ክጸርፎ ኣይደለየን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።    ቃል ኣምላኽ ከም ዝነግረና ጸርፊ ኃጢኣት ኢዩ፡ ንገሃነመ እሳትውን የውርድ ኢዩ። [ማቴ 5፥22] ኣሽንኳይ ወዲ ሰብ እቶም ሰፈሮም ዝኃደጉ መላእኽቲ ብዝገበርዎ ዓመጽን ክሕደትን፡ ጸርፍን ጥልመትን ዓስቢ ክፍኣቶም ምእንቲ ክረኽቡ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ ኣዳልይሎም ኣሎ። [ይሁ ቁ 6] እቶም ዝዛረብዎ ዘይፈልጡ፡ ብሕልሚ ተገሊጽልና ኢዩ እናበሉ ንሰብነቶም ዘርክሱ፡ […]

Continue reading

እዛ ዓለም ብከባባ፣ ብገፋሓ ፣መዓስ ኣኺላ ጸቢባ። እቲ ሰማይ ሓዛሊ ደመና ምስ ጠሊ፣ እታ ምድሪ ኣፍራይት ኩሉ ተኽሊ ምስ ወይኒ።ሰማይን ምድርን መዓስ ንኣመሎም ይዋሱኡ ኮይኖም ፣ ምስ ፈጣሪኦ እንተ ዘይተቃድዮም። ክልቲኦም ሓለፍቲ ድሕሪ ምጽኣት ዘይነበርቲ። ኣይክሰሱ፣ ኣይሕረሱ፣ ኣይኩለሉ፣ ንዘልኣለም ኣይጽገቡ። ንዓለም ዝፈጠራ ብከባባ፣ ብኹሉ ዘወቀባ ዘልመዓ ብጽገረዳ ፣ማያት ከፋፊሉ ደመና ሰሪዑ፣ ብፍጡራት ዘማዕረጋ። ብርሃን ንበይኑ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ   4.ምስ ሰባት ጽቡቅ ዝምድና ምፍጣር ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ ይብለና ቅዱስ መጽሐፍ ። መንፈሳዊ ሰብ ኣኽእሎ ረኺቡ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክነብር ዓቢ ትዕድልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ  እዩ። ሽዑ ድሌቱ ኵሉ ተግባሩ ናይ ሰባት ጽቡቅ እምበር ሕማቅ ክርኢ ኣይደልይን እዩ። እዚ ከኣ ናብ ክብረትን ትሕትናን የብጽሖ። ውሽጣዊ […]

Continue reading

ክስሕቅ ‘ዶ ይሕሸኒ ክሓዝን

ክዋዘ ‘ዶ ይሕሸኒ ክሓዝን እቶም ትፈትውኒ ጻላኢኺ ይሕዘን ኣፍኪ ብሰሓቅ ይምላእ ከም ትብሉኒ ይኣመን እየ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝበደልኩኹም እሞ ቂም በቀል ዝሓዝኩሙለይ  ድማ  ሕይወትኪ ብሓዘን ይምላእ ወይ ባዕልኺ ፍለጢ ትብሉ ትኾኑ  መን ይፈልጥ። ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሰባት ብፍላይ ምስ ይዕሩኽተይን መሓዙተይን ክዕልል ከለኹ ብዋዛ እናቀልድኩ ሓጎስን ደስታን ንነብስይ ክምእርረላ ይደሊ። ሰሓቅን […]

Continue reading

ግዜ ምንቃሕ እዩ ፡ ዚብል ድምጺ ከም መቃልሕ ኣብ እዝነይ ምስ ተደወለ ፤ ከምዘይ ሰማዕኩ  ደጊመ ክድቅስ አንተ-ፈተንኩ ፣ ካብቲ መጀመሪያ ዝነበረ ድምጺ ብዝሓየለ  መልክዑ፤ ግዜ ምስጋና’ዩ ፣ እዋን ጸሎት ምስ ፈጣሪኻ ትራኸበሉ ሰዓት’ዩ ፡ ንምንታይ ከ ኣብ ግዜኡ ዘይግዜኡ ኣብ እምነትካ ዝይትጸዕ ዝብል ድምጺ ደጊመ ሰማዕኩዎ “ እቲ ብተግባረይ ዚተማረረ ነብሰይ” ምኻኑ'ዩ ። ኣይጸናሕኩን […]

Continue reading

እግዚአብሔር መደምደምታ ክገብረልና ስዝለ ዝፈተወ፣ ንሓድነትና ድማ ስለ ዝበሃገ፣ እቲ ኣብ ደምቤና ዝሰርሖን ዝሃንጾን ዘሎ ክብሪ ብዙሕ እዩ። መቐጸልታ ናይቲ ወትሩ መደምደምታ ንኽረኽብ እንምነዮ ዝነበርና ንሓድነት ቤተ-ክርስትያንና ዝቕውድ ድርዒ ሰላም ከልብሰና ለሚንናዮስ፣ ንመጻኢና ዘበስር ኣንፊ ብርሃን ዝሓዘ ሓድሽ ናይ ዕርቕን ሰላምን ታሪኽ ሰሪቱልና ይርከብ። እዚ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ተጻብኦን መንቀኝነት ኣጽራረ ቤተ-ክርስትያንን ዝከናወን ዘሎ ጻዕሪ፣ […]

Continue reading