ሊቀ ሰማዕታት ቅዱስ ጊዮርጊስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ብፍጹም ሰላመ እግዚአብሔር ሰላም ንኣኹም ይኹን ብወልድ ውሉድ ዝተሰመኩም ሕዝበ ክርስትያን።

ሊቀ ሰማዕታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ንናይ ክርስቶስ ወንጌለ መንግሥት እንዳመሃረ፡ ንናይ ጣዖታት ከንቱ እንዳገለጸ ኣብ ዝተጋደለሎም ሸውዓተው ዓመታት ካብ ኣረማውያን ዝበጽሖ ብዝነበረ ወሰን ዘይብሉ መከራን ስቃይን ትኽ ብዝበለትን ብዝጸንዐትን ሃይማኖቱ ብናይ ፈጣሪኡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ብናቱ ጸሎት ዝተፈላለየ ተኣምራት ገይሩ እዩ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ዝተጋደለሎም ሸውዓተው ዓመታት ብነበልባል ሓዊ እንዳተጠብሰ፡ ብዝተፈላለዩ ዓበይትን በላሕትን ሓጻዊን እንዳተወግአ ኣዕጽምቱ እንዳተፈለጸ ነፉረን ክሳዕ ዝከዳ ብናይ ሓፂን ሓለጊ እንዳተገርፈ፡ መጠን ኣልቦ ዝኾነ ከቢድ መከራ ካብ ኣረማውያን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ሠለስተ ሳዕ መይቱ ሠለስተ ሳዕ ምትንሥኡ ገድሉ ይነግር። ሓደ ኣትናትዮስ ዝበሃል ዝነበረ መሰርይ (ጠንቋሊ) ብስሚ ዝተመልአ መስተ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ኣስተዮ ዝኾነ ዓይነት ጕድኣት ከይበጽሖ ብምትራፉ ኣትናትዮስ ኣሚኑ ክርስትያን ኮይኑ ሰማዕትነት ተቐቢሉ እዩ። ከምኡ ድማ ምስ ዲድያኖስ ዝነበሩ ናይ ሰብአ ነገሥታት መንበር ኣለምሊሙ እዩ፡ ዲድያኖስ ዝተበሃለ ከሓዲ መኰነን ንዘምልኸሉ ከንቱ ጣዖት ብዙኅ ሕዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ኣደባባይ ናይ ሰይጣን መኅደሪ ምዃኑ ባዕሉ እቲ ጣዖት ኣፍ ኣውጺኡ ከምዝዛረብ ድኅሪ ምግባሩ መሬት ተኸፊታ ከምዝወሓጠቶ ገይሩ እዩ።

ብፍላይ ብኅዳር ሸውዓተ (7) መዓልቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ በዓላት ክልተ ክኾና ከለዋ፣ እቲ ሓደ ናይታ መበለት ገዛ ዓንዲ ብተኣምራት ዘለምለመሉን ንገዝኣ ዝባረኸሉ መዓልቲ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ልዳ ንስሙ ዝተሓንፀት ቤተክርስትያን ቅዳሴ ቤቱን ናይ ልዳ ቤተክርስትያን ኣብ ርእሲ እቲ ከሓዲ ንጉሥ ድዮቅሊጥያኖስ ዓብይ ኃይላ ዝገለጸትሉ መዓልቲ እዩ። ናይቲ ኣረማዊ መኰነን ዲድያኖስ ወተሃደራት ንሊቀ ሰማዕታት ጊዮርጊስ ብጥሜት ምእንቲ ክመውት፡ ዝለሓስ ዝጠዓም ኣብ ዘይብላ ድኻ መበለት ሰበይቲ ገዛ ኣእትዮም ምስቲ ገዛ ዓንዲ ናይ ሓፂን ሰንሰለት ኣትሪሮም ኣሲሮሞ ከይዶም፡እዛ ድኻ መበለት ዘመን ዘይጠዓማ ኣዋርኅ ዝገደድዋ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ እኽሊ ዘይነበራ ሰበይቲ መበለት ነይራ። ናይዛ መበለት ሰበይቲ ዝኸፍአ ሽግራ ግና ካብ ዝውለድ 17 ዓመት ዝገበረ ወዳ ነይርዋ። እዚ ወዳ ኣፉ ዘይዛረብ፡ እዝኑ ዘይሰምዕ፡ ዓይኑ ዝዓወረ፡ ኢደ እግሩ ቘራይ እዩ ዝነበረ፣ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብዛ ድኻ መበለት ገዛ ከሎ ዝብላዕ ነገር'ዶ የብልክን በላ፡ እታ መበለት ኣብ ገዛይ እኽሊ ካብ ዝሰኣን ብዙኅ መዓልቲ ገይሩ ኣሎ በለቶ። ነብይ ኤልያስ ብናይ ሠለስተ ዓመት ናይ ጥሜት ዘመን ነታ ሰራጵታ (መበለት) ገዛ ባሪኹ ነቲ ዝነበራ ቁሩብ ሓርጭን ዘይትን ከምዘበርከተ ይነግረና (1ይ ነገ. 17፡9)፣ ቅዱስ ጊዮርጊስ'ውን ናይታ ድኻ መበለት ገዛ ባረኻ ኬድኪ ነቲ መሶብኪ ረኣይዮ በላ፡ ከይዳ ነቲ መሶብ ምስ ከፈተቶ ውዑይ እንጌራ መሊኡ ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ መሊሱ መቀመጢኪ እኽሊ ረኣይዮ በላ ዅሉ ብእኽሊ መሊኡ ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተኣስረላ ዓንዲ'ውን ብተኣምራቱ ለምሊሙ ገፋሕቲ ቈጽሊ ኣውፂኡ ይርአ ነበረ። እቲ ዘይርኢ ዘይዛረብ ኢዱን እግሩን ቘራይ ዝነበረ ወዲ ድኻ መበለት ብናይ ሰማዕት ጊዮርጊስ ጸሎት ካብ ኵሉ ሕማሙ ተፈዊሱ፡ ዝርኢ። ዝሰምዕ፡ ዝዛረብ፡ ዝኸይድን ዝድህሰስን ኮነ። ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት እታ ድካ መበለት ምስ ረኣየቶ "አምላኮሙ ለክርስትያን ተመሲሎ ሰብአ መጽአ ሃቤየ……ናይ ክርስትያን ኣምላኽ ሰብ ተመሲሉ ናብ ገዛይ መጺኡ" ኢላ ክትዛረብ ከላ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ "አንሰ ኢኮንኩ አምላኮሙ ለክርስትያን አላ ገብረ ኣምላክ……ኣነስ ናይ ክርስትያን ኣምላኽ ኣይኮንኩን፡ ባርያ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እየ" በላ።

"ትቤሎ ብእሲት (መበለት) ለብፁዕ ወለቅዱስ ጊዮርጊስ ሠናየ ገድል ተጋደልከ እምእደ ቤትየ ዘአቍጸልከ…… እታ ድኻ መበለት ንብፁዕን ቅዱስን ንዝኾነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ገዛይ ዓንዲ ብተኣምራትካ ዘለምለምካ' ኢላ ኣመስጊናቶ እያ። ነዚ ቃል'ውን ዓብይ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝማሬኡ ብሰፍፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ።

ካልኣይ ኅዳር 7 መዓልቲ ዝኽበር ናይ ሊቀ ሰማዕታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ልዳ፡ በቲ ግዜ'ቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን እግዚአብሔር ዝተፈላለዩ ተኣምራት ይገብረላ ነይሩ፡ ናይዛ ቤተክርስትያን ክብርን ዝናን ከሓዲ ንጉሥ ዲዮቅሊጥያኖስ ስለዝሰምዐ ኣውህዮስ ንዝተባህለ ከሓዲ መኰነን ምስ ብዙኃት ሠራዊት ልኢኹ ነዛ ቤተ ክርስትያን ኣፍርስዋ በሎም። ኣውህዮስ ዝተባህለ መኰነን ኣብታ ልዳ ዘላ ቤተ ክርስትያን ውሽጢ ኣትዩ፡ ኣብ ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሥዕለ ኣድኅኖ ዘለዎ ዝላገጽ ኣብ ዝነበረሉ ነቲ ጥቃ ሥዕሊ ዝነበረ መቅረዝ ብዂናት ምስ ሰበሮ፡ እቲ ናይ መቅረዝ ስባር ኣብቲ ከሓዲ መኰነን ኣውህዮስ ርእሲ ተፈናጢሩ ሃረሞ'ሞ ከቢድ ስንባደ መጺዎ ርእሱ ሓሚሙ ወደቐ፡ እቶም ሠራዊት ድማ ተሰኪሞሞ እናኸዱ ከለው ብሕምቅ ኣማውታ ሞተ'ሞ እቲ በድኒ ስለዝጨነወ እቶም ሠራዊት ኣብ ዓቢ ባሕሪ ደርብዮሞ ከዱ።

