ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

3ተ ጳጕሜን፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ካብ ሓውን ንፋስን ብምዃኑ ንተልእኾ ቅልጡፋት ዘይደኽሙ ተፈጥሮኦም'ውን ዘይኣርግ ረቂቃን ፍጥረት እዮም። ቅዱሳን መላእክት፡ ከም ብዝኆም ዓይነት ኣገልግሎቶም ብዙኅ እዩ።

 * ንእግዚአብሔር ምምስጋን (ኢሳ. 4 ራእ. 5፡12)፣

* ምእንቲ ሰባት ምልማን (ማቴ. 18፡10)፣

* ንዘኽብርዎምን ዝፈርህዎምን ካብ መከራ ምንጋፍ (መዝ. 34፡7)፣

* ንዝደኸሙ ምብርታዕን ምርዳእን (ዘፍ. 16፡7) . . . ወዘይመስሎ እዩ። ብዝኆም ብቝጽሪ ዘይውሰን አእላፈ አእላፋት (ናይ ብዙኅ ብዙኅ) ቍጽሮም ብዘይካ ፈጣሪኦም ካልእ ኣይፈልጦን እዩ። ነገደ መላእኽቲ ግና 99 ምዃኖም ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና እዩ [ማቴ. 1812]። ነዞም ነገዳት ከኣ ሸውዓተ (7) ሊቃነ መላእኽት ኣለዎም [ራእ. 8፡2]።

ቅዱስ ሩፋኤል ድማ ሓደ ካባታቶም ኮይኑ ኣብ መበል ሣልሳይ ደረጃ ዝሥራዕ መልኣኽ እዩ። ሩፋኤል ትርጓሜ ስሙ ለዋህ ኄር ንልቢ ዘሐጕስ፡ ፈውሰ አምላክ፡ ዘስዩም ዲበ ፈውስ፡ ንኃጥኣን ክሳብ ዚንስሑ ዝረድኦም ማለት እዩ። ቅዱስ ሩፋኤል ሕሙማን ብምፍዋስ፡ ኣጋንንቲ ብምግሣጽ፡ ዓይኒ ዕውራን ብምብራህ፡ ሕማም ሕርሲ ንከይብርትዐን ንኣዴታት ዝራዳእ ቅዱስ መልኣኽ እዩ።

* ነብይ ሄኖክ'ውን ኣብ መጽሓፉ ከምዝጸሓፎ 'ሩፋኤል ኣብ መንፈስ ሰባት ዝተሾመ ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ እዩ!' ኢሉ ጽሒፍዎ ኣሎ [ሄኖ. 6፡3]።

* ከምኡ ድማ ኣብ ገነት ዝተሾመን ጸሎት ቅዱሳን ናብ እግዚአብሔር ካብ ዘብጽሑ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ እዩ። 'ኣነ ካብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዘዕርጉን ኣብ ቅድሚ ግርማ እግዚአብሔር ካብ ዝቘሙ ሸውዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ ሩፋኤል መልኣኽ እየ!' በሎም [ድርሳነ ቅዱስ ሩፋኤል፡ መጽ. ጦቢ. 12፡15]።

ኣብ 10ተው ነገዳት መላእኽቲ ካብ ዝተሾመ መልኣኽ ድማ እዩ። ቅዱስ ሩፋኤል ፈዋሲ ብምዃኑ 'ዓቃቤ ስራይ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ሰማያውያን መዛግብቲ ኣብ ኢዱ ዝሕልው ምዃኑ ስለዝእመን "ዐቃቤ ኆኅቱ ለአምላክ" ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። በታ መዓልቲ ድኅነትን ሓጐስን ነቶም ዝተዓወቱን ዝሰዓሩን ካብታ ዕፀ ሕይወት ክበልዑ ክህቦም ዝተኣዘዘ ቅዱስ ሩፋኤል መልኣክ እዩ። እዚ ክቡር መልኣኽ ኣዴታትና ክሓርሳ፡ ሕርሲ ከይብርትዐንን ከይጽንክረንን ዝራዳእ መልኣኽ ስለዝኾነ 'ፈታሔ ማኅፀን' ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። በዚ መሠረት ኣዴታትና ካብታ ድቂ ምሓዘን ካብ ዝፈለጣሉ ጊዜ ድርሳኑን መልክዑን ብምድጋም፡ ጸበሉ ምብስታይን ብምልካይን ኣማላድነቱ ይምኅጸና ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰላም ይገላገላ።

