’ውን ንሱ ሓሳዊን መስሓቲን ኢዩ። ነዞም ከምዚኦም ኢዩ ጐይታ “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።” ማቴዎስ 7፡15። ኢሉ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቐና።  

ጋሻ ትምህርቲ ዝተማህረ ንመጀመርያ ኣብ ሰማይ ኣብ ዓለመ መላእክት፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኣብ ገነት ኢዩ። ኣብ ዓለም መላእክት እግዚብሔር ንመላእኽቲ ፈጢሩ ተሰዊርዎም። መላእክት ድማ ለባውያን፡ ነባብያን፡ ሕያዋን ኮይኖም ምስ ነጻ ፍቓድ ስለዝተፈጥሩ፡ ካበይ መጺእና ፧ መን ፈጢሩና? ዝብል ሕቶ ሓተቱ። ኣብቲ ጊዜ ሳጥናኤል ብማዓርግ ዝለዓለ፡ ብኣቀማምጣ ቦታ ድማ ናብ እግዚብሔር ዝቐረበ ኢዩ ነይሩ። ይኹንምበር ንየማን ንጸጋም፡ ንላዕሊ ንታሕቲ ጠሚቱ፡ ብታሕቲ ካልኦት መላእኽቲ ኣለዉ፡ ካብኡ ንላዕሊ ግን ዋላሓደ ብዘይምንባሩ፡ ነዞም ፍጡራት ኣነ እየ ፈጢረዮም ኢሉ ሓሰበ። ሓሲቡ ጥራይ ኣይተረፈን፡ ኣነ እየ ፈጣሪኹም ደኣ በሎም። ቅዱስ ያዕቆብ “ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።” ያዕቆብ 1:15። ከምዝበሎ ኢዩ።

ቅዱሳን መልእክት ግን “ከመይ ኢሉ ኢዩ ፈጢረኩም ዝብለና? ብቦታ ካባና ብምልዓሉ እንተኮይኑ፡ ንሕና ነቶም ካባና ንታሕቲ ዘለዉ ኣይፈጠርናዮምን። ስለዚ ፈጣሪ ምዃኑ ፈጢሩ የርእየና ተባሃሃሉ። ፈጣሪ ምዃንካ ፈጢርካ ኣርየና ድማ በልዎ። እዚ ነቲ ሓዋርያ “ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።” ዝብል ምኽሪ ዘዘኻኽር ኢዩ። 1ይ ዮሐንስ 4፡1። ክፈጥር ኢሉ ፈተነ፡ ግን ከኣ ነደደ። ሕጂ’ውን እግዚአብሔር ጊዜ ሃቦ። ንሱ ግን ኣይተመልሰን። መሊሱ ደኣ ህልውና እግዚአብሔር ተጠራጠረ። መላእክት ተናወጹ፡ ኣብ መንጎ መላእክት ምክፍፋል ኮነ። ብርሃናዊ መልኣክ ቅዱስ ገብርኤል “ንቁም በበህላዌነ እስከ ንረክቦ ለኣምላክነ።” ክሳብ ንኣምላኽና ንረኽቦ፡ በብዘለናዮ ደው ንበል። ብምባል ኣረጋግኦምን ኣህደኦምን። ክሕደትን እምነትን፡ ሓቂን ሓሶትን ዝተገልጻ ኣብዚ ጊዜ እዚ ነይሩ። ክሕደት ካብ ዲያብሎስ እምነት ካብ ቅዱስ ገብርኤል።

እቶም ኣብ ነገዱ ዝነበሩ መላእክት ኣብ ሠለስተ ወገን ተኸፍሉ፡ እቶም ቀዳማይ ወገን ብፍጹም ዘይተቐበልዎ ኢዮም። እቶም ካልኣይ ወገን ዝተጣራጠሩ ኢዮም። እቶም ሣልሳይ ወገን ድማ ብፍጹም ዝኣመንዎ ኢዮም። ነዚ ተኸቲሉ “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።” ራእይ 12፡7። ይብል።

ንሱ ግን ካብ ክሕደቱ ዘይምለስ ስለዝኾነ፥ ንሱ ብዘይብሉ ብወገን ምብራቕ እግዚአብሔር “ለይኩን ብርሃነ” ብምባል ብርሃን ኣፈሰሰሎም። ስሙ ዝተቐርጸሉ መጽሔተ ብርሃን ድማ ሃቦም። ንዕኡ ሒዞም ስብሓት ለእግዚአብሔር ብምባል ኣመስገንዎ። ንዲያብሎስ ግን በቲ ዝሓደሮ ጸልማት ጠቕሊሉ ኣብ ኢዮር ምስዘለዉ ደረቦ።

ኣብ ኢዮር ኮይኑ ዕለተ ሠሉስ ዝተፈጠሩ ዕጸዋት ርእዩ ምስተገረመ፥ ጐይታ እንተ ፈቲኻያ ኣብኣዶ ከንብረካ፧ በሎ። ንሱ ግን ኢዮርሳሌም ሰማያዊት መን ምስከልኣኒ ደኣ በለ። ልኡኻቱ ሰዲዱ ነቲ ናይ ኢየሩሳሌም ገዛኢ እየ ዝብል ወጊእና ንሓዛ ብምባል ናብ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ሰደደ። እቶም ዝለኣኾም ተመሊሶም ሰጒጎምና በልዎ። ኣርባዕተ ተሰከምቲ (ጸወርቲ መንበር) ገይሩ ንላዕሊ ክኸይድ ምስፈተነ፡ ሓይሉ ስለዝተወስደ ኣንቆልቊሉ ንታሕቲ ወረደ። ካብቲ ዝነበሮ ንታሕቲ እናወረደ ኽኸይድ ከሎ “ጎየ እግዚእ ምስለ ኣርያሙ” ብምባል ናይ ምትላል ቃላቱ ቀጸለ።

