ሃይማኖታዊት’ዶ ወይስ ምህተፍተፊት

 

በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ

ሃይማኖታዊት’ዶ  ወይስ ምህተፍተፊት

ብዘዓባ እምነተይ ሕምቅ ዘተሰመዓኒ ብዙኃ ግዝያት ፈጺሙ ኣይዝከረንን። ብፍላይ ሕጂ  ተማሃሪት ናይ ድሕረ ምረቃ(MA) ኣብ ዘለኹሉ እዋን ብቀጻሊ  ሰለ ሃይማኖተይ ማእለያ ዝይብሎም ሕቶታት ይሕተትን ብሰባት ይፍረድን ። ሰባት ሰለምንታይ  ምህርቲ ጓል ኣንስተይቲ  ተባሂለ ብሃይማኖተይ ከም ዝግደስ  ንኽፈልጡ ይህንጠዩ። ኣብ እምነተይ ዘለኒ ተገዳስነት ልዑል ምዃኑ ምስ ዝዛረብ  ዋዋዋዋ ንስኺ በላሕ( ንፍዕቲ)  ኢኺ ዝብሉ ግብረ-መልሲ ቀጻል ይሰምዕ። እዚ ዓይነት ርኢቶታት ዝመጸኒ እቲ ዘመሃሮ ዘለኹ ዓዉደ ትምህርቲ ኣማኒ ሰብ ንኽተከዉን ሰለ ዘይደፋፍኣካ ብፍላይ ብዲግሪ ዘተመረቅዎ ትምህርቲ  ንኣምላኽ ከተምልኽ  ዝሕግዝ ምህሮ  ሰለ ዘይኮነ ኢሎም ሰለዝግምቱ'ዩ። እዚ ብሰለት ዘይተቃነዮ  ርኢቶታት  ክሳብ ሎሚ ርእሰ’ዩ ዝሕመኒ። ኣዝዮም ሙሁራትን  ቀለም ዝጸገቡ  መሳርሕተይ ፡ ደቂ ትምህርተይ  ሓንጎለይ ንኽሉ ነገር ብኹፉት መንፈስ እንትቅበል  ዝዓይነታ  ሰብ   ክኸወን ሰለ ዝጽበዩኒ ብዘዓባ እምነት ዝግድስ ኮይኑ ኣይስምዖምን ። እዚ  ድሑሩ ኣተሓሳስባ ምሓዞም ኣይነቅፎምን’የ  ሰለምንታይ ኣነ ዝዓብኽሉ ከባቢ ብእምነትን ጽንዓትን ዝተኸበ  ስፍራ ሰለ ዝኾነ።