3ተ ጳጕሜን ቅድስት ቤተ ክርስትያን ብዝደመቐ ኣገባብ ተኽብሮን ተብዕሎን እያ፡ እዚ ድማ ቅዱስ ሩፋኤል ድንቂ ዝኾነ ተኣምር ዝፈጸመሉ ዕለት እዩ። ገለ ካብቲ ፍጻሜ ንምግላጽ ዝኣክል፡

ሀ. ኣብ እስክንድርያ ኣብ ወሰናስን ማእከላይ ባሕሪ [መድተርያን ባሕሪ] ኣብ እትርከብ ሓንቲ ደሴት ብስሙ ዝተሓንፀት ቤተ ክርስትያን ቅዳሴ ቤቱ ዝኽበረሉ ዕለት እዩ። እቲ ዘመን ከኣ ኣባ ቴዎፍሎስ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ እስክንድርያ ዝተሾመሉ ዘመን እዩ ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ዓሳ ነባሪ ( ኣንበሪ ዓሳ) እናደፍአ ኣናወጻ እታ ቤተ ክርስትያን'ውን ኣብ ልዕሊዑ ተሓኒፃ ስለዝነበረት ክትፈርስ ክሳዕ እትደሊ እቲ ዓሳ ነባሪ ኣናወጻ፡ እቶም ኣብቲ ክብረ በዓል ከብዕሉ ዝመጹ ድማ ክጥሕሉ ደለዩ ሽዑ እቶም ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ናብ ቅዱስ ሩፋኤል ኣእወዩ ብኡ ንብኡ ድማ ጸሎቶም ሰሚዑ ብቅልጡፍ መጺኡ"ወረገዞ ገቦሁ በረምሑ ለውእቱ አንበሪ' ሩፋኤል 'ብዅናት ነቲ ዓሳ ነባሪ ወጊኡ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ዘለካዮ ከይትንቀሳቀስ ደው በል!' ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ኣንበሪ ድማ ከምኡ ገበረ፡ በዚ ግብሩ ከኣ መገስጽ አንበሪ፡ ድሪክ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ ከባቢ ዝነበሩ ምእመናን ኵሎም ብሰላም ድኂኖም ነዚ ተኣምር ብግልጺ ከምዝረኣዩን ኣብዚ ቤተ ክርስትያን ድማ ሕሙማን ክፍወሱ ዕውራን ክርእዩ ካልኦት ብዙኅ ተኣምራት ክግበር ርእዮም እዮም። ብሰፊሑ መጽሓፍ ስንክሳር ይገልጾ እዩ።

