በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ካልኣይ ክፋል ሓዳር ኣብ ስደት ዳናይት፡ በተን ንብዓት ዝቋጸራ ዝመስላ ፍሩያት ዓይና ኣትኪራ ገጸይ እናጠመተት Wait ዮኤል ቅድሚ ብዛዕባ ዕላማ ሓዳር ምዝርራብና ጽባቐ ሰበይትኻ ምግላጽ፡ ንበዓልቲ ቤትካ ምንኣድ ኣበሳ(ሓጢያት) ኣለዎ ድዩ፧ ዮኤል፡ ዳኑ ብኣንጻር እዚ ትብልዮ ዘለኺ እዮ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ ድርሳኑ (ትርጓሜ) መልእኽቲ ኤፎሶን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን። ዳናይት " ተሰምዓኒ ኣለኻ ዮኤል፡ " ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣብ መንገዲ ሰባት ተጠውዮም ኢዮም ዝርእዮኒ። ኩርዕትን ሕብንትን እየ ፍጥር ክብል። የምስገን ፈጣሪ፡ ብኹሉ ነገር’ውን ምልእት’የ። ብመንፈሳውን፡ ዓለማውን። እንኽስሕቅ ብጻባቐ ጸባ ፈስስ ኣስናነይ ሰባት ይዘራረቡ። ዝምስገን ጨጉሪ ርእሲውን ኣለኒ። ብንውሓትን፡ ልማሸን ጮግረይ ኩለን ቆነንቲየን ይዛረባ። ዋላ ኣነ ዝበሉ ሃብታማት […]
ስለምንታይ መስቀል ነኽብሮ፧ ስለምንታይ ንመስቀል ንስዕሞ፧ ካብ መሰቀልከ እንታይ ንመሃር ፧ መልሲ ናይዚ ሕቶ ብብኃሕ ዓይነት መግለጺ ክወሃብ ይከኣል እዮ። መስቀል ነኽብሮ፡ ሰንደቅ ዕላማና ሰለ ዝኾነ ነፍቅሮን ንስዕሞን።፡ መሰቅል ኃይልና፡ ጽንዓትና፡ ከምኡውን በቲ በጃ ድኃነትና ዝኾነ ደም ቤዛ ዓለም ክርስቶስ ስለ ዝተሓጸበ ነኽብሮን ንስዕሞን፡ መሰቀል ኣካላት መድኃኔ-ዓለም ዝዕረፈሉ ስለ ዝኾነ ንፍቅሮን ንስዕም................. ወዘተረፈ። ሃገራት ዓለም ሓደ ሰብ ስለ ሃገሩን ህዝቡን ዝተሰወኣሉ ቦታ(እምባ ወይ ኮነ ሜዳ) ብኽብሪ ካብቲ ካልእ ቦታታት ከም ዝሕዝኦን፡ ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ስለ ፍቅሪ ሃገር ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን እናዘከራ ንፍቅሪ ዜጋታተን ዝተኸፈለ ዓቢ ክብሪ ከም ዝህብኦ ምስክር ዘድልዮ ኣኮነነን። ንሕናውን መስቀል ስለ ፍቅሪ ስባት ዕሽር ዝተኸፍለሉ መርገጽ እግሪ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ነፍቅሮን ንፈትዎን። ኣብ መሰቀል ካብ ዝተወሃበና ሓደ ካብ ዓበይቲ ህያባት ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መስቀል ክንዝክር ከለና ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ንስለ ደቂ ሰባት ዝተቀበሎ ጸዋተ መከራን፡ ብደመ እቲ ኵቡር ዋጋ ገንሸል ፋሲካና ነፍስና ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝተዓደገት ይስወጠና። ኣብ መስቀል እታ ጸግዕናን እምባናን ዝኾነታ ወላዲተ ፀሐየ ጽድቅ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከም ዝተወሃበትና ንዝክር፡ በዚ ከኣ ንመስቀል ነፍቅሮን ንስዕሞን። ኣብ መሰቅል ሓደ ዓቢ መንፈሳዊ ሰነ-ምግባር ካብ ኣዴና ድንግል ማርያም ንመሃር። ንሱ ከኣ ዘየቋርጽ ትሕትና እዮ። ኣደ ብርሃን ኣደ ኣምላኽ ንክንሳ ፈጺሙ ዘይተለወጠን ዘየቋረጸን ትሕትና ነበራ። ካብ ኵሎም ደቂ ሰባት ከም ድንግል ማርያም ዝበለ ትሕትና ዘለዎ የልቦን። ልዕሊ ኵሉ ፍጥረት ክሰቅላ ዝኽእል ንኣምላኽ ናይ ምውላድ ክብሪ ክትጸውር ዘብቅዕ ትሕትና ነብበራ። ትዕቢት ንፍጽማን ዝተባህሉ እኳ ዘውድቅ ክሳብ ፍጻሜ ሕይወት ዘይገድፍ ፈተና እዮ። ብኣስካላ ቅድስና ናብ ሰማይ ብዙኃት ቅዱሳን፡ ቁሩብ ምስ ተረፎም ብትዕቢት እዮም ዝወድቁ። ክብሩን ጸግኡን ምስ በዝሐ ጠባዮ ዘይቅይር ሰብ የለን። እኳ ደኣ ሓደ ኣቦ “ ፀጋን ክብርን ኣይትሃበኒ። ጸጋን ክብርን እንተሂብካኒ ኸኣ ንዕኡ ክጸረሉ ዝኽእል ትሕትና ሃበኒ” ኢሉ ክሳዕ ምልማን በጺሑ እዮ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ማንም ዘይበጽሖ፡ ክበጽሖ’ውን ዘይከኣሎ ክብሪ ሒዛ ብልሳን መልእኽቲ እናተመስገንት እንከላ ንሓንቲ ሰከንድ እኳ ከም ቋሕ ሰም ዓይኒ እኳ ኣይተመክሐትን። ቅዱስ ኤፍሬም “ብትሕትና እትዛረቢ እምባ” ኢሉ ዘመስገና ንቅድስት ድንግል፡ ከም እምባ ልዕል ዝበለት ክንሳ ንርእሳ ከም ዓሚቁ ስንጭሮ ኣትሒታ “ እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታ (ኣምኃ) እንታይ ኮን ይኸውን፧” ኢላ ብልባ ሓሰበት። በዚ ትሕትና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ኸኣ ኣዚና ንድነቅ። “ ኦ ድንግል ከምዚ ዘለ ናይ ምሥጋና ሰላምታ/ኣምኃ/ ከመይ ዘይግብኣኪ፡ እቲ ዝተሓረኽዮ፡ ንፈጣሪ ሰማይ ምድርን ክትወልዲ ‘ዶ ኣይኮንክን፧ ንእሳተ መለኮት ጼርኪ፡ ሰማይ ምድርን ዘይከኣልዎ ክኢልኪ፡ ከምዚ ዝበለ ኣምኃ ከመይ ዘይግብኣኪ፧ እናበለ ከኣ የመስግና። ንኣምላኽ ካብ ትጸንስ ኣትሒዛ ልዕሊ ኵሎም ፍጠረታት ዝሰርዓ ክብሪ ረኺባ እንከላ፡ ንኻልኢት እኳ ኣይተዓበየትን። ብሠለስተ መንገዲ ማለት፡ ብሓሳብ፡ በዘራርባኣን ብግብራን ትሕትናኣ ርኢና ኢና። ሰማያዊ መልኣኽ ተዓጢቁ እናኣመስገና እንከሎ፡ እዚ” ነዚ ናይ ሰላምታ ኣምኃ ከመይ ክቕበሎ፡ እኽእል፧” ኢላ ብልባ ብልባ ብምሓሳብ(ብሕሊና) ትሕትቲ(ትሕቲ) ከም ዝኾነት ኣርኣየትና። ብኣዘራርብኣ ከኣ ቅድሚ ጽንሲ ኮነ ድሕሪኡ “ እኔኹ ኣነ፡ ውርደት ባርያኡ ርእዮ እዮ እሞ “ እናበለት ንነብሳ ጸወዓታ። ቅዱስ ያሬድ ” እንዘ አመቱ እሙ ረሰያ” ከም ዝበላ፡ እግዚአብሔር ባርይኡ እንከላ ኣዲኡ ገበራ። ንሳ ኣዲኡ እንክንሳን ንርእሳ ባርያ ገበረት። ኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብትሕትናን ብፍጹም ፍቅርን ክሳብ ነምልኸካ ኣይትመንነናን ኣይትግደፍናን። መብኃሕቱኡ ትሕዝቶ እዚ ጽሑፍ ካብ ቃና-ዘገሊላ ትብል መጽሓፍ ናይ ዲ.ሄኖክ ኃይለ ብዲ.ኣዶኒያስ ብርሃን ዝተተርጎመት ኣብ ገጽ 37፡ 38፡ 39 ይርከብ። ኣከ
ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ብብጹዕ ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን ብሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ቀሲስ በረከት ኪዳነን ተሰንዮም ኣብ ሀገረ ስብከቶም ብሰላም በጺሖም። ኣብ ዋሽንተን ዲሲን ከባቢኡን ዝርከቡ ካህናትን መእምናን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም […]
