ገለ ካብ ትውፊትና ርኅወ ሰማይ ወርሐ ጳጒሜን ተዘክሮተ ምጽኣት ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ፫ተ ጳጒሜን ኸኣ ብፍሉይ ሰማያት ዝኽፈተሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ መዓልቲ እዩ። መቸስ ሰማያት ዝዕጸወሉን ዝኸፈትሉን ማዕጾ ኣለዎ ንማለት ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ምሥጢር ዝግለጸሉ ስለዝኾነ እዩ። ካልእ መዓልቲ’ውን ምሥጢር ኣይግለጽን ንማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጽለዩ ጸሎታት ከም መሥዋዕተ ሠርክ ኣብ […]
(ቀዳማይ ክፋል) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሓደ ካብ ሊቃነ መላእክት ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ካብ ሓውን ነፋስን ብምዃኑ ንተልእኾ ቅልጡፋት፤ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ ዘይደልዩ፤ ኃይሎም ዘይደኽም፡ ተፈጥሮኦምውን ዘይዓርግ ረቂቓን ፍጥረት እዮም። ካብቲ ብዙኅ ዝኣገልግሎቶም ኸኣ እቲ ቀንዲ ንእግዚአብሔር ምምስጋን፤ ካብን ናብን እግዚአብሔርን ሰብን መልእኽቲ ምብጽጻሕ እዩ። ንእግዚአብሔር የገልግሉ፤ ንደቂ ሰባት ድማ ይራድኡ። […]
ምስባክ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል። እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ። ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ። መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ። 2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15 ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ኣቡኣ ፣ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተመቅደስ ፣ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ ዓመትን ንጎይትና መድኃኒና […]
ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብድምቀትን ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓትን ካብ ዝኽበሩ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ሓደ እዩ። ዓመት መጸ ድማ ፲፫ ነሓሰ ይኽበር። እዚ ዕለት እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣብ ደብረ ታቦር ነቶም ኅሩያት ደቀ መዛሙርቱ ዝገለጸሉ እዩ። እግዚአብሔር ብዝፈቐደ ኣስዒብና ብሓጺሩ ምኽንያተ በዓልን ትንቢትን ምስኡ ዝተተሓዙ ፍጽሜታትን […]
ብሩኽ ምጅማር ጾመ ፍልሰታ ይግበረልና። ካብ ዕለት ሰኑይ ነሓሰ 1-2009 (7-2017) ጀሚሩ ኣብ ክልተ ሱባኤ ኮይኑ ። ኣብ ነሓሰ 16 ኪዳነምሕረት ብቅዳሴ ይዛዘም። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምንታይ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘወትር ተምህር ብምባል ሓደ ሓደ የውሃት ሰባት ግር ይብሎም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልዐ ምድረ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት ወእምእትንስፋሰ አፋሁ ኵሉ ኃይሎሙ። መዝ.32-5። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ዝብል ጸሎት ንሓደ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ተግባሩ መጀመርያ (መቅድሙ) እዩ። እዚ ናይ ጸሎት ንባብ ክፍሊ ምስ ትርጓሜኡ ኹሉ ክርስቲያን ክምሃሮ ይግባእ። ነዚ ዘይተማህረ ንዝኾነ ጉዳዩ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: ምስባክ አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣ ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣ ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም። መዝ.18-4 (19-4) 2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20። ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና። ካብ ግንቦት 28 2009 ዓ.ም (June 5, 2017) ክሳብ ሓምለ 5 2009 ዓ.ም ( July 12, 2017) ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብኣዋጅ ንኽንጸሞም ዝኣዘዘትና ኣጽማዋት ሸውዓተ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ኣብ ዓዓመቱ ጽባሕ በዓለ ኃምሳ ሰኑይ መዓልቲ ይኣቱ። መዓልታት ጾመ ሓዋርያት ከም ዓቢይ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐርገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጋለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከም ይኅድሩ ። መዝ.67-18 ኤፌ.4፣1-17። 1ይዮሓ.2፣1-18። ግ,ሓዋ.2;-1-14: ዮሓ.14፣1-22። ጰራቅሊጦስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስም እዩ። ብግሪኽ ቋንቋ ኣጸናንዒ ማለት እዩ። ጰራቅሊጦስ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምትንሥኡ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፣ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ። ኢያቄምን ሃናን ወሊዶም ሰማይ፡ ሰማዮም ድማ ወለደት ፀሓይ። ኣብዚ ወርሒ እዚ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ቅዱስ ኢያቄምን ካብ ቅድስቲ ኣዲኣ ሃናን ብብዙሕ ልመና ተረኺባ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ተጸንሰት ድሕሪ ትሽዓተ ወርሓ ሓደ ግንቦት […]