ኣብ ማእከላይ ደረጃን ኮለጅን ዝሕለፍዎ ናይ ትምህርቲ ዓመታት  እቲ ዝተመሃርኩሉ ስፍራ ብነጻ ኣተሓሳስባ(ሊበራል) ዝተደኮነ’ዩ  ማለት  መብዛሕቶም ተማሃሮ ዘይኣመንቲ፡ ቡድሂስት ኮታስ ኣብ እምነቶም ተረርቲ ዘይኮኑ ምስ ዝኾኑ ሰባት’የ ናይ ትምህርቲ ዘመነይ ዝሕለፍክዎ ። ኣብዚ ንእምነትካ ዘይድግፍ ከባቢ ምንባረይ  ንጽንዓት እምነተይ  ዝተናኽፍ ኣጋጣምታት እናወገድኩ ሰለ እምነተይ ከይተዛረብኩ ሰቅታ መሪጸ ፡ ድኹሙ ርድኢት ኣብ እምነት(ሃይማኖት)  ንዘለዎም  ሰባት ከጋጥሙኒ ከለው   ሸለል እናበሉኩ ክጓዓዝ ተገዲደ። ካብ ዘጋጥሙኒ ተጻብኦታት ንምግላጽ ዝኣክል፡ሓደ ግዜ ፕሮፊሰርና ንኽኣምኖ ዝጸግም መግለጺ ከይተሰከፈ ተዛሪቡ። እዚ ኣጋጣሚ’ዩ እምበኣር  ንኽጽሕፍ ቅንዲ ዝደረኸኒ። ኣብ ክፍላና ብዘዓባ ግርንቢጥ ወይ ዘይግርንቢጥ ዝህተፍትፍ ጣባያት ናይ ኣእምሮ ነዉጺ ዘጋጠሞም ሓሙማት እናዘተና ከለና ሓደ ተማሃራይ ነቲ ፕሮፊሰር ንኣብነት ክህበና ተወከሶ። እቲ ፕሮፊሰር ከኣ ሃይማኖት በሎ ፡ ሃይማኖት እቲ ቀጻሊ ንዕዘቦ ናይ ምዕጅዉጃዉ ወይ ምትላል ባህሪ’ዩ  በሎ። ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢለ  በቲ እቲ መምህር  ዝበሎ መገለጺ  ተዓኒደ ተረፍኩ። እዚ ዓይነት ድኹም መግለጺ ዝሰማዕክሉ ኣጋጣሚ  ንፈለማይ ግዜ ኣይኮነን  ፡ እቲ ዝገርመኒ ቀንዲ ነገር  ናብ ደቂ ሰባት ዝመሓላለፍ ፍልጠት ወይ ሓበሬታ ብኸምዚ ቁኑዕ ዘይኮነ ኣገባብ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝመሓላለፍ ምዃኑ  ብጣዕሚ ይሕዚንኒ። እቲ መምህር ዝሃቦ ትምህርቲ ናቱ ርኢቶ  ዘይኮነስ  ርጉጽ መርትዖ  ዘለዎ ምዃኑ ኣፍ ልቡ መሊኡ ተዛሪቡ።

ነዚ መምህር ክምልሰሉዶ  እናበልኩ፡   ምስ ነብሰይ ክትዕ ጀመርኩ  ንድሕሪት ግልጽ ኢለ ንተማሃሮ እንተ-ጠመትኩ ግን ተማሃሮ በቲ ናይ መምህር ሰነ ሓሳብ  ከም ዝተሳማምዑ ንምርግጋጽ ርእሶም ብምንቅስቃስ ደገፎም ሰለ ዝሃቡ ከም ወትሩ በይነይ ምስቲ ዝሃቦ ትምህርቲ ከም ዝተጻረርኩ  ኣስተብሂለ  ስቅታ መርጽኩ። እቲ ዘተ ቀጸለ ካብ ፈለማዩ ዳሕረዋ’ዩ ዝበኣስ ኮነ። ክርስቲያን  ንሕብስትን ወይንን ( ቅዱስ ቁርባን )ብምዉሳድ ናይ ክርስቶስ ደምን ስጋን  ቀሚስና ክብሉ ንኽትኣምኖ ዘሸግር’ዩ  ካብ ዓቅሚ ወዲ ሰባ  ንላዕሊ ብርእስኻ ክትብጽሖ ዘይትኽእል ምስጢር ከም ዝኾነ  ዘተይሉ። እዚ  ዓይነት ዘተ  ንእምነትካ ዝፍትን ሕማም ርእሲ ኮነኒ ፡ ተቢዓ ብዘዓባ እምነተይ ከይዛረብ ፈራሕኩ። ድሕሪ ክላስ ምዝዛሙ  ብሕማም ርእሲ ርእሰይ ዘሮኒ  ፡ ንሃይማኖት ክርስትና  ክሳብ ክንድኡ ምቅላሎምን ሰለ እምነተይ ደዉ ዘይምባለይ ብጣዕሚ ኣጉሃየኒ። ናይ ብሓቂ ኣማኒት ተዋሓዶ ኦርቶዶክስ ደየ ኢለዉን ንነብሰይ ሓቲተያ? ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኽሒደዩ ደየⵗ እዛ ዕለት ሚዛን  እምነትይ ለኪዓ ዘፍፈለጠትኒ ፍልይቲ መዓልቲ’ያ።

