ሆሣዕና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

ምስባክ

እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ

በእንተ ጸላኢ።

ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ

ነቲ ጸላእን ገፋዒን ስቕ ከተብሎ

ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ።

                        መዝ.  8-2::

ወንጌል ዮሓ፣5፣11-31።      ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ         እብ.9፣11-ፍጻሜ       1ጴጥ.4፣1-12

           ቅዳሴ. ዘጎርጎርዮስ

 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ዝተመስገነላ ዑደተ ሆሳዕናኡ ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብ ዋዜምኡ ጀሚሩ “ሆሳዕና በአርያም” ብምባል ስም ሆሳዕና ደጋጊሙ እናጠቐሰ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብህጻናትን ኣዕሩግን እንተላይ ብኣእማን ከይተረፈ እናተመስገነን እናተወደሰን ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታዉ ንምዝካር ዝተወፈየት መዓልቲ እያ። ዝርዝር ናይቲ ታሪኽ ድማ ኣብ ኵሎም ወንጌላውያን ተመዝጊቡ ይርከብ። (ማቴ ፳፩፥፩-፲፯ ማር ፲፩፥፩-፲ ሉቃ ፲፱፥፳፱-፴፰ ዮሓ ፲፪፥፲፪-፲፭) እዞም ንባባት ድማ ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ ትንቢት ብዛዕባ’ዛ ዕለት ዝተነግረ’ውን ብጐይታ ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ እዩ። (ዘካ ፱፥፱ ካልኣይ ነገ ፱፥፲፫ መዝ ፻፲፯፥፳፭-፳፮ ኢሳ ፶፮፥፯ ኤር ፯፥፲፪ መዝ ፰፥፪) ኣብዚ ዕለት ዝግበር ጸሎትን ቅዳሴን ካብቲ ካልእ ፍሉይ ኣቀራርባን ንውሓት ዘለዎን እዩ። ጐይታ ኣብ ኣድግን ዒሉን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝኣተወ ንምርኣይ ድማ ብዝምስጥን ዝረአን ሥርዓት እዩ እቲ ቅዳሴ ዝጅምር። 

