በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11። ካብ ሰኑይ የካቲት 15 ስጋብ የካቲት 17 (Monday, February 22- February 24) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና። ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነመሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ ትርከብ ከተማ ምዃናይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ.10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብኃል። ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋትን ኃጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱርህራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ሃገረ ኣህዛብ ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ። ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኰነ ድኅነትካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ክርገም ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽ̕ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞምክተርፉ ከለዉ ፣ ኣህዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42። ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ዮናስ ብዘይ ምእዛዙ ኮነ ኢሉ ከምዘይገብሮ ስለዝፈለጠ ብፍሉይ ጥበቡክወስዶ ንርኢ። ኣቐዱሙ ዓቢ ንፋስ ኣብታ ልዕሊ መርከብ ኣምጺኡ፣ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዳልዩ፣ ቀጺሉ’ዉን እቲ ነባሪ ዓሳንዮናስ ናብ ምድሪ ክተፍኦ ንርኢ። ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ ክንደይ ዓብይን ዘደንቅን ምዃኑ ኣብዚ ንርኢ። ነብዩ ዮናስ ከምቲ ቃለ እግዚአብሔር ናብ ነነዌ'ውን ከደ ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ መገዲ ሠለስተ መዓልቲ እያ ። ዮናስናብታ ከተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ ነነዌ ሠለስተ መዓልቲ ጸኒሓ ክትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ። ሰብ ነነዌ ከኣ ንኣምላኽ ኣሚኑ፣ ጾም ድማ ኣወጀ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳብ ናእሽቱኦም’ውን ኽሻ ተኽድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፣ ካብ ዝፋኑ ተንሥአ ባርኖሱ ቐንጠጠ ኽሻ ተኽድነ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥንመኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ሰብ ወይ እንስሳ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ ኣይውፈራ ማይ̕ውንኣይስተያ። ሰብን እንስሳስ ክሻ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገድን ካብቲ ኣብኢድ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ንሕና ከይንጠፍእ ከኣ ካብቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እንተ ተመልሰመን ይፈልጥ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከምእተመልሱ ግብሮም ረኣየ እግዚአብሔር’ውን ነቲ ኬውርደሎም ኢሉእተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። ዮና. 3፣3-10። ካብ ትንቢተ ዮናስ ብዙሕ ኢና ንመኃር ብኸፊሉ ግና፣ ካብ ትንቢት ዮናስ እንታይ ንመኃር᎒ † ትንቢተ ዮናስ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ዓሚቕ መለክዒ ዘይብሉ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን! " በቅድመ መላእክቲከ እዜምር ለከ........ ኣብ ቅድሚ መላእኽትካ ከኣ መዝሙር ምስጋና እዝምረልካ ኣለኹ፡ ቃልካን ስምካን ዓብይ ከም ዝኾነ ኣርኢኻ ኢኻ'ሞ ናብ ቅዱስ መቅደስካ ኣቢለ ክሰግድ'የ። ” መዝ 138፡1-2 ዑራኤል ማለት ብግዕዝ ‘መስተሣህል’ ወይ ‘ይቕረ በሃሊ’ ማለት ኢዩ፤ ብዕብራይስጥ ድማ ዑራኤል ማለት ‘እግዚአብሔር ብርሃነይ ኢዩ’ ማለት ኢዩ። ቅዱስ […]
እንቋዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ጥምቀት ብሰላም ኣብጻሓና! በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዘነግህ ርእዮከ ማያት እግዚኦ ። ርእዮከ ማያት ወፈርሁ። ደንገጹ ቀላያተ ማያት ወደምጻማቲሆሙ። መዝ ፣76፣26። ምስባክ ዘቅዳሴ ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ። ወይርዳኖስኒ ገብአ ድኅሬሁ ። አድባር አንፈርዐፁ ከመ ሐራጊት ። መዝ.። 113፣ 3። ቲቶ. 3፣-4-8። 1ይዮሓ. […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቓዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ልደት አብጽሓና። መዝሙር ዘልደት ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወይአትት ኃጢአተ እምእስራኤል ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ ልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር ወአ፣ ወይከውን ምስማከ ለኩሉ ምድር ወአ። ውስተ አርእስተ አድባር። ወአ። ዮምሰ፣ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ፣ በአነሂ በኩርየ እሬስዮ። ሰላም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን! ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፤ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ኣብ ምድሪ ግብጺ ንሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ወይ ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ ምስ ገበሩ፣ መልኣኽ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ በሎም “ሄሮድስ ምስ ሞተ፤ ‘እንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ እቶም ሕይወት እዚ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። እንቋዕ ናይ ጾመ ጽጌ ኣብጽሓና። ጾመ ጽጌ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ሓደ ወርሕን ዓሰርተ መዓልቲ ዝሓዘ እዋን እዩ ። እዚ እዋን ናይ ፍቃድ ጾም እንጸሞ እዩ። ሕጻኑ አምላከ ቅዱሳን መድኃኔ ዓለም ኣዲኡ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ጻድቁ ዮሴፍን ሰሎሜን ኮይኖም ንሰለስተ ዓመትን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። ምስባክ ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64፣11 2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20። ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ) እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማቴዎስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ድንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። 3ተ ጳጕሜን፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ካብ ሓውን ንፋስን ብምዃኑ ንተልእኾ ቅልጡፋት ዘይደኽሙ ተፈጥሮኦም'ውን ዘይኣርግ ረቂቃን ፍጥረት እዮም። ቅዱሳን መላእክት፡ ከም ብዝኆም ዓይነት ኣገልግሎቶም ብዙኅ እዩ። * ንእግዚአብሔር ምምስጋን (ኢሳ. 4 ራእ. 5፡12)፣ * ምእንቲ ሰባት ምልማን (ማቴ. 18፡10)፣ * ንዘኽብርዎምን ዝፈርህዎምን ካብ መከራ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። 3 ጳጕሜን፣ ካህን መልከጼዴቅ "መሐለ እግዚአብሔር ወኢይኔስሕ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከጼዴቅ ፥ እግዚአብሔር ንስኻ ከም ሥርዓት መልከጼዴቅ ንዘልዓለም ካህን ኢኻ ኢሉ መሓለ፡ ኣይጠዓስን ከኣ እዩ።" መዝ 110፡4 መኑ መልከጼዴቅ ውእቱ፧' ዕብ7፥1 'ወመልከጼዴሰ ንጉሠ ሳሌም ካህኑ ለእግዚአብሔር ልዑል ውእቱ፥ መልከጼዴቅሲ ናይ ሳሌም ንጉሥን ናይ ልዑል ኣምላኽ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ምስባክ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ። መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ። 2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ.ሓዋ. 1፣12-15 ወንጌል. ማቴ.26፣- እግዝእትነ ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ዝገበረቶ ተኣምር እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ጸሎታን በረኸታንን ምሳና ይኹን። ኣብ መጽሓፍ ስንክሳር ተጻሒፉ ከም ዝተረኽበ በዚ ወርኂ ነሓሰ 16 መዓልቲ፡ […]