ኣብዛ ዕለት ጥራይ ኣይኮንኩን በዛዓበ እምነትይ ክምስክር ኣፈይ ዝኸደንኩ ወይ ንኸይዛረብ ኣፈይ ዝኣገድኩ። ብዙኅ ግዜ ምስ መሓዙተይ ፡ምስ ደቂ ትምህርተይ ፡ ምሳርሕተይ ንሰለ ሰላም ከረክብን ምስ ብጾተይ ክሓብርን  ክብል  ብዘዓባ  እምነተይ ካብ  ምዝራብ  ረሒቀ'የ  ። ሰለምታይ ተባሂለ እንተ ተሓቲተ ፡እቲ ሓቂ  ሰለ እምነተይ ምዝራብ ሰለ ዘፍርሓኒ’ዩ።  ክርስቲያን  ንሰባት ከም ባህሪኦም  ኣይቅበሉን’ዮም ንሰባት ይፈረዱ ፡ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት’ይም  ዝብሉ ዘረባታት እኳ ይሰምዕ እንተ ነበርኩ ፡ ሎሚ ከኣ ክርስትና  ዕሽነት’ዩ ዝብል  ኣጸያሲ መግለጺ ኣብ ኣዝነይ ተደርጊሑ። ከም ናተይ እምነት ዝስዕብ ሰብ ወይ ብእምነቱ ዝተደናገረ  ካብ ኤርትራዊ ዜጋ ወጻኢ ክረክብ ኣይከኣልኩን።

ካብ ደቂ ተዋህዶ ዘይኮኑ ደቂ-ክፍለይ ነቲ ኣብ ክሳደይ ዘተሰቀለት ማዕተብ ምስ ረኣዩ  ደስ ተብል፡ ክትፍተወካ  ዝብል መግለጺ  እታ ኣዝያ  ንእምነተይ ዘቀረበት ህያብ ዝቅበላ ዘረባያ። እታ ዝማሃረላ ክፍሊ  ፍሉይ ዘገብራ  ድሑር  ኣተሓሳስባ ኣብ እምነት ሰለ ዘለዋ ጥራይ ኣይኮነትን  እንታይ ደኣ ንእምነተይ ሰለ ዝጸርፋዋ ዘነኣእሳዋን ኢዩ። እዚ’ዩ ድማ  እቲ ቀንዲ ንኽጽሕፍ ዝቀሰብኒ  ምኽንያት። ሰለ  እምነተይ ዘይምምሳከረይ ክድብስን ዋጋ ክኸፍልን ከምኡዉን ከምዚ ናተይ ዓይነት ዝጓንፎም ኣሓዋተይ ካብ ተሞኩረይ ከካፍል  ድሌት ኣለኒ ።

እዛ ካብ  እምነት ዝጥፈኣትን ብጭንቀት ዘትዋሕጠትን  ሃገር( ኣሜርካ)  በዚ ይኹን በቲ ኣደዳ ጎዶሎ እምነት  ክትከውን ተቃሊዓያ። ሰለ እምነተይ ዝተዋረድክዎ ኣዳራዕ ዝወረደኒ ከካፍለኩም ሰለ ዝሓሰብኩ ነዛ  ሓጻር ጽሕፍ “ሃይማኖታዊት’ዶ ወይስ መህተፍተፊት “ ክብላ ወሲነ። ከምኡውን  ካብዚ ዝተመከርክዎ ምህሮ ንስኻትኹም ትምህርቲ ክትቀሰሙ ተስፋ ይገብር።

ኵሉ ግዜ በይንኻ ከም ዘይኮንካ  ምፍላጥ ደስ ዘበል’ዩ ሰለምታይ በይንኻ ከም ዘየለኻ እንተ ፈሊጢካ ጉዕዞኻ ንኽትቅጽል ይሕይለካ። ነብያት፡ ቅዱሳን ሰማዕታት ከምኡውን ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም  ኣብዛ ምድሪ ከለው ጸዋተ መከራ ከም ዝተቀበሉ ዘክር  ። ኣብ ዓለም ዝበጽሓካ ኵሉ ገድሊ   ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዝምዝገብ ዘክር ፡ ድምር ውጽኢት ናይ ፈተናኻ  ድማ ካብ እግዚአብሔር ዓስቢ ከም ትረከብ ርጉጽ’ዩ። እዚ ዓለም ግዚያዊትን ሓላፊትን ምዃና ኣስተብህል። ፈተና ናይ እምነትካ ትረት ምዕቀኒ ምዃኑ ዘክር።

