ብሩኽ ምጅማር ጾመ ፍልሰታ ይግበረልና። ካብ ዕለት ሰኑይ ነሓሰ 1-2009 (7-2017) ጀሚሩ   ኣብ ክልተ ሱባኤ ኮይኑ ። ኣብ ነሓሰ 16 ኪዳነምሕረት ብቅዳሴ ይዛዘም። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምንታይ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘወትር ተምህር ብምባል ሓደ ሓደ የውሃት ሰባት ግር ይብሎም […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ምስባክ ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልዐ ምድረ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት ወእምእትንስፋሰ አፋሁ ኵሉ ኃይሎሙ።               መዝ.32-5።  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ዝብል ጸሎት ንሓደ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ተግባሩ መጀመርያ (መቅድሙ) እዩ። እዚ ናይ ጸሎት ንባብ ክፍሊ ምስ ትርጓሜኡ ኹሉ ክርስቲያን ክምሃሮ ይግባእ። ነዚ ዘይተማህረ ንዝኾነ ጉዳዩ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: ምስባክ አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣ ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣ ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም።  መዝ.18-4 (19-4) 2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20። ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። […]

Continue reading

ጾመ ሓዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና። ካብ ግንቦት 28 2009 ዓ.ም  (June 5, 2017) ክሳብ ሓምለ 5 2009 ዓ.ም ( July 12, 2017) ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብኣዋጅ ንኽንጸሞም ዝኣዘዘትና ኣጽማዋት ሸውዓተ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ኣብ ዓዓመቱ ጽባሕ በዓለ ኃምሳ ሰኑይ መዓልቲ ይኣቱ። መዓልታት ጾመ ሓዋርያት ከም ዓቢይ […]

Continue reading

በዓለ ጲራቅሊጦስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐርገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጋለ እምሕያው               እስመ ይክህዱ ከም ይኅድሩ ።    መዝ.67-18                      ኤፌ.4፣1-17።    1ይዮሓ.2፣1-18።    ግ,ሓዋ.2;-1-14:      ዮሓ.14፣1-22። ጰራቅሊጦስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስም እዩ። ብግሪኽ ቋንቋ ኣጸናንዒ ማለት እዩ። ጰራቅሊጦስ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምትንሥኡ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፣ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ […]

Continue reading

  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ። ኢያቄምን ሃናን ወሊዶም ሰማይ፡ ሰማዮም ድማ ወለደት ፀሓይ። ኣብዚ ወርሒ እዚ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ቅዱስ ኢያቄምን ካብ ቅድስቲ ኣዲኣ ሃናን ብብዙሕ ልመና ተረኺባ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ምስ ተጸንሰት ድሕሪ ትሽዓተ ወርሓ ሓደ ግንቦት […]

Continue reading

ትንሣኤ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። “ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን አሠሮ ለሰይጣን አግአዞ ለአዳም ሰላም እምይእዜሰ ኮነ  ፍሥሐ ወሰላም።” ተምሳል ቀደም ዘመን እስራኤላውያን አብ ትሕቲ ኣርዑት ግብጻውያን (ፈርኦን) ይግዝኡ አብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቲ ስቅያቶምን ጸበባኦምን ብሰሪ መጨነቕቶም ዘእውይዎ ኣውያትን እግዚአብሔር አምላኽ ሰምዐ'ሞ እቲ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘይርስዕ አምላኽ ነኣቦታትና አብርሃም፡ ይስሐቅ፡ ያዕቆብ ዝኣተወሎም […]

Continue reading

ቀዳም ስዑር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ቀዳም ቀዳም ስዑር÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ኮይና፥ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ኩሎም ፍጥረታቱ ምስ ፈጠረ ፈጺሙ ዘዕረፈላ ክብርቲ ዕለት እያ። ናይ ጥንቲ ወይ’ውን ናይ መጀመርታ በኹሪ ናይ በዓላት ስለ ዝኾነት ከኣ ቀዳመይቲ ሰንበት ተባሂላ ትጽዋዕ። ዘኽበራን ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝመደባን  ከኣ ባዕሉ ቅዱስ እግዚአብሔር […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  “ ውእቱሰ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ። በእንቲአነ ሐመ ወንሕነ ርኢናሁ ሕሙመ ወቅሡፈ ብሕማም ፣ወውእቱሰ ቈስለ በእንተ ኃጢአትነ ወሐመ በእንተ ጌጋይነ፣ ትእምርተ ሰላምነ፣ ወበቊስለ ዚአሁ ሐዩነ ቊስልነ   ” “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ፣ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን […]

Continue reading

ዕለተ ኃሙስ፡-

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ዕለተ ኃሙስ፡- እዛ መዓልቲ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ዝተፈላለ ስያሜ ዘለዋ ዕለት እያ። 1.ሕጽበተ እግር÷ ኃሙስ በዚ ስም እዚ ክትጽዋዕ                         ዝኸኣለትሉ ምኽንያት፥ ብባህሪኡ ክቡር ልዑል ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ ዕለት ዓለባኡ ተዓጢቑ ናይ  ሓዋርያቱ ኣእጋር ብምሕጻብ ፍጹም ንዝኾነ ትሕትናኡ ዝገለጸላ ንሕና’ውን ኣብ ንሓድሕድና  ከምቲ ዝገበሮ […]

Continue reading