// ኣጀሚሩ ዘፈጸመና ልዑል እግዚአብሔር ኣምላክ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣብ መረን ዘለኩም ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ርኢቶኹም ክትህቡና ብትሕትና ንዕድመ። ኣብ ቀጻሊ መንፈሳዊ ሰነ-ጽሑፍ ብሰላም የራኽበና። ከም ፍቃድ ኣምላኽ ምስ ጸሓፊ ናይዛ ታሪኽ ዲ.ዘረአ ገብረእግዚአብሔር ቃለ-መጠየቅ ጌርና ብጽሑፍ ወይ ብድምጺ ክንፍንዎ ክንፍትን ኢና። ናይ ተክኒክ ጸገም ኣጋጢሙና ሰለ ዘሎ ብድምጺ […]
ኣዜብ፦ እዋይ ከንቱ እዩ በጃኻ፣ ቦታ ቀይርና ኣይንዓግብ፣ ሰቲና ኣይንረዊ፣ በሊዕና ኣይንጸግብ መጀመርታ ኤዉሮጳ ጥራይ ንእቶ እዩ፣ ዝብል ኔሩ ሕልምና።ሕጂ ከኣ እንሀልካ… ብዙሕ ኣዕሊሉኒ ካብ ንምርዖ 3 ዓመት ምግባርና፣ ኢታሊ ኣነ ካብ ዚኣቱ ከኣ፣ ጽባሕ ሚካኤል ምዃኑ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ፈሊጥዎ። ሃይለ፦ እንታይ ደኣ… ገጽኪ… ኣዚኺ ናፊቕክዮ ሓቀይ። ኣዜብ፦ ኣልግስ… እዋእ ወረ ዘይናፍቆ በዓል ቤተይ […]
ጸላም ሰልጢኑ፡ ባርነት ኣስፋሕፊሕሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። እቲ ሕሱም ጨቋኒ በታ ዘይትምሕር ቅልጽሙ ጌሩ፡ ንመላእ ዓለም ከም ገልዒ ቀጥቂጡ ከም ስምዒ ኣቕሊጡ እናምበርከኸ፡ ደረቱ ነፊሑ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ተካል ዘመን። ኣዳምን ዘርኡን ኣብ ሕይወቶም ዘይተርፋ ክልተ ትሑዛት ነገራት እናሓሰቡ ዝነበሩሉ ኣስቆንቋኒ ዘመን። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጻዕሪን ገልታዕታዕን ምንባሮም ከይኣክል፡ ኣብቲ ካልኣይ ዓለም ዝጽበዮም መካነ ኩነኔ እናክዝክሩ […]
…ቤቲ፣ “… ሕንቕንቕ እናበለት ኣድያም ደኣ እንድዒ፣ በጃኺ… ሕጂ ዋላ ንኽትረኽባ ኣይከኣልን ኮይኑ። ካባኺ ምስ ተፈለና ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኢና ተበጊስና ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዕዞ ኣብ ምስራጣ ምስ በጻሕና ተታሒዝና። ተኣሲርና ደላሎ ስለ ዝፈልጡ ግና ገዚኦም ኣዉጺኦምና። ኣብ ኢድ ደላሎ፣ ምስ ኣቶና፣ ንዓይ ቤተ ሰበይ ቀልጢፎም ሰዲዶምለይ፣ ንኣድያም ግና፣ እቲ ካብቲ ዘለኽዮ ዘዉጽኣ ዚያዳ […]
…ቤቲ፣ “… ሕንቕንቕ እናበለት ኣድያም ደኣ እንድዒ፣ በጃኺ… ሕጂ ዋላ ንኽትረኽባ ኣይከኣልን ኮይኑ። ካባኺ ምስ ተፈለና ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኢና ተበጊስና ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዕዞ ኣብ ምስራጣ ምስ በጻሕና ተታሒዝና። ተኣሲርና ደላሎ ስለ ዝፈልጡ ግና ገዚኦም ኣዉጺኦምና። ኣብ ኢድ ደላሎ፣ ምስ ኣቶና፣ ንዓይ ቤተ ሰበይ ቀልጢፎም ሰዲዶምለይ፣ ንኣድያም ግና፣ እቲ ካብቲ ዘለኽዮ ዘዉጽኣ ዚያዳ […]
ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ካብ ንኣቱ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ቤተልሔምን ኣድያምን፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ደላሎ፣ ተሸይጠን ወጽኣ። ብድሕሪአን ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ’ቲ ካርሸሊ ተቐመጥኩ፣ መጀመርያ ክፍለያኒ ከለዋ፣ ብርግጽ ከቢድ እዩ ነይሩ፣ ኣስተማሲለ’ውን እየ። ግዜ እናነዉሐ ምስ ከደ ግና፣ ብፍላይ ዳርጋ መዓልታዊ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ዉሽጢ’ቲ ካርሸሊ ይወሃበና ብምንባሩ፣ ንነገራት ከም ዘለዉዎ ተቀበልክዎም። ነተን ዝነበርናኢ ገንዘብ፣ ብቑጠባ […]
ግዜ ከይሃቡ፣ ብቅልጡፍ ተበግሱ በሉና። ቤቲ ኣይነበረትን ኣነ፣ ኣድያም፣ ተስፋይን ሓደ ጋሻ ምሳና ዚሓደረን ግና፣ ኣብ ኢዶም ወደቕና። ዝነበርና ክዳን ቦርሳን፣ ገንዘብን ሒዝና ተበገስና፣ ቅድሚ ምድያብና ብዙሕ ለመንናዮም ዝሰምዓና ግና ኣይነበረን። መኪና ጽዒኖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዳጎኑና። ካልኦት ከማና ካብ ናይ ክራይ ኣባይቶምን፣ ኣብ ጐደናታት ዝተረኽቡን ወሓዙ ቤት ማእሰርቲ ብሰብ ኣዕለቕለቐት። ብዙሕ ወረ ባዕላትና ፈጠርና። […]
ኣነ ርእሰይ ኣድነንኩ፣ ክሳዕ መዓስ ኢኺ፣ እምነትኪ እተጉድሊ “እንኪ” ሓደ መዓልቲ ክጠቕመኪ እዩ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጸበል ኣረከበኒ’ሞ ጸልዩ ንኣምላኽ ክትርእይዮ. ኢሉ ሓዲጉና ኸደ። ንዓይን ንኽብሮምን ዓቢ ጽፍዒት ነበረ። ካልኣይ ክፋል ተደሪርና ክንድቅስ ተጋደምና፣ ግና ገና ከይደቀስና ብብርቱዕ ፍጥነት መብራህተን ወሊዐን ናባና ገጸን ዚሕንበባ መካይን ስለ ዝተመልከትና፣ ኲላትና እንዳ ፈራህና ክነቋምት ተንሣእና። መራሕቲ መካይን ኣጆኹም […]
ሕሉፍ ከተዕልለሉ ከለኻ፣ ቀሊል ነገር’ዩ ዚመስል፣ መድረኽ ሕይወት ግና፣ ብዙሕ ከምዝርኢ ገይሩኒ’ዩ። ኣቤት ከምቲ ዚበልኩኻ ሜሮን ምስ ዓረፈ፣ ኲልና ተደሃልና፣ ብፍላይ ስላም ምስ ቤተልሔም፣ ኮማ ኣተዋ ተምላስ ንተምላስ ኮና። ዋና መኪና በጃኹም ኣብ ዘይምለስ ነገር ግዜ ኣይንቕተል። ስለዚ ቅበርዎ’ሞ ንኺድ እናበለ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተዛረበ፡ በቃ ኣማራጺ የለን እንበሉ፣ ነታ ዘይትጠቅም ዕምቆታ ፍርቂ ሜትሮ ዘይትኣክል፣ መቃብር […]
መረን ዓሰርተ ሹዱሽተ ክፋል ( ብድምጽን ብጽሑፍን) ድሕሪ ናይ 11(ዓሰርተ ሓደ) መዓልቲታት ከኣ ንዒን ደሓን ኲኒ በልናያ። መካይን ከም ንፋስ ክዉጨፋ ጀመራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጒዕዞና እተን መካይን ኣዚየን ይጐያ እኳ እንተነበራ፣ ኣይከም እዚአንን፣ ፍጥነተን ኣብ ዉሽጢ ጋቢና ዚነበረት ከም ትገልጾ ዚነበረት 140- 150ኪ.ሎ.ኣብ ሰዓት እዩ ። ኣእዛንና ረሲዐናኦ ዚቐነያ ዘየቋርጽ ሕንንታ ክስማዕ ጀመረ። ደሮናን ጸጸርን […]