በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን፡፡ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-በዓቢይ ኀይል ወሥልጣን፤  ኣሰሮ ለሰይጣን-ኣግዐዞ ለአዳም፤ ሰላም- እምይእዜሰ፤ ኮነ-ፍሥሐ ወሰላም፡፡   ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበምድር ወለዘበሰማያት። ቈላ.፩፡፳።   ብእኡ ብደመ መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ። ቈላስ.1፣20።እግዚአብሔር ኣምላኽና ነታ “ሰሙነ ፍሥሐ” እተሰምየት ሰሙነ ሕማማት “ያፈጽመነ ዛተ ሰሙነ በዳኅናወበሰላም፡ ወያርእየነ ብርሃነ ትንሣኤሁ በፍሥሐ ወበሐሴት” ኢልና ከም ዝለመንናዮ፡ ነዛ ሰሙን ብሰላምኣፈጺሙ፡ ናብዚ ዓቢይን ክቡርን በዓል ትንሣኤኡ ስለ ዘብጽሓና ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን፡፡ ጐይታናንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ንኣዳምን ንደቁን ከም ዜድኅኖም ዚሃቦ ተስፋ ድኅነት ንኽፍጽም፡ፍቕርና ስሒብዎ ሥጋ ድሕሪ ምልባሱ፡ እተን ኣብ መወዳእታ ዝፈጸመን ናይ ድኅነት ሥራሓት፡ ስቕለቱንትንሣኤኡን እየን፡፡ ብስቕለቱ ንጹህ ዝኾነ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ንዓና ካብ ኩሉ ኃጢኣትና ኣንጽሃና፡፡ በቲ ካብ ጎኑ ዝፈሰሰማይ ከኣ ዳግማይ ወለደና፡፡ ብመስቀሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ርደተ መቃብር ርደተ ሲኦል ዘስዕብ ዝነበረ፡ ብጌጋ ናይቲቀዳማይ ሰብ አዳም ዝመጸና ናይ ሞት መርገም ስዒሩ፡ ንሞት ኃይሉን መውግኢኡን መንዚዑ፡ ናብ ገነት (መንግሥተሰማያት) መእተዊ፡ ብእኡ ኣቢልና’ውን ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንኸደሉ መንገዲ ገበሮ፡፡ ብኣካለሥጋ ናብ መቓብር ምስ ኣውረድዎ’ውን፡ ነቶም ንሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዘመናት ኣብ ትሕቲ ባርነትዲያብሎስ፡ ኣብ ሲኦል ብእግሪ ኣጋንንቲ ይርገጹ ንዝነበሩ ነፍሳት፡ መለኮት ብዘይተፈለያ ነፍሱ ናብ ሲኦል ወሪዱግእዛን (ሓርነት) ሰበኸሎም፡፡ 1ይጴጥ 3፡19። ካብ ሲኦል ናብ ገነት ኣሳገሮም፡፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ንሓዋርያትነጊርዎም ዝነበረ ድማ፡ መግነዝ ፍትሑለይ፡ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ንሞት ስዒሩ ተንሥአ፡፡ እዚ በዓል እቲ ክሰዓርዝነበሮ ኃያልን ናይ መወዳእታን ጸላኢና ሞት ዝተሳዕረሉ በዓል እዩ፡፡ ዕብ 2፡14-16።  ሕጂ ግና እቲ ኣዝዩ ዝፍራሕ ዝነበረ ሞት፡ ከምቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝበሎ “ክርስቲያናት ዝረግጽዎ፡ ስኑ ዝረገፈ፡ኃይሉ ዝደኸመ ኣንበሳ” ኮይኑ እዩ፡፡ ስለዚ ሞት፡ ሰማእታት ምእንቲ ስሙ እናመስከሩ ብጥብዓት ዝቕበልዎ፡ ጻድቃንከኣ ብወለንታኦም ናብ ኣምላኾም ኪኸዱሉ ዝምነይዎ መሕለፊ (ፋሲካ) ኮነ፡፡ ብእብራይስጥ ‘ፋሲካ’ ማለት- ‘ምሕላፍ’ ማለት እዩ፡፡ ብግእዙ’ውን፡ “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት ብሂል፡ በዘቦቱ ዓዶነ እሞት ውስተ ሕይወት-ፋሲካማለት ምስጋር፡ ምሕላፍ ማለት እዩ፡ ብኡኡ ኸኣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገርና ” እዩ ዝብል፡፡ ኣብ ብሉይ ኪዳንእስራኤላውያን፡ ሞተ በኵርን መግዛእቲ ግብጽን ካብ ነፍሶም ንኽሓልፈሎም፡ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ዘብዓልዎበዓል እዩ፡፡ ኣምላኽ ብብርቱዕ ቅልጽምን ብኃያል ኢድን፡ ካብ መግዛእቲ ግብጺ ኬናግፎም ምስ ፈተወ፡ አብ ምድሪግብጺ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ተኣምር፡ ንበዅሪ ግብጻውያን ምውቃዕ ነበረ፡፡ እዚ ንበዅሪ ኩሉ ፍጥረት ዚቐትልናይ ሞት መንፈስ ከይትንከፎም ምእንቲ ኪሓልፍ፡ ሓደ ገንሸል ወሲዶም ኪሓርዱን ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ልዳትቤቶምን ክልቲኡ ቀዋምን ኪለኽይዎ፡ ነቲ ሥጋ እቲ ገንሸል ከኣ ብማይ ዝበሰለ ወይ ዝሕላ ዘይኮነ ጠቢሶምኪበልዕዎ፡ ሕቖኦም ተዓጢቖም፡ ክዳኖም ተኸዲኖም፡ ሳእኖም መሊሶም፡ ኣባትሮም ሒዞም እናተሃወኹንኺበልዕዎ ድማ ሥርዓት ተዋሂብዎም ነበረ፡፡ ነዚ ምስ ገበሩ ኸኣ እቲ ናይ ሞት መንፈስ ነቲ ደም እናረኣየ ሓሊፉኸደ፡ ፋሲካ ኰነ፡፡ እዚ ሥርዓት እዚ ንግዚኡ እስራኤላውያን ካብ ምድረ ግብጽ ብኸመይ ከም ዝወጹ ምእንቲክዝክርዎን፡ ደቆምን ደቂ ደቆምን ‹ንምንታይ ኢና ብኸምዚ ዝበለ ሥርዓት እነብዕሎ› ኢሎም ምስ ሓተትዎም በቲሥርዓት ጌሮም ነቲ ዝነበረ ኩነታትን ዜደንቕ ግብሪ ኣምላኽን ምእንቲ ኬዘንትዉሎምን እዩ፡፡ ዘጸ. 12፡1-ፍ.ም። እዚኩሉ ግና ነቲ ኣማናዊ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ ዝነበረ፡፡ ገለ ካብኡ እንተረኣና እኳ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸልናይቲ ብዛዕባ ኃጢኣት መኽሰሲ ዘይተረኽቦ፡ ንጹሃ ባህርይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ፡፡ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ ተታሒዙ ኣብመበል አሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሕራዱ፡ ናይ ጐይታ ምኽሪ ሞቱ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ(ሰኑይ) ጀሚሩ ዓርቢ ከምዝተፈጸመ ምሳሌ እዩ፡፡ ኪመሲ ከሎ ይሕረድዎ ዝበለ፡ ጐይታ ኣብ ጊዜ ሠርክ ከም ዝሞተ ኬረድእ ከሎ እዩ፡፡ ነቲልዳት ምልካዮም ንግዚኡ፡ ንእኡ እናረኣየ መቅሰፍት ምእንቲ ኪርሕቀሎም እዩ፡፡ ፍጻሜኡ ግና ሎሚ ሥግኡንደሙን ንዝቕበሉ ምእመናን ኣጋንንቲ ከም ዘይቀርብዎም ምሳሌ እዩ፡፡ ሳእንኹም ኣብ እግርኹም ጌርኩም ማለትግብሪ ወንጌል እናሠራሕኩም፡ ሕቖኹም ተዓጢቕኩም ማለት ንጽህናኹም ሓሊኹም፡ ኣባትርኩም ሒዝኩምማለት ነገረ መስቀሉ እናሓሰብኩም፡ እናተሃወኽኩም ብልዕዎ ማለት ከኣ ንግዚኡ መንገደኛታት ስለዝኾኑንፍጻሜኡ ግና ዕለተ ሞት፡ መቓብር ኣሎ እናበልኩም ንበሩ ክብል ከሎ እዩ፡፡ “አብድ ውእቱ ዘይሔሊ ዘእንበለመቃብሩ ዘውእቱ ርስቱ፣ ካብታ ርስቱ ዝኾነት መቓብሩ ካልእ ዝሓስብ ዓሻ እዩ።” ከም ዝበለ ኣረጋዊ መንፈሳዊ፡፡ዐጽሙ ኣይትስበሩ ማለቱ ብዕለት ዓርቢ ናይቶም ክልተ ፈያት መሓዅልቶም ክስበር ከሎ፡ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ግና ‹ ኢሰበሩ ቍይጾ › ከም ዝበለ ዓጽሙ ከም ዘይተሰብረ ምሳሌ እዩ፡፡ ዮሓ. 19፡33። ደራሲ ናይ መልክአኢየሱስ ከም ዝበሎ “በዓለ ትንሣኤ ፋሲካነ ዝንቱ፡ እስመ ሥርዓቱ ለእስራኤል ውእቱ።”  