በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ቀደም ናይ ሃገርና ርእሰ ከተማ ዝነበረት ድባርዋ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሓንፀት ካብ ቅድም ኣትኂዛ ብመልክዕ ገዳም ትርአ ነበረት። ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳን ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ነዛ ቦታ ኣብ ጊዜ ስደታ ከምዝረገጸታን ኮፍ ኢላትላ ከም ዝኃለፈትን ታሪኽ ይነግረና። […]
"ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለስ ይጽሊ ነበረ።" ሉቃስ 5=16 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ኩሉግዜ ክንተግህን ናቱ ምሳሌ ንኽንክተልን ነጊሩና እዩ፡ ፍጹም ጸጥታን ሰላምን ኣብ ዝሰፈነሉ ኣብ ውሽጢ ምድረ በዳ ናይ ጸሎትን ናይ ምስጋነ ሕይወትን ማዕረ ክንደይ ዝጸበቐ ክምዝኾነ አርኢዩና'ዩ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮውሓንስ'ውን ናይ እግዚአብሔር ቃል ንሕዝቢ እስራኤል ንኽሰብኽ ክሳብ ዝጽዋዕ ኣብ ምድረ በዳ እዩ […]