ለ. ዕለተ ሢመቱ

 በዚ ዕለት ዝተሾመሉን ቃል ኪዳን ዝተቐበለሉን ዕለት በዚ ዕለት እዩ።

  ተኣምራት ዝፈጸሞ

 ካብቲ ብዙኅ ዝፈጸሞ ካልኣይ ታሪኽ ምስ ንርኢ 'ካብ ነገደ ንፍታሌም ጦቢት ንዝተባህለ ጻድቕ ዓይኑ ዓዊሩ እንከሎ ዝፈወሶ መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል እዩ። እቲ ታሪኽ እኳ ብሰፊሑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተሎ ብሓጺሩ ግና ከምዚ እዩ። ኣብ ዘመን ስልምናሶር ኣብ ፋርስ ነነዌ ነጊሡሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ጦቢት ምስ ሕዝቡ ተማሪኹ ናብ ነነዌ ከይዱ ነበረ። ጦቢት ኣብ ሃገሩ ከሎ ኣስራት በኵራት ቀዳምያት ምሃብ ዘዘውትር ከምቲ ሕጊ ኦሪት ዝእዝዞ ዝፍጽም ናብ ኢየሩሳሌም ደይቡ ምስላም ዝፈቱ ጻድቕ ሰብ ነበረ። ኣብ ስደት'ውን ሓዳር መሥሪቱ ብዙኅ ሃብትን ንብረትን ኣኻዕቢቱ ሓደ ውላድ ጦቢያ ዝበሃል ብሩኽ ቘልዓ ወሊዱ ነበረ። ጦቢት ምጽዋት ምሃብ ዝፈቱን ንዝተጸገሙ ዝሕግዝን ካብቲ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ዝዓረፉ ሰባት ይቐብርን ሓመድ ኣዳም የልብሶምን ነበረ። ብከምዚ ሠናይ ተግባሩ ብሠናይ ተጋድሎ እናተጋደለ ግና እርጋን ኣርከቦ ኣዒንቱ ድማ ዓወረ ሽዑ ንጦቢያ ክምርዓውን ንእኡ እትኸውን ጓል ከምጽእን ብሕድሪ ድማ ንሓደ ራጉኤል ዝስሙ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ሂብዎ ስለዝነበረ ንእኡ ከምጽእ ደለየ፡ እንተኾነ ንሱ ኣሪጉ ኣዒንቱ ዓዊሩ ስለዝነበረ ንወዱ ክልእኾ ሓሰበ ግና ስለዘይፈልጦ ዘሰንዮ ሰብ ከምጽኣሉ ናብ ደገ ለኣኾ፡ ኣብ መንገዲ ወጽዩ ሰብ እናደለየ ከሎ ቅዱስ ሩፋኤል (ኣዛርያ) ከም ጐበዝ መንእሰይ ኮይኑ ኣብ ቅድሚኡ ጸንሖ እሞ ናበይ ከምዝኸይድ ምስ ሓተቶ ናብቲ ንሱ ዝሓሰቦ ከምዝኸይድ ነገሮ'ሞ ናብ ኣቡኡ ወሲዱ ብሓደራ ናብኡ ከብጽሖ ኣዚዙ ስንቂ ኣስንቂ ኣፋነዎም። ኣብ መንገዲ እናኸዱ ከለው ኣብ ምምሳዩ ጊዜ ጢግሮስ ኣብ ዝበሃል ዓቢይ ሩባ በጽሑ ዕብይ ዝበለ ዓሳ ኣብቲ ሩባ ተጓነፎ፡ ቅዱስ ሩፋኤል ኸኣ ንጦብያ ነቲ ዓሳ ቀቲሉ ነቲ ጉበትን ልብን ሓሞትን ቈሪጹ ክኃዞ ኣዘዞ ከምኡ ድማ ገበሩ። ንጽባሒቱ ነቲ ዝኃዞ ኣካላት ዓሳ እንታይ ከምዝገብሮ ነገሮ ንሱ ከኣ ኣብ ዝኸድዎ ቤት ሳራ እትበሃል ጓል ራጉኤል ከምዘላ'ሞ ርኹሳት መናፍስቲ ኃዲሮማ ክትምርዓው ከላ ነንዝተመርዓወቶም ሰብኡት እናቀተለ ብስቅያት ትነብር ከምዘላ ስለዚ ነዚ ሕዝካዮ ምስ ከድካ ንሳራ ምስ ሃብካ በታ ለይቲ ነዚ ጕበትን ልብን ምስ ተትክኾ እቲ ጋኔን ክጠፍእ እዩ ንስኻ ኸኣ ትምርዓዋ በሎ፡።