ደቂ ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ ፈተና ከም ዘለና ፡ ብዝኃ መንፈሳዊ ማሕለኻ ከም ዝበጽሓና ርድኡ ነገር ኮይኑ ነቲ ፈተና ምስ ሰገርና ግና ብዋጋ ዘይትመን ዓስቢ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንቅበል። ከምቲ  ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ”ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ። እንሆ፡ ኣጸቢቕኩም ምእንቲ ኽትፍተኑ፡ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ጸበባ ምእንቲ ኺረኽበኩምሲ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብየኩም እዩ። ክሳዕ ሞት እኳ እሙን ኩን፣ ኣነ እውን ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ” ራዕ2፡10። ኣብዛ ዓለም እናነበራካ  ክሳብ ሕይወትካ ትሕለፍ መከራ ክብጽሓካ ምሕሳብ  ከቢድ’ዩ። ግና ኣብታ ዘይትሓልፍ መንግስቲ ኣምላኽ ዓስብኻ ሰለ ትቀበል መከራ ጣቃሚ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ ክሳብ ንመስዋዕቲ  ንፍተነሉ እዋን ሰለ ዘይኮነ መከረና ቀሊል’ዩ ። ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ እንተ ተወኪስና ንነብያት ንቅዱሳን ዘጋጠሞም ዕንቅፋት ምስ ናትና ፈተነ ክነነጻጽር ከለና ፈተናና እቲ ዘተሓተ’ዩ።  ፈላጣት ኮይኑ  ዝስምዖም ወይ ፈላጣት ሰባት ምስ ንራኸብ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዕሸነት ምዃኑ ክሕቡሩና ይህቅኑ። ነዞም ከምዚኦም ዘኣመሱሉ ሰባት ምስቲ  “  ከመይሲ፡ ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ከኣ ኪልዕል እዩ” ሉቃ14፡11 ከነማሳስሎም ንኽእል።

እቲ ንነብሱ ፈላጥ ጌይሩ ዝቆጽራ  ሰለ እምነትና  ሕማቅ  ክሰመዓና  ፡ ብኣምላኽ ምእማና   ይፈርደና።  ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ርእሰና ከነድንን ንእምነትና ስጓ ወይ መላገጺ ሽም ብምሃብ ናይ ዘለፋ ሽም እንተ ኣጥመቀና ሕማቕ ክሰመዓና የብሉን ሰለምንታይ ዓስቢ ርእስኻ ምድናን ልዕሊ ዘተቀበልናዮ መከራ ሰማያዊ ፀጋ  ሰለ እንሽለም። ዋጋ ፈተና ዓለም ኣብታ ዘይትሓልፍ መንግስተ ሰማይ ጻማ ከም ዘለዎ ብንጹር ክሕብርና ከሎ” ግብርኻን ጻዕርኻን ተጻዋርነትካን፡ ነቶም እኩያት እውን ክትጻወሮም ከም ዘይከኣልካ፡ ነቶም “ሃዋርያት ኢና” ዚብሉ፡ ግናኸ ዘይኰኑ ድማ ፈቲንካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮም እፈልጥ እየ።  ተጻዋርነት ከኣ ኣሎካ፣ ምእንቲ ስመይ ኢልካ ድማ ተጻዊርካ ኢኻ፡ ኣይተሓለልካን እውን” ራዕ2፡2-2። ክንሽደን ወይ ሰባት ክድህሉና ከለዉ ልክዕ ከም ሓደ ኩፖን ፡ ወህሉል ነጥበታት ናብ ገንዘብ ንልዉጦ ከምኡ ድማ  ሰለ እምነትና ክንሽደን ወይ ሰባት ክድህሉና ከለዉ ኣብ ሰማይ ዓስቢ ነዋህልል ከም ዘለና ምዝካር የድሊ። “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ደቂ ዝሓደገ ዘበለ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ዕጽፊ፡ ኣብ ዚመጽእ ስርዓት ዓለም ከኣ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም።” ሉቃ18፡29-10።ኣብዛ ዓለም ከለና  ፈተና ህያብ ሰማያዊ ሃብቲ ምዃኑ’ዩ ዘገድሰና።