ወሊድካ ፈትኖ ትበሃል ዘረባ ካብቶም ዝወለዱ እሞ ርዝነቱ ዝተረደኦም ሰባት ብዙሑ ግዜ እየ ሰሚዔያ። ጓል ሄዋን ምኻነይ እኳ ኣደ ንምዃን ኣዝየ ዝብህግ እነተ ነበረኩ፣ እዛ ጓል ሰበይቲ ትብል ጸርፊ ግና ንዉሽጠይ በሲዓ ከምዚ ኣደ ዋልሓንቲ ተራ ዘይብላ ተምስል ምዃና ፣ ምስጋና ዘይብሉ ኣደነት እንታይ ይገበረልካ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሓደ ሓደ ግዜ ዝትከል ነበርኩ። ገና ጓል […]
ሕማመይ መን እዩ ዝሓመለይ᎒ ኣብ ሕወተይ ናይ ሓዘን ድንኳን ብዙሕ ግዜ እየ ርእየ። ይዝከረኒ ኣብ ጎሮቤትና ወደን ዝተጎድአን ኣደ ፣ እቲ ናትካ ነዓይ ዘይኮነለይ እናበላ ኣምሪረን ክበኽያ ተዓዚበ። ገለ ኣንስቲ ኣብቲ ሓዘን ዝጸንሓ እንታይ ዘመኑ ኢና በጺሕና ፣ ወላዲ ንዉልዱ ዝቀብረሉ ተካል ዘመን ክብላ ምስ ሰማዕኩ፣ ኣብቲ ንኵሉ ከመዛዝን ዘይክእል ዕድመይ እሞ እዚ ናይ ቀደም […]
ፍቅሪ ጎሮባብትና በቲ ጸላም ዝወሮሶ ፣ ወርሒ ትሃደመሉ ዝነበርት ለይቲ ከውታ፣ ሓንቲ ነጥቢ ትኾውን ጩራ ብርሃን ካብ ሰማይ ሶሊኻ ዘይትርአ ዘነበረት መዓልቲ እዩ። ኣደይ ዘውዲ ምስ ጓል ጋለን ሄርሚላ፣ ሓጺን መውቀጢ ናይ ቡን ብምሓዝ፡ ነታ ሕላፍ ሰዓት ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ተኣትዉ ጓለን ክጽበያ ንግዳም ይወጻ ነበራ። ኣቦይ ተስፋይ ከም ኣመሎም ነደይ ዝወዲ ከሳሉዩ እታ […]
ንዓኻ ዘይኮንኩ ነቲ ምስኻ ዝፍጽሞ ሓጥያት’የ ዘፍቅሮን ዝናፍቆን ምስ መሓዛይ ሮዳስ ኣብ ስታር ባክስ ሻሂ ክንሰቲ ኣቲና ኣለና። ናይ ፍርቂ ዓመት መርመራ ወዲእና፡ ካብቲ ንፍተነሉ ኣዳራሽ እናወጻና ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ምስ ሮዳስ ፊተ-ፊት ትጓኒፍና። ዝምነዮን ዝሃርፎን ዝነበረኩ ምርኻብ’ዩ።ካብ ዘይንራኸብ ብዙኅ ሰለ ዝገበርና ፡ ምርኻብና ካባይ ንላዕሊ ዝብሃገቶ፡ዝሃረፈቶ ክተምስል ሮዳስ፡ ብሓንሳብ ቡን ንስተ ብምባል ኣብቲ ንመሃረሉ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ 4.ምስ ሰባት ጽቡቅ ዝምድና ምፍጣር ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ ይብለና ቅዱስ መጽሐፍ ። መንፈሳዊ ሰብ ኣኽእሎ ረኺቡ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክነብር ዓቢ ትዕድልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። ሽዑ ድሌቱ ኵሉ ተግባሩ ናይ ሰባት ጽቡቅ እምበር ሕማቅ ክርኢ ኣይደልይን እዩ። እዚ ከኣ ናብ ክብረትን ትሕትናን የብጽሖ። ውሽጣዊ […]
................................... ከም ትጽድቀኒ ፈሊጠ ሕራይ ክብለካ’የ ..................................... ማዓረይ፡ ከመይ ኣለኻለ’የ። ከም ትፈልጦ ለሚን እንተ ተጾሚቁ ፡ ለሚን ይህብ ፡ ኣራንሺ እንተ-ተጾሚቁ ኣራንሺ ይህብ።ለሚን ተጾሚቁ ኣራንሺ ኣይህብን፡ ኣራንሺ እንተ-ተጾሚቂ’ውን ለሚን ኣይህብን። ናተይ ነገር ነገርውን ካብዚ ዝፍለ ዝመለኒ ኣይኮነን ፡ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ትሕዝቶ እንተ ዝጽመቅ ነይሩ ፡ እተን ካባኻ ዝተመሃርክውን መንፈሳውን ሞራላውን ሰነምግባር ጸረር ጸረር እናበላ […]