ኣብዚ ዕለት ሕጻናትን ኣዕሩግን ዝዘምርዎ መዝሙር ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ዝብል ነበረ። እዚ መዝሙር ዓሚቕ ምሥጢር ዝሓዘለ እዩ። ሆሳዕና ማለት መድኃኒት ወይውን ሕጂ ኣድኅን ከም ማለት እዩ። ነቢያት ብመነጽረ መንፈስ፡ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱን ፍጹም ሰብ ኮይኑን ኣብ ሞንጎ ሕዝቡ ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ተግባራት ገሊጾም እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ሥጋዌኡን ሰብ ኮይኑ ዝፍጽሞም ተግባራትን ኣስፊሑን ኣምሊኡን ዝገለጸሉ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዚ መንክር ዕለት ተነብዩላ ነይሩ። “ኦ እግዚኦ አድኅንሶ” (ኦ ጐይታ ኣድኅን ኮታ) (መዝ ፻፲፯(፰)፥፳፭) ክብል ነዛ ቃል ገሊጽዋ ነበረ። ብህጻናት’ውን ከምዝምስገን ኣቐዲሙ ተነብዩ ነበረ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ እዛ ዕለት ብዙኅ ትንቢት ተነብዩላ ነበረ። ኣርያም ማለት ከኣ መኅደር እግዚአብሔር ንዝኾነ ሰማይ ዘመልክት ኮይኑ ሆሳዕና በአርያም ክብል ከሎ ኣብ ሰማይ እትነብር እግዚአብሔር ሕጂ ኣድኅን ዝብል ትርጕም ዘለዎ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ሕዝቢ እናመስገኑ ጸሎት ዝሓዘለ መዝሙር ናብ ጐይታ የቕርቡ ነበሩ። ናይ ሥጋን ነፍስን ልማኖ ዝሓዘለ ድማ እዩ። ንጊዜኡ ካብ መግዛእቲ ሮማውያን ናጻ ከውጽኦም ልማናኦም ምቕራቦም ኮይኑ ፍጻሜኡ ግና ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ክገብሮም ንዘመናት ኣቦታቶም ንዝለመንዎ ልማኖ ሰሚዑ ኣብ መዓልቱ ነዚ ክፍጽም ዝመጸ ምዃኑ ዘዘካኽር እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ሠለስተ ዓመት ተዘዋዊሩ ኣብ እስራኤል ድኅሪ ምስትምሃሩን ሕገ ወንጌል ምሥርዑን ናብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ጥቓ ደብረዘይት ናብ ዝተደኰነት ቤት ፋጌ ንሓዋርያቱ ልኢኾዎም። ከምቲ ዝበሎም ድማ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ተኣሲራ ከምዝጸንሓቶምን ክፈትሕዋ ንዝረኣይዎምን ንዝሓተትዎምን ድማ ጐይታ ከምዝደልያ ከምዝነገርዎምን ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ትንቢት ክፍጸም ድማ እቲ ለዋህ ጐይታ ኣብ ኣድግን ዒሉኣን ተጻዒኑ ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወ። ክኣትው ከሎ ድማ ሓዋርያት ክዳውንቶም ጠይቂ ከምዝገበሩን ንሱ ድማ ከምዝተወጠሐን እቶም ሕዝቢ ድማ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ እናንጸፉ ካልኦት ድማ ኣእዋም ስየ እናሰልዑ ኣብ መገዲ ይንስንሱሉ ነበሩ። ኵሎም ድማ ብዓቢይ ክብሪ ብቕድሚትን ብድኅሪትን ተሰሊፎምን ዓው ኢሎም እናመስገኑ ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ይብሉ ነበሩ። ናብታ ቅድስቲ ከተማን ቤት ጸሎት እተሰመት ቤተ መቕደሱን ድማ ብምስጋና ኣተወ። እዚ በቲ ሕዝቢ ዝተወፈየ ድንቂ ምስጋናን ክብርን ግና ነቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍት ፈሪሳውያንን ባህ ኣየበሎምን። ተበሳጪዮም ድማ ክቃወምዎ ተራእዮም። ጐይታ ግና እዚ ዝፍጸም ዘሎ ትንቢተ መጽሓፍ ምዃኑ ነገሮም። “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን?” ድማ በሎም። ንሳቶም ግና ነቲ ዝፈልጥዎ ንባብ ኣይስተውዕልዎን ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን እንተዝፈልጥዎሲ ንጐይታ ክብሪ ኣይመሰቐልዎን ኢሉ ነይሩ። ጐይታ’ውን ሰባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዘይምስትውዓሎም ከምዝስሕቱን ዝወቐሰሉን ጊዜ’ውን ኣሎ። ኣይሁድ ጸሓፍት ከምኡ ገበሩ፤ ንሕና ከ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ነስተውዕለሎም ዶ? ሎሚ’ውን ጽሑፍን ቃልን እግዚአብሔር እንታይ ይብል ከምዘሎ ብዘይ ምስትውዓልና ንጥፍእ ዘሎና ክንደይ እሞ ክንበሃል? እቶም መጻሕፍቲ ንምርምር ኢና ዝብሉን ንርእሶም ፈላጣት ገይሮም ዝሰመይዋ ጸሓፍት ፈሪሳውያን፡ መዓንጣ ዘይቋጸሩን ልቢ ዘይገበሩን ሕጻናት ንኣምላኾም ከመስግኑ ከለዉ ንሳቶም ግና ነቢያት ዝተነበይሉ ሱባኤ ዝቖጸሩሉን ዝጽበይዎ ዝነበረ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከምቲ እተጻሕፈሉ እናኸደ ኣዕይንቶም ስለዝዓወረ ግና ክርእይዎ ኣይከኣሉን። ክምስግን ከሎ’ውን ኣዕይንቶም ደም መልአን ኣስናኖም’ውን ሓርቀሙ። ሎሚ’ውን ነስተውዕል። ቃለ እግዚአብሔርን መጻሕፍትን ስለዝፈለጥና ጥራይ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኮይንና ማለት ኣይኮነን። ነቲ እንፈልጦ ክንነብሮ ይግባእና። ነቲ ምስጋና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ ምስጋና ይግብኦ እዩ እሞ ነመስግኖ። ብዘሎና ፍልጠት ወይውን ካልእ ነገር ኣይንመካሕ። ዝምካሕ ብእግዚአብሔር ይመካሕ እዩ ዝብል ጽሑፍ። ትምክሕቲ ሥጋ ዑረተ ልቦና እዩ ዘኽትል። እግዚአብሔር ግና ነቶም ትሑታን ይፈቱ፤ ልዕል ድማ የብሎም። ነቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ ድማ ከስተውዕሉ ምእንቲ ድማ ዓይነ ልቦናኦም የብርሃሎም እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ንፈልጥ ንርእይ ኢና እናበሉ እዮም ብዙኃን ኣፎም ተለኲቱ ምስጋና ንእግዚአብሔር ምቕራብ ተሓሪሞም ዘለዉ። ኣይንተዓሾ ክንፍጠር ከሎና’ውን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ከሥመረና ዝኽእል ንእግዚአብሔር ምስጋና ምቕራብ እዩ። እግዚአብሔር ንምስጋና ዝተፈጥረ ሰብ እንተዘየመስገኖ ኣእማን ቢታንያ ከምዘመስግንዎ ኣርእዩ እዩ። ንኣምላኽና ኣመስጊንና ኽብርን ጸጋ ንረክብ ንሕና ኢና እምበር ኣብ ኽብሪ ጐይታ ንውስኾ ነገር የልቦን። ንሱ ብባህርዩ ክቡርን ምስጉንን እዩ። ሎሚ’ውን ብዙኅ ነገረ ትንቢት ኣብ ቅድሜና ይፍጸም ኣሎ፤ ሰሚዕናን ርኢናን ነስተውዕል እሞ መገድና ነስተካኽል። ካብ ጸጋም ናብ የማን ተመሊስና ንእግዚአብሔር ዘመስግን ስራሕ ንስራሕ። ከይተፈለጠና’ውን ኣብ መገዲ ስሕተት ዘሎናን ቤተ ክርስቲያንና ነጽርፍ ዘሎና ርእስና ንመርምር። 