“ መንግስቱ ደኣ ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ድማ ይውሰኸልኩም” ሉቃ12፡31። እዛ ጥቅሲ ብናይ ዓለም ስሕበት ከይንሰከር ኣተኵረና መድራዊ  ጥራይ ከይከዉን የዘኻኽረና። ሓልዮት ናይዛ ዓለም ሓለፋ’ዩ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ መዓልቲ ከም ነበርያ ከትከዉን’ያ። ዕላማና  ኣብ ዘይጠፍእ ፡ ዘይበርስ ዘልዓለማዊ መንግስቲ ይኹን።ለዋህ ኣምላኽና ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም  ናቡኡ  ገጽና ምስ ንቀርብ ወትሩ ይሕጎስ። ክርስቶስ ከምዚ የብለና”ኣታ ሒደት መጓሰ፡ መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ” ለቃ12፡32።ኣስዒቡ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ኮይንና ነታ ዘይትሓልፍ ናይ ዘልዓለም ርስቲ ከመይ ጌርና ከም ንወርስ ክምህረና ከሎ ”ንብረትኩም ሽጡ፡ ምጽዋት እውን ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ግበሩ። ከመይሲ፡ መዝገብኩም ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ” ሉቃ12፡34።

እዚ ጥቅሲ ዘብርሃልና እዛ ዘለናያ ዓለም መስጋገሪ ናብታ ናይ መወዳእታ ቦታና ምዃኑ’ዩ።ኣብዚ ናይ ምስግጋር ህሞት ከምቲ ክርስቶስ ኣርኣያ ዝኾነና ናቱ ኣሰር ንከተል፡ ማኅፉዳና ብሰናይ ገብሪ ንምላእ ፡ ምእታን ኣብታ ትመጽእ መንግስቱ ስፍራ ክንረከብ።

እዛ ዓለም ሓላፊት ምዃኑ እንተ ተገንዚብና ጸገምናዉን ግዚያዊ ምዃኑ ነስተብህል።” ድሕሪኡ ግና ዚገብርዎ ዘይብሎም ኣይትፍርህዎም። ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፦ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ ፍርህዎ። እወ፡ ንዕኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም ኣለኹ” 12፡5 ሉቃ12፡5። ፍርሕና ሰባት ከይጸልኡና ወይ ሰባይ ብዘዓባና ከይላገጹ ዘይኮስ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ከይነሕፍ ክኸዉን ኣለዎ።