ረቡዕ ጎይታ “ለይቁሙ ብርሃናት በገጸ ሰማይ” ኣብ ገጽ ሰማይ ፀሓይን ወርሕን ይኹኑ ምስ በለ፡ ሕጂ ውን እምስገን እምበር ኣነስ ኣየመስግንን፥ እኳ ደኣ ንዓይ ራብዓይ ጌርኩም ከተመስግኑኒ እየ ዝፈቱ በሎም። ኣብዚ ጊዜ መላእክት ገጠምዎ። ክስዕርዎ ግን ኣይከኣሉን። ጐይታ ፍቓድካ ስለዘይኮነ ኢዩ በልዎ።  ፍቓደይ ኢዩ ግን እተሰንፍሉ ክትፈልጡ ኢለ እየ። ድሕሪ’ዚ ስሙ ዝተጻሕፎ ናይ ብርሃን መስቀል ገበረሎም። ነዚ ሒዞም ስዒሮሞ ኢዮም። ኣብዚ ዕለት ናብ ምድሪ ወደቐ። ሓሙስ ድማ ናብ እንጥርጦስ ኣውረዶ። እቶም ዝተረፉ 99 መላእክት ግን ኣብ ዘለዉዎ ጸኒዖም ለይትን መዓልትን ዘመስግኑ ኮይኖም ኢዮም።

ካብዚ ታሪኽ እንመሃሮ ኩሉ ትዕቢት፡ ድፍረት፡ ክሕደት፡ ጥልመት፡ ሓሶት፡ ምጥርጣር ምንጩ ካብቲ እኩይ ምዃኑ ኢዩ። ፍጡር ክንሱ ፈጣሪ እየ ብምባሉ፡ ዘይኮኖ እየ ብምባሉ። ብትዕቢት ተወጢሩ ብሓሶት መስኪሩ ክልተ ሢሶ ካብቶም ኣብ ነገዱ ዝነበሩ መልእክት ከምዝወድቁ ብምግባር ምስኡ እንጥርጦስ (መትሕተ ታሕቲት) ክወርዱ ዝገበረ ኢዩ። ጐይታ ኣብ ወንጌል “ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ ኢዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ ኢዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ ኢዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ ኢዩ።” ዮሓ 8፡44። ኢሉ ግብሩን መንነቱን ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሰማይ ቦታ ዘይተረኽቦ መስተጻርር፡ ኣብ ንሰብ ዝተዋህቦ ክብርን ዝተገብረሉ ሓለፋን ርእዩ ቀንኣሉ። በዚ ድማ ክፍኣት ናቱ ኢዩ እሞ፡ ከምቲ ኣብ ዓለመ መላእክት ዝስሓቶም፡ደሓር’ውን ንቀዳሞት ወለድና ብቅንኢ፡ ናብታ ብሓጎስ ዝነብሩላ ዝነበሩ ገነት መጺኡ፡ ኣብ ሥጋ ተመን ተሰዊሩ፡ ብልሳን ተመን ተናጊሩ ኣስሒትዎም። እግዚአብሔር ኣምልክ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ።” ዘፍ 2፡16-17። ዝብል ምልክት ፍቕሪ ዝኾነ ትዛዙ ሂብዎም። እቲ ጸላኢ ደቂ ሰባት ዝኾነ ግን ነቲ ቅዱስን ሰናይን ዝኾነ ትዛዝ ጐይታ፡ ገልቢጡ “ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም።” ኢሉ ብሓሶት ኣታሊሉ ከምቲ ንሱ ዝወደቖ ኣውዲቕዎም፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ተባሪሩ ከምዝተሰጎ ኣዳምን ሄዋንን ድማ ካብታ ማሙቕ ቦታኦም ከምዝስጎጉ ገይሩዎም። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ኣቐዲሙ ከይገብርዎ ዝተነግሮም ብምግባር ከምቲ ቃሉ ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ፡ ኣብ ልዕሊ ርደተ መቓብር፡ ርደተ ሲኦል ተፈሪድዎም፡ ክሳብ ብሞት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትና ዝድምሰስ፡ ሞት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ሰልጢኑ ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ። … . . ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ።” ሮሜ 5፡12, 14, 15። ይብለና።

ትዕቢት፡ ቅንኣት፡ ሓሶት፡ ክሕደት፡ ምንፍቅና፡ ምጥርጣር፡ ቅትለት፡ ጋሻ ትምህርቲ ኩሉ ካብቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ኢዩ መሰረቱ። ጋሻ ትምህርቲ ዝተዋህበ እምበኣር በቲ “አቡሃ ለሐሰት” ኣቦኣ ንሓሶት ዲያብሎስ ቅድም ኣብ ሰማይ ኣብ ዓለመ መላእክት፡ ደሓር ድማ ኣብቲ ኣኽሊል ስነ ፍጥረት ዝኾነ ወዲ ሰብ ክነብረላ ዝተዋህበቶ ኣብ ገነት ኢዩ።

 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                                                     +1++++++++++++++++++++++++++1+

Comments are closed.