እቲ ናይ እስራኤላውያንፋሲካ፡ ናትና ናይ ትንሣኤ በዓልና እዩ፡፡ ብትንሣኤ መርገምን ሞትን፡ ኃጢኣትን ሲኦልን ስለ ዝሓለፈልና ትንሣኤፋሲካና እዩ፡፡ ፋሲካ ብትርጉሙን ብምሳሌኡን ንትንሣኤ ስለ ዜርኢ ኸኣ፡ ንትንሣኤ ፋሲካ እናበልና ነብዕሎ ኣሎና፡፡ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ ቅዱስ ዲሜጥሮስ ባህረ ሓሳብ ዝሠርዕ ድማ፡ (ከባቢ 280 ዓ.ም.) ኩሎምክርስቲያናት ንበዓለ ትንሣኤ ኣብ ዕለት ፋሲካ ኣይሁድ፡ ወይ ከኣ ኣብታ ድሕሪኣ እትውዕል ሰንበተ ክርስቲያን (እሁድ) የብዕልዎ ነበሩ፡፡ ብድሕሪኡ ግና ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት እተሰማምዓሉ፡ ኣብ መንበረ ዲሜጥሮስ ዝተሰየመ ናይእስክንድርያ ፓትርያርክ፡ ናይ በዓል ደብዳበ (Festal Letter) ናብ ኩሉ ኪሰድድ እሞ ብሓደ ኬብዕላኦ ናይ ነዊሕ ዘመንልምዲ ነበረ፡፡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ካብ መስቀል ኣውሪዶም፡ኣብ ሓዲሽ መቓብር ምስ ቀበርዎ፡ ኣይሁድ “ ክትንሥእ እየ ብል ነይሩ እዩ እሞ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲመጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ዝገደደ ስሕተት ከይኸውን፡ እቲ መቓብር ንሠለስተ መዓልቲ ብጽኑዕ ይተሓሎ።” ኢሎምንጲላጦስ ነጊሮም፡ ነቲ መቓብር ማኅተም ገበሩሉ፡ ብብዙሕ ሠራዊት’ውን ከም ዝሕሎ ገበሩ፡፡ ጐይታ ግና ካብመስቀሉ፡ ብኣካለ ነፍስ ናብ ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ ነቶም ኣብ ሲኦል ብሃረርታ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ነፍሳት “ሰላምለኩልክሙ” ኢሉ ናይ ሓርነት ብሥራት ኣወጀሎም፡፡ “እመስቀሉ ወሪዶ ውስተ ሲኦል ሙቁሓነ ፈትሐ፡ ሰበከ ሎሙግዕዛነ” ከም ዝበለ ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ፡፡ “ዐረገ ውስተ ኣርያም ጼዊወከ ጼዋ ። ነቶም ምሩኻት ማሪኽካ ናብኣርያም ደየብካ። ” ንዝብል ትንቢት ዝፈጸመ ጐይታ፡ ንሲኦል ጥራሓ ኣትሪፉ፡ ነቶም ነፍሳት ናብ ገነት ኣእተዎም፡፡ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ናይ ትንሣኤ ትምህርቱ (Paschal Sermon) “ሲኦል ተሳዒራ እያ እሞ ብርቱዕ ሓዘንሓዘነት፡ ሲኦል ተዋሪዳ እያ እሞ ሓዘነት፡ ሲኦል ጥራሓ ተሪፋ እያ እሞ ሓዘነት፡ ሲኦል ተደርቢያ እያ እሞ ሓዘነት፡ሲኦል ብመቝሕ ተኣሲራ እያ እሞ ሓዘነት፡፡ ንሳ ንሥጋ ዝወሰደት መሲልዋ ምስ ኣምላኽ ፊት ንፊት ተራኸበት፡ምድራዊ ናብኣ ዝኣተወ መሰላ ንሱ ግና ሰማያዊ ኮይኑ ጸንሓ፡ ነቲ ዝረአ ወሲዳ ኣብ ኢድ እቲ ዘይርአ ወደቐት፡፡” በለ፡፡ጐይታ ነዚ ዕዮኡ ምስ ወድአ፡ ከምቲ ብትንቢትን ብምሳሌን