ሓድ መዓልቲ ሓወይ ከምዚ ከምዚ ኽብል ተዛሪቡኒ “ ሸይጣን ዝፈንፈኖም ሰባት ኣይግበረና”  ማለቱ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ግዜ ፍርድዉን ሰይጣን ዝፍንፍኖም ፡ ሰይጣን ዝነዓቆም ከይንኸዉን ማለት’ዩ። እቲ ሓወይ  ዘበለኒ ከም ተራ ቃላ ክትወስዶ ከለኻ ደንግርግር ይፈጥረካ ይኸዉን  ።  ደቂ ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ ኣብ ዓለም ከለና መክራ  መትቢዒናን መምዘኒ እምነትና’ዩ። ኣምላኽ ንዝፈትዎም ጥራይ’ዩ ዝፍትኖም እቲ ፈተና ከኣ ምልክት ጽኑዕ እምነትና’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና “ ንስኻትኩም ከኣ ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ እዋን ኪግለጽ እተዳለወ ድሕነት ትሕለዉ ኣለኹም። ንቝሩብ ግዜ ብእተፈላለየ ፈተናታት ክትጕህዩ እኳ እንተ ኣሎኩም፡ በዚ ባህ ይብለኩም ኣሎ። እዚ እውን እቲ ኻብቲ ብሓዊ እተዀልዐ ኽነሱ ጠፋኢ ዝዀነ ወርቂ ኣዝዩ ዚኸብር ፍቱን እምነትኩም፡ ብግልጸት የሱስ ክርስቶስ ንውዳሰን ክብርን ግርማን ምእንቲ ኪኸውን እዩ። “ 1ይ ጴጥ1፡5-7።  ፈተነ ምስ በጽሓና ፡ ነቲ ፈተነ ምስ ሰገርና  ኣብ እምነትና ጽኑዓት ንኸዉን ከምኡውን ፡ ሰለ ኣምላኽና ዝካየድ ቃልስ ደልዋት ይገብረና። ፈተና ሰለ ዝበጽሓና ሕቡናት ንኹን ፡ሰለምንታይ ንሱ’ዩ መለለያ ናይ ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያና ጽንዓት። በዚ ዓይነት መምዘኒ ኢና  ፍቅሪ ኣምላኽና ኣባና ከም ዝሓደረ  ንገልጽ። ከም ኣብነት ኮይኑ ዝገልግለና ናይ ኣልኣዛር ታሪኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ክንወስድ ንኽእል።” ኣብ ኣፍ ደጊኡ ዜንብርዎ ብቝስሊ እተወርሰ ኣልኣዛር ዝስሙ ለማኒ እውን ነበረ።  ንሱ ድማ ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ፡ ከብዱ ኺመልእ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱሉ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ለማኒ ሞተ፡ ብመላእኽቲ ኸኣ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ተወስደ።” ሉቃ16፡22 ። እዚ ታሪኽ ዘብርሃልና ኣብዛ ምድሪ ንሰግሮም ግድላት ጽባሕ ንግሆ ናብቲ  ዘይሓልፍ መንግስቲ ካብ ኣምላክ ከም ንቅበል’ዩ። በቲ ዝጋጥመና  ሽምና ምጽላምን ካብ ዘይኣመንቲ ዝመጸና ጽርፊን ንዕቅፋትን እንተ ተዓጊስና ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሑቅፊ ኣብርሃም ክንቅመጥ ኢና።

ሰባት በዝዓባ ኣምላክ ክቅልዱ ከለዉ ሰለ እመነትና ደዉ እንተ-ኢልና ምግለጺ ትረት እምነትና ነርኢ ኣለና፡  ፈተና ምስ ዝገጥመና ሰለ እምነትና ዘለና ኣፍልጦ ከነስፍሕ ንጽዕር  ንእግዚአብሔር ኣምልኽና ከኣ ዝያዳ ንፈልጦ። ሰለ ስሙ እንተ ተዘለፍና ኣምላኽና ባዕሉ መጺ’ዩ ከነግፈናን ክረድኣና’ዩ። ሰባት ከም ዝፍቱኑና ኣምላኽና ይፈልጥ’ዩ ፡ በቲ ኣማናዊ ቃሉ ከምዚ ይብለና ” ቅድሚ እዚ ዅሉ ግና፡ ኪሕዙኹምን ኪሰጕጉኹምን፡ ናብ ምኵራባትን ኣብያተ ማእሰርትን ከኣ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም እዮም። ምእንቲ ስመይ፡ ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ሹማምንትን ክትቀርቡ ኢኹም። እዚ ንምስክር ኪዀነልኩም እዩ። እምበኣር፡ ከመይ ከም እትማጐቱ፡ ኣቐዲምኩም ከይትሓስቡ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ፣ ከመይሲ፡ ኵሎም ተጻረርትኹም ብሓባር ኪቃወምዎ ወይ ኪከራኸርዎ ዘይክእሉ ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ”(ሉቃ21፡12-16)። ስለዚ ንሕና ብጊደና ካብ እምነትና ከይተኣለና ሰለ እምነትና ደው ንበል ሰለምታይ “   ኣብ ቅድሚ ሰባት ዚኽሕደኒ ግና፡ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሓድ እዩ” ሉቃ12፡9  ሰለ ዝተባሃልና ። ሰለ እምነትና ክንምስከር ኣንጻር እቶም ንእምነትና ዝንዑቁ ሰባት ደዉ ክንብል ኣብ ጽላል እግዚአብሔር ኣምኽና ክንሰፍር ባዕሉ ሓይሉ ይሃበና።

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ሓፍትኹም ቤዛ

Comments are closed.