ዲዮቅሊጥያኖስ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ሓሪቁ፡ ኣብ ልዳ ትርከብ ብስም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተሠርሐት ቤተ ክርስትያን ባዕሉ ከይዱ ከፍርሳ ሓሰበ እሞ ከደ፣ እግዚኣብሔር ግና ከምቲ ኣቐዲሙ ነቲ ከሓዲ ንጉሥ ዲዮቅሊጥያኖስ ክዕገሶ ኣይደለየን፡ መቅረዝ ናይቲ ቤተክርስትያን ክሰብር ክብል ክልተ ኣዒንቱ ኣዐዊርዎ ትርጓሜ ጸሎት ሃይማኖት 'ብዂናት ገይሩ የማናይ ዓይኑ ቅዱስ ሚካኤል ጸጋማይ ዓይኑ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣዐዊርዎ' ይብል። ኣብ መንግሥቱ ድማ ንሰባት ኣለዓዓለ ካብ ናይ ሮም ንግሥነት ደርበዮ ኣብ ክንድኡ መፍቀሬ ሃይማኖት ንጉሥ ቈስጠንጢንዮስ ነገሠ፡ ነቲ ናይ ዲዮቅሊጥያኖስ ናይ ክሕደት ኣዋጅ ደምሲሱ 'ይትረሀዋ አብያተ ክርስትያት ወይትዓጸዋ አብያተ ጣዖታት' በዚ ሎሚ ዕለት ቅዳሴ ቤቱ ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ ጸሎቱን በረኸቱን ረድኤቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ይንበር ኣሜን።

 ኅዳር ፯ (7) መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ምስ ንርኢ፣

* ሊቀ ሰማዕታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተሰመየ ነጋዳይ ዝዓረፈሉ ዕለት እዩ።

* ኣባ ናህርው ብሰማዕትነት ዝዓረፈሉ

* ካብ ሃገር ገምኑዲ ኤጲስቆጶስ ኣባ ሚናስ ዝክሪ ዕረፍቱ እዩ

* ናይ ሃገረ ልዳ ሊቀ ሰማዕት ዝኮነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስትያን ዝኸበረትሉ ዕለት እዩ

* ቅዱስ ዘኖቡስን ኣዲኡ ቅድስት ዘኖብያ ብሰማዕትነት ዝዓረፉሉ እዩ

* ቅዱሳን ሓዲስ መርቆሬዎስን ኃዉ ቅዱስ ዮሓንስን ብሰማዕትነት ዝዓረፉሉ ዕለት እዩ፣ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን።

-- ወርኃዊ ክብረ በዓል ናይ፣

* ቅድስት ሥላሴ እዩ ምሕረቶም ምስ ዅልና ደቆም ይኹን፡

* ከምኡ ድማ ናይ ኣባ ዲዮስቆሮስን ኣባ ኣትናቴዎስን ጸሎቶምን በረከቶምን ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ይንበር ኣሜን። ንሎሚ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ሊቀ ሰማዕታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ክንርኢ ኢና ምሥጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና ኣሜን።

ኣዳላዊ ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም

5 ኅዳር 2012 ዓመተ ምሕረት

14 ኅዳር 2019 ፈረንጂ

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡

ወለወላዲቱ ማርያም፡

ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን።

Comments are closed.