ዝተነግረሉ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ብኃይሊ ሥልጣኑተንሥአ፡፡ ነዚ’ውን ኣቐዲሙ “ኣነ ንነፍሰይ በጃ ከሕልፋ፡ መሊሰ’ውን ክወስዳ እየ… ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋእምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን፡፡ በጃ ከሕልፋ ሥልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ክወስዳ’ውን ሥልጣን ኣሎኒ፡፡” ኢሉ ከምዝተዛረበ፡ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዝጸቐጥዎ እምንን ዝሓተምዎ ማሕተምን ከይሓዞ፡ ከምቲስኻር ዝሓደጎ ኃያል ሰብን፡ ከም ካብ ድቃስ ምብርባርን ተንሥአ፡፡  ዮሓ. 10፡17-18። መዝ,77-65 ) ሞት ከምቶምቀዳሞት ሰባት ንዕኡ’ውን ኪሕዞ ሓሰበ፡፡ ንሱ ግና ብፍቓዱ ደኣ እምበር፡ ሞት ኪሕዞ ዘይክእል ኃያል ኣምላኽስለዝኾነ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ፡ ንሞት ቀቲሉ ተንሥአ፡፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው “ወበከመከይሲ ዘኮነ ያመልክዎ ሰብአ ባቢሎን ሶበ ውህጠ መብልዐ ዘመጠዎ ነቢይ ተሠጥቀ እማእከሉ፡ ከማሁ ተሰጥቀሞት ሶበ ውህጠ ሥጋሁ ለእግዚእ፥ ወሶበ ውህጠ ውእተ ሥጋ ቅዱሰ ሠጠቀ ከርሶ ወተንሥአ እሙታን ሕያወ።” “ከምቲ ሰብ ባቢሎን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ኣራዊት፡ ነቲ እቲ ነቢይ (ዳንኤል) ዝሃቦ መብልዕ ምስ ወሓጦ ካብ ማእከሉዝተጨደ፤ ከምኡ ሞት’ውን ናይ ጐይታ ሥጋ ምስ ወሓጠ፡ ነቲ ቅዱስ ሥጋ ምስ ወሓጦ፡ ከብዱ ጨደዶ፡ ካብ ሙታንድማ ህያው ኮይኑ ተንሥአ” ብምባል ጐይታ ንሞት ከመይ ከምዝሰዓሮ ይገልጽ፡፡ (ሃ.አ. ፷፯፡፲፰)  ምትንሥኡ ኸኣ ከምቲ ኣብ መልክአ ኢየሱስ “ዐቀብተ መቃብር ኣዕላፍ እንበለ ይስምዑ ቀርነ ጽዋዔ” ዝተባህለ፡ብሕቱም ደንግልና ከም ዝተወልደ ካብ ሕቱም መቓብር እዩ፡፡ እቲ ነቶም ሓለውቲ ከም ምውታት ዘውደቖምንራዕራዕ ዘበሎምን “ዐቢይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ግና፡ እቲ መልኣኽ ኪወርድ ከሎ ደኣ እምበር ጐይታ ኪትንሥእ ከሎምዃኑ ኣይንረክብን ኢና፡፡ እቲ ብዛዕባኡ እተነግረ “ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር፡ እሬሲ መድኅኒተ ወአግህድቦቱ።”፡ “ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ጸሩ።” ወዘተ ዝብል ትንቢታት ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ተፈጸመ፡፡ እቲሰማያትን ምድርን ኪጾርዎ ዘይከኣሎም ኣምላኽ፡ ኣብ ከርሠ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ሓዲሩተንሥአ፡፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከም ዚትንሥእ ብትንቢት፡ “ወበሠሉስ መዋዕል ይሤርየነ ወያሐይወነ-ብሳልሰይቲመዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና እዩ፡፡ ኣብ ቅድሚኡ’ውን ብሕይወት ክንነብር ኢና።” ሆሴ. 6፡1-2። ተባሂሉ ተነጊሩ ነበረ፡