ጐይታናን ኣምላኽናን ሰረቕቲ ንዝሰረቕዎምን ዝኣሰርዎምን ኣእዱግ ፈቲሖም ከምጽኡሉ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ኣዘዞም። ብኣጋንንትን ክፉእ ግብሮምን ዝተኣስሩ ደቂ ሰባት ኵሎም ክፍትሑ ጐይታ ንሓዋርያትን ድኅሪኦም ንዝተንሥኡ ካህናትን ሥልጣን ሂቡ ኣዚዝዎም እዩ። ንሳቶም ዝፈትሕዎ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን ድማ መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ካብ ጐይታ ተቐቢሎም እዮም። እሞ ኸ ደኣ ሎሚ “ሑሩ መሓሩ ውስተ ኵሉ ዓለም” ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ብዝግባእ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ኣሎ ዶ? ሎሚ ኸ ብነፍሲ ዝተኣስሩ እሞ ክፍትሑ ዝግብኦም ደቂ ኣዳም ነዛ ምድሪ ይመልእዋ የለዉን ድዮም? ሎሚ ጐይታ ደቁ ዳግም ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ይደሊ ኣሎ እሞ ልኡኻነ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ዕዮ ወንጌል ኣብ ቕድሜና ኣሎ። ሎሚ ኸ ደቂ ኣዳም ኣበይ ኣሎና? “ኣቤል” ኃውና ኸ? 

