በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱአ አሐዱ አምላክ አሜን። ኣርምሞ ኣብዚ ዓለም ብሕይወት ከለና ካብ ንሕጎሶ መዓልትታት ንላዕሊ ብሓዘን ተዓጂበና ንሕልፎ እዋናት ይበዝሕ። ነዚ ዩ ከኣ ኣበው ኣብ ዓለም ሓጎስና ከም ቛሕታ ሰም ዓይኒ እዩ ዝብሉ ። እዚ ማለት መዓልታት ሓጎስና ኣብዛ ምድሪ ኣዝየን ሓጸርቲ እየን። እናበለ እዩ ኵሉ ጊዜ ኣብ ዕላላቱ ዝጠቅስ። ዘማርያም ዓርከይ ። […]
ዓርቢ ዕለት ፲፭ ኅዳር ፳፻ወ፲ ዓ. ም. (24-11-2017 ዓ. ም. ፈ.) ምእታው ሓደ ካብ ሾብዓተ ኣጽዋማት ዝኾነ ጾመ ነቢያት እዩ። እዚ ጾም ን44 መዓልታት ተጾይሙ በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት ፳፱ (29) ታኅሣሥ ዝውዕል እዩ። ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ፡ ወታጸምም ኩሎ ፍትወታተ ዘስጋ፡ ወትሜህሮሙ ለወራዙት ጹሙና፡ ጾም ቁስሊ ናይ ነፍሲ ትፍውስ፡ድሌታት ናይ ስጋ […]
ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን ዕድመ ንንስሓ !!! “ ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ። ናይ ሰብ ኃያልነቱ (ጥንካሬኡ) ንደጋዊ ገጽታ ዝመዘን ኣይኮነን። ካብ መዓሙቕ ልቡ ዝነቐለ፣ ካብ ሓሳቡን ካብ ፈቓዱን ዝተበገሰ’ዩ እምበር። ሰብ ጌጋኡ ክሳብ ዘይኣመነ ክጣዓስ ማለት ዘበት እዩ። እዚ ከኣ ናብቲ ናይ መጀመርያ ናይ ንስሓ ደረጃ ከይበጽሕ ይዓግቶ። ናብ ንስሓ ክትበጽሕ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። “ ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ። ሓዲሽ ዓመት ክበሃል ከሎ ሓዲሽ መስከረም :ሓዲሽ መዓልቲ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ሓዲሽ ናይ ምብርባርን ምንቃሕን፡ ምጽራይ፡ ናይ ቀደም ገዲፍካ ሰብነትካ ምስትኽኻል ማለት እዩ። ኮታ ብኹለንተናኻ ኣሰረ ፍኖት እግዚአብሔር ምስዓባ፡ ነፍስኻ ብንስሓ ምጽራይ ማለት እዩ። “አእትቱ እምላዕሌክሙ ግዕዘክሙ […]
2. ክብሪ ገዛእ ርእስኻ ምድላይ፥ ኣብዚ ኣዋን እዚ ወዲ ሰብ ንኣዚያ ንእሽቶ ዕዮ'ኳ ከይተረፈ ስምን ዝናን ከትርፈላ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ናይ ፍለጡንን ረእዩንን ዘመን ምዃኑ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። "ወኩሎ ገቢረክሙ በሉ አግብርት ጽሩአን ንሕነ ( ንሕናስ ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዝግበኣና ኢና ዝገበርና በሉ) ሉቃስ 17፡10" ዝብል ናይቲ ሕያዋይ ጓሳናን ብሉጽ ኣገልጋሊና ዝኾነ […]
ሓደ እዋን ቅዱስ ኣባ መቃርስ ዓቢ፡ ኣብ በዓቶም ብጸሎት ተጸሚዶም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ ተማሃሮ ናብኦም ቀሪቡ፡ "ኣባ ኵሉ ነገር መኒነ ንክርስቶስ ከገልግሎ እንታይ ክገብር ኣሎኒ" ብምባል ሓተቶም። ኣባ መቃርስ "ዝወደይ ብሓቂ’ዶ ንክርስቶስ ኪትስዕቦ ወሲንካ ኢኻ " ብምባል ንሕቶኡ ብሕቶ መለስሉ። እቲ መንእሰይ ብዘይምምታእ "እወ ኣቦና ወሲነ ኢየ " ኢሉ መለሰ። […]
ግዜ ምንቃሕ እዩ ፡ ዚብል ድምጺ ከም መቃልሕ ኣብ እዝነይ ምስ ተደወለ ፤ ከምዘይ ሰማዕኩ ደጊመ ክድቅስ አንተ-ፈተንኩ ፣ ካብቲ መጀመሪያ ዝነበረ ድምጺ ብዝሓየለ መልክዑ፤ ግዜ ምስጋና’ዩ ፣ እዋን ጸሎት ምስ ፈጣሪኻ ትራኸበሉ ሰዓት’ዩ ፡ ንምንታይ ከ ኣብ ግዜኡ ዘይግዜኡ ኣብ እምነትካ ዝይትጸዕ ዝብል ድምጺ ደጊመ ሰማዕኩዎ “ እቲ ብተግባረይ ዚተማረረ ነብሰይ” ምኻኑ'ዩ ። ኣይጸናሕኩን […]
ነብይ ኤርምያስ “ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ከይሃነጽኩኻ ፈለጥኩኻ ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ከኣ ቀደስኩኻ” ኢሉ ኣሎ ኤር 1:4 ። ናይ መላእኽቲ ሓለቃ ዝኾነ ቅዱስ ገብርኤል ብዛዕባ ምውላድ መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ከበስር እንከሎ “ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ መንፈስ ቅዱስ ክሓድር እዩ” ኢሉ አዩ ። ሉቃ 1፡15 ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ካብ ከርሲ […]
ሓዋርያት ንክርስቶስ መን ምዃኑ መዓስ ፈሊጦሞⵗ ሰባት ሓንጎሎም ነጺጎም ፡ ብዓይኖምን ብእዝኖምሉ ብምሕሳብ ኣብ ዉሳኔ ዝበጽሑ ሕማቅ እዋን ኣለና።ቃላ ወንጌል ረጊሓሞ ቦዶ ድሌታቶም ንምርዋይ ፍረ ዘይብሉ ዘረባ ከም ዝሰምዑን ግዜኦም መስዋዕቲ ከፊሎም ተንቃሳቀሲ ስእሊ( ድራማ፡ ፊልም፡ ድርፊ ...ወቦዘተረፈ) ብምዕዛብ ታህኖም ከም ዘውጹ ዮቲብ(youtube) ሕያዉ ምስክር’ዩ። ቃላ ወንጌል ክሰምዑ ኣብ ዝህቅንሉ እዋን ትሕዝቶ ናይቲ ትምህርቲ ከይተገደሱ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ትርጉም ቤት-መቅደስ ቤተ መቅደስ ዝብል ሓረግ ናይ ክልተ ቃላት ኮይኑ ፣ ቤት ማለት መሕድሪ ፣መንበሪ፣ ስራሕ ዝስርሓሉ ፣ ጉባኤ ማኅበር ( ቤተ እስራኤል ፣ ቤተ ክርስቲያን ከምዝበሃል) ማለት ኪኸወን ከሎ፣ መቅደስ ፣- ማለት ድማ መቀደሲ ፣መመስገኒ፣ መሥዋዕተ ጸሎት መቅረቢ ማለት እዩ። ስለዚ ቤት-መቅደስ ዝብል ሓረግ ሓደ ቤተ-እግዚአብሔር […]