ካብ መበል 51 ስብከቱ ዝተወስደ ꗺ ልቦና ዝጎደሎ ጻድቅ ሰብ መብራህቲ ኣብ ትሕቲ ጽሓይ እዩ። ꗺ ጸሎት ናይ ጌጋተት ዝዝክር ሰብ ዘርኢ ኣብ ከውሒ እዩ ꗺ ምሕረት ዘይብሉ ባሕታዊ ፍረ ዘይብላ ኦም እዩ። ꗺ ካብ ቅንኢ ዝወጽእ ጸርፊ መርዛም ኩናት እዩ። ꗺ ውዳሰ ብልሓተኛ ሰብ ሕቡእ መጻወድያ እዩ። ꗺ ዓሻ መኻሪ ዕዉር ዋርድያ እዩ። ꗺ […]

Continue reading

ብሂል ኣበው

  ቴዎፍሎስ ዘእስክንድርያ  ወልደ እግዚአብሔር ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመልዕልተ ፍጡራንን መትሕተ ፈጣሪን ብዝኾነት ቅድስት ቅዱሳን ወላዲቱ ድንግል ማርያም ክልመን ብጣዕሚ’ዩ ደስ ዝብሎ ቅዱስ  ማር ይስሓቅ ሶርያዊ ቂምታ ወይ ጽልኢ ኣብ ልቡ ከለዎ ዝጽሊ ሰብ፡ ኣብ ባሕሪ ዘሪኡ ምህርቲ ክሓፍስ ምጽባይ እዩ

Continue reading

መንፈሳዊ ምኽሪ

ሓደ ባሕታዊ ብሓሳቡ ኣብ ናይ ምንዝርና ፈተና ምስ ወደቐ ናብ ካህን ከይዱ ነዚ ሕማቕ ምስጢር ነገሮ። ክጽልየሉ ድማ ተማሕጸኖ። እቶም ካህን ድማ ትብዓት ኣስኒቑ ኣበርቲዑ ንኽጽሊ መኸሮ። ናብቲ ዝጽልየሉ ስፍራ ምስ ኣተወ እቲ ፈተና ካብቲ ዝነበረ በርተዖ። ናብቶም ካህን ተመሊሱ ዘጋጠሞ ነገሮ። ከምኡ ክብል ብዙሕ ግዜ ተመላለሰ። እቶም ካህን ድማ ተሰፋ የስንቕዎ ነበሩ። ከምዚ እናበሉ […]

Continue reading

ብሂል ኣበው

"እታ ድንግል ሄዋን ናይ ተመን ቃል ሰሚዓ ዘይምእዛዝ ሞት ጸነሰት፣ ቀታሊ ሓዉ ዝኾነ ንቃኤል ወለደት። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ናይቲ ብርሃናዊ መልአክ ቅዱስ ገብርኤል ብሥራትዊ ቃል ሰሚዓ ተኣዚዛ ንህይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ጸነሰት ምእንቲ ሕዝቡ ንዝመውት  መድኃኒና ወለደት።" ሰማዕት ቅዱስ ዮስጢኖስ "ንዘመናት ተስፋ ስኢንና ክነብር ከለና ኣብ መወዳእታ ዘመን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወትና መሊሱልና ሰለዚ […]

Continue reading

ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን

ሓደ እዋን ሰይጣን ንኣባ መቃርስ ጸላእትኻ ኣመና በዚሖም ምስበሎ፡ ኣባ መቃርስ “ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን” ኢሉ ንሰይጣን ኣሕፈሮ። ዲያቢሎስ’ውን መሊሱ እሞ ንሰብ ጸላኢኡ መን’ዩ? ኢሉ ንኣባ መቃርስ ሓተቶ፤ ኣባ መቃርስ’ውን፣ ጸላኢ ሰብ ደኣ ንፍጡር ዕለተ ዓርቢ ዝዀነ ሰብ ኣዳም ዝፈተነ፡ ንኢዮብ፡ ንዳዊት ነቶም ዝበቅዑ ኣቦታት ዝፈተነ ሓደ ፍጥረት ኔሩ ንሱ ኢዩ ጸላኢኡ!” ንስኻ ነዚ ፍጥረት […]

Continue reading

ብሂላት ብዛዕባ ጾም

ከምቲ ሓያል መድሃኒት ብርቱዕ ሕማማት ዝፍውሶ ክምኡ ከኣ ብጾም ዝተሰናየ ጸሎት ድማ ንኽፋእ ሓሳባት ነቒሉ የውጽኦ” ቅድስት ሲንቅለጢያ “መብልዕሰ ኢያረብሃነ ወኢያነክየነ” ብልዒ ኣየርብሓናን ኣየነክየናን “ ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ ጾም ርእስኻ ገዚእካ ስምዒትካ ገቲእኻ ጸጋኻ ሓሊኻ ርእሲ ኩሉ ንምዃን ዘኽእል መንፈሳዊ ቁልፊ እዩ ኣቡነ ሲኖዳ ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ ፣ ወታጸምም ኩሎ ፍተወታተ ዘስጋ ጾም ቁስሊ […]

Continue reading