ኣብ ዝባነ ኪሩብ ኮይኑ ብቅዱሳን ኣእላፍ መላእኽቲ ንዘለዓለም እናተመስገነ ዝነብር ጐይታ ብትሕትና ኣብ ኣድጊ ክውጣሕ ፍቓዱ ኮነ። ሎሚ’ውን እቶም ካብ ማእሰርቶም ዝፍትሑ ንሱ ይደልዮምን ብጸጋ ድማ ምስኦም ይኸውንን ኣይፍለዮምን ከኣ እዩ። ፈጣሪ ዓለማት ዝተወጠሓላ እታ ኣድጊ ክንደይ ዕድለኛ እያ። ቅዱስ ዳዊት እግዚአብሔር ኣምላኹ ዝኸውን ሕዝቢ ብፁዕ እዩ ይብል እሞ ንሕና’ውን ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽንዓት ሃይማኖትናን ብሰናይ ግብርን ደቂ ሥላሴ ምዃንና ነመስክር። ብሓቂ መኅደር ኣምላኽ ንኹን። ነቲ ብጥምቀት ዝተቐደሰ ሰብነትና እግዚአብሔር ብዝጽየፎ ነገራት ኣይነራኽሶ። 

ጐይታ ሓቀኛ ሰላም ንደቂ ሰባት ክዕድል ዝመጸ ናይ ሰላም ኣምላኽ እዩ እሞ ብምሳሌ እቶም ቀዳሞት ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ። እቶም ሕዝቢ’ውን መድኃኒትነቱ እናመስከሩ ወዲ ዳዊት ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። በዚ ድማ ክርስቶስ ኣምላኽና ንሱ ንኣዳምን ደቁን ክብጆ ብሥጋ ከምቲ ዝተነግረሉ ትንቢት ካብ ወገን ዳዊት ምዃኑ ተመስከረ። ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ’ውን ነቢያት ንዝተነበይሉ ጐይታ፡ ንሱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ክርስቶስ ምዃኑ ነቶም ኣይሁድ ኣመሳኺሩን ኣርጊጹን ከረድእ እንድዩ ኣብቲ ቅዱስ ወንጌል “ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም” ክብል መጽሓፉ ዝጀመረን ወለዶ ዝጸብጸበን። እቶም ዕዉራት ይኾኑ ካልኦት “ወልደ ዳዊት” ኢሎም ክጽውዕዎን ክምኅጸንዎን ከለዉ ድማ ነዚ ምሥጢር ዘመሳኽር እዩ። 

ዕለተ ሆሳዕና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክብን ድምቕን ብዝበለ ኣገባብ እያ ትኽበር። ኣዝዩ ብዙኅ ትምህርትን ምሥጢርን ዘለዋ ዕለት ድማ እያ። ትንቢት ነቢያት ዝተፈጸመላ፥ ጐይታ ዝተመስገነላ፥ ቤቱ ድማ ካብ ጓሓላሉን ሰረቕትን ድማ ዘጽረየላ ዕለት እያ። ስለዚ ናብ በብሰበኻናን ቀረባናን ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ካብ ለይቲ ጀሚርና እንታይ ዓይነት “ዝንበብ” ዘይኮነስ “ዝረአ” ሕያው ሥርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከምዘላና ነስተውዕል። ኣቦታትና እንታይ ዓይነት ጸጋን ሃብትን ከምዝገደፉልና ንርኣይ። እቲ ቃለ እግዚአብሔር ብኸመይ መገዲ ከምዝገልጽዎን ጐሊሑ ከምዝረአ ከምዝገብርዎን ክንፈልጥ ጽን ንበል። እዚ ሰማያዊ ሃብቲ እዩ። ሎሚ ነዚ ቅዱስ ሥርዓት ክልውጡ ዘዕሽዉና ዘለዉ ልኡኻት መን ምዃኖም ንንቅሓሎም። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘስተውዕል ኣዕይንትን ኣእዛንን ልቦናና ከፊቱ ነዚ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያንን ከነስተውዕልን፤ ንንሕና’ውን ከምቲ ዝግባእ ንኣምላኽና እናመስገንና ክንነብር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለስቀሉ ክቡር።

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.