ኣብ ገዛ እንዳ ራጉኤል ምስ ኣተው መንነቶ ነጊሮሞ ተሓጐሱ፡ ኣስዕብ ኣቢሎም ንጓሉ ንሳራ ክህቦም ለመንዎ ንሱ ግና ጸገም ከምዘለዋ ነገሮም ንሶም ግና ኣበርቲዒም ምስ ለመንዎ ሕራይ ኢሉ ሃቦም፡ ሽዑ በታ ለይቲ ናብቲ ክፍሊ ምስ ኣተው ራጉኤል ፈሪሑ ሕጂ ከኣ ጦቢያ ከምቶም ዝሓለፉ ሸውዓተ ሰብኡት ክመውት እዩ ኢሉ ሓሰበ፡ ንሶም ግና ምስ ኣተው 'በሊ ሓፍተይ ሓዳርና ክባርኸልና ጸሎት ናብ እግዚአብሔር ንጸሊ!' በላ ነዊሕ ጸሎት ጸለዩ ደሓር ጦቢት ከምቲ መልኣኽ ሩፋኤል ዝበሎ ነቲ ጉበትን ልብን ምስ ዕጣን ገይሩ ኣትከኾ ቅዱስ ሩፋኤል ድማ ባረኾም ኣብ ሳራ ሓዲሩ ዝነበረ ኣስማንድዮስ ዝተባህለ ጋኔን በኒኑ ጠፍአ። ንግሆ ራጉኤል እዚ ወዲ ሞይቱ እዩ ዝኸውን ኢሉ መቓብር ኲዒቱ ናብቶም መርዓውቲ መጸ፡ 'ከመይ ሓዲርኩም፧' ምስ በሎም 'እግዚአብሔር ይመስገን፡ ደሓን ኣሎና!' ምስ በልዎ ተሓጕሱ ንልዑል እግዚአብሔር ደጊሙ ደጋጊሙ ኣመስገነ። ነቲ ዝኾዓቶ መቓብር ደፈኖ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምምላስ ጕዕዞ መልሲ ኮነ ምንዋሕ መዓልቲ ድማ ንሥድራ ጦቢያ ኣዝዩ ኣሻቂልዎም ነበረ። መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ገንዘብ ኣቡኡ ከምጽእ ንዝኸደ ገንዘቡን መርዓቱን ሒዙ ንጦቢያ ኣሰንዩ ናብ ጦቢት ተመልሰ። ደሃይ ወዱ ምስ ሰምዐ ጦቢት ኣዝዩ ተሓጐሰ ክቅበሎ ወጸ ጦቢያ ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሓሞት ዓሳ ዓይኑ ምስ ለከዮ ዓይኑ በርሀ ዕጽፍን ድርብን ሓጐስ ኮነሎም። ብድሕሪዚ ኵሉ ተኣምራት ዝገበረ መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ካብቶም ሸውዓተ ሊቃነ መላእኽት ሓደ ምዃኑ ነጊሩ ብሕጂ'ውን ከምዘይፍለዮም ገሊጹ ተሰወሮም። ንሶም'ውን ክሳዕ ዕለተ ሞቶም ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ምጽዋት እናሃቡ ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ኣማላድነት እናዘከሩ እናተማኅፀንዎ ክነብሩ ጀመሩ።

  ኣብዚ ወርኃ ጳጕሜን 'ርኅወ ሰማይ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ተዘክሮተ ምጽኣት ዝዝከረሉ 'ሰማያት ዝኽፈተሉ!' ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ ዕለት መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጽለዩ ጸሎታት ከም መሥዋዕተ ሰርክ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከዕርግ ቃል ኪዳን ዝተቐበለሉ ዕለት እዩ። ብኸምዚ ከኣ አበው ይኹኑ ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስትያም ንጸሎት ተጊሆም ይርከቡ ኣብ ዕለት ንዝዘንም ዝናማት ከም ጸበል ስለዝውሰድ ዳርጋ በዚ ማይ ዘይሕጸብ ዘይጠልቅ የለን፡ እቲ ዝዘንም ዝናማት ንሰብ ይኹን ንእንስሳ ንዘራእቲ ጽቡቕ ጥዕና ዝህብ እዩ ተባሂሉ ይንገር። ኣብዚ ከም ንፈልጦ ኣቦና ኢዮብ ንቍስሊን ብሙግልን ብዘሕክክ ሕማም ክሳቐ ድኅሪ ምጽናሕ ኣብዘን ጊዜ ጳጕሜን (ጳጕሜ) ተሓጺቡ ከምዝሓወየ ሊቃውንት ይምህሩና፡ ብከምዚ ድማ ኣብ ጳጕሜን (ጳጕሜ) ክንሕጸብ ከምቲ ንኢዮብ ዝመሓርካዮ መሓረና እናበልና ንሕጸብ ኣመጻጽእኡ ከምዚ እዩ።

 ቅዱስ ሩፋኤል መዓልቲ ኣዴታትና ገዓት ግዒተን ጸበል ናይ ቅዱስ ሪፋኤል የጥዕማ እዚ ኣመጻጽእኡ ኣብቲ መርዓ እንዳ ጦቢያ ተረኺቡ መርዕኦም ከምዝባረኾ፡ መርዓት ዝመረጸሉን ኣብቲ መርዓ ስለዝተሓጋገዘን ከም ዓርኪ ርእሲ ኮይኑ ኣብ ሕፅኖቱ ስለዝቐነየን ነዚ መዘከርታ ተባሂሉ ገዓት ይብላዕ ኣብ ባህልናን ሃገርናን ማለት እዩ። ከምቲ ኣብ ኦሪት ዝሞተ ሰብ ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ እኽለ ማይ ዘይጠዓም ጦቢት ድማ ብትግሃት ይፍጽሞ ከምዝነበረ ኣብ ባህልና ድማ እዚ ልምዲ ሰሪጹ ይርከብ ኣሎ፡ ብብዝኂ ባህልና ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሳንዩ ዝኸይድ ምዃኑ ክነስተውዕልን ነዚ ቅዱስ ባህልና ክንዕቅቦን ንውሉድ ወለዶ ክንምህረሉ ቤተ ክርስትያን ሓደራ ትብል ኣላ። ስለዚ እዚ ቅዱስ መልኣኽ ክራድኣና ክባርከኸና ዘውትር ንጸውዓዮ፡ ናይ ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣኃትና ድማ ካብታ ጽንሲ ዝተታሕዘት ዕለት ነዚ ቅዱስ መልኣኽ ረድኤቱ ኣማላድነቱ ስሙ እናጸዋዕክን ክትነብራ እሞ ከምተን ኣዴታትና ካብ ጻዕሪ ከምዘገላግለክን ክትኣምና ቤተ ክርስትያን ተዘካክረክን ኣላ።

ብዕለቱ ከምቲ ናይ ኣዴታትክን ሕልፊ ድማ ኣብ ስደት ዘለኽን ብ3ተ ጳጕሜን (ጳጕሜ) ገዓት ግዒትክን ክተኽብርኦ ክትዝክርእኦ ንደቅኽን ክትምህራ ክተፍልጣ ዅሉ ሠናይ ዝኾነ ባህልናን ልምድናን ቛንቛናን ክትምህርኦም ኣብ ደቅኽን ደቅኩም ኃላፍነት ኣለኩም፡ እዚ ድማ ሓደ ኣብነት ዝኾነክን ታሪኽ ሕዝቢ እስራኤል እዩ። እስራኤላውያን ንልዕሊ 1700 ዓመት ዝኣክል ኣብ ዓዲ ጓና ስደት እናነበሩ ከለው ባህሎምን ልምዶምን ቛንቕኦምን ከየጥፍኡ ድሕሪ ምጽናሕ ነታ ብ1948 ዝተመሥረተት ሃገር ወለዶ ዓቢ ነገር ወለዶም ገዲፎሙሎም ስለዝጸንሑ በዚ ባህሎም ይነብሩ ኣለው፡ ስለዚ ንስኽን ድማ ከምዚኤን ዄይንክን ክትርከባ ሓደራ ትብል ኣላ ቤተ ክርስትያን ጸሎቱን በረኸቱን ኣይፈለየና ኣሜን።

"ሰላም ለሩፋኤል መሥተፍስኀ አልባብ ዘየብህለ፡

እስመ ይፈውስ ሕማመ ወያጥዒ ቍስለ፡

እንዘ ይብል አስምዖ ለጦቢት ቃለ፡

ጽድቀ እለ ይገብሩ ይዴግኑ ሣህለ፡

ወእለ ይኤብሱ በነፍሶሙ ያምጽኡ ኀጕለ።'

ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤርትራ ኣሥመራ ቤት መኻእ ታቦቱ ተቀሪጹ፡ በዚ ዕለት ብብዝኂ ሰብ ይነግዶን የብዕሎን እዩ ከምኡ ድማ ኣብ ሰላዕ-ዳዕሮ ናይ ቅዱስ ሩፋኤልን ካህን መልኬጼዴቅን ይርከብ፡ ኣብዚ'ውን ብብዝኂ ሰብ ይነግዶን የኽብሮን እዩ ፥ ፍሉይ ዝኾነ ማየ ጸሎት ድማ ኣለዎ። ብሕልፊ ውላድ ዝሰኣኑ ማኅፀን ዝኸፍት ከምኡ ድማ ብሩኽን ቕዱስን ውላድ በዓል ምሉእ ጥዕና ውላድ ንምውላድ ዝሕግዙ እዮም እሞ፣ እቶም ዝኸኣልና ኬድና ክንፍወስ እቶም ዘይኸኣልና ድማ ነቶም ዝኸዱ ጸበሉን ማየ ጸሎቱን ኣምጺእና ክንሕጸብ፡ ብስሙ ክንምኅፀን ነዘካክር ኣሎና። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ምስ ዅልና ኣመንቱ ደቁን ይኹነልና፡ ዝጐደለ ዝነጠበ አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብኣፈ መልእኽቱ ይኣርመልና ንሃገርና ሰላምን ሓድነትን ፍቕርን ኣካኽቦን ይሃበና፡ እዚ ሓድሽ ዓመት ናይ ሰላም ናይ ፍቕርን ናይ ምትእክካብ ክገብረልና ቅዱስ ሩፋኤል ብኣማላድነቱ ኣይፈለየና ኣሜን።

እንቋዕ ናብዚ መበል መፈጸምታ ናይዚ ዓመት ወርኃ ጳጕሜን ብሰላም ብፍቕሪ ኣብጽሓና፡ ከምኡ ድማ ናብዚ ክቡር ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሩፋኤል ብሰላም ኣብጽሓኩም ኣብጽሓና ኣሜን።

ጳጉሜን ሠለስተ መጽሓፍ ስንክሳርና ካብ ዝዝክሮም

ሀ. ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ቅዳሴ ቤቱ

ለ. ናይ ቍስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት ዝነበረ ቅዱስ ኣባ ዮሓንስ ንንጉሥ ኣሮኔዎስ ዝተዛረበሉ ዕለት እዩ።

ሐ. ቅዱስ ካህን መልከጼዴቅ ዝተሰወረሉ

መ. ከምኡ ድማ ቅዱስ ሰራጵዮን ዘዕረፈሉ ዕለት እዩ፡ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን።

ስብሐት ለአኀዜ ኵሉ ዓለም፡ ስብሐት ለወልድ ለገባሬ ኵሉ ፍጥረት፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ለዘያርሁ ክረምት በበዓመት፣ አሜን ወአሜን።!

በረኸት ኣማላድነት ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ምስ ኵልና ይኹን ንጸድቀሉ ኣእምሮ ይፍጠረልና፡ ኣሜን!

ኣዳላዊ- ዲያቆን ዳኒኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ!

ሮቡዕ ፳፱ ነሓሰ ፳፻፲፩ ዓመተ ምሕረት [4 መስከረም 2019 ፈረንጂ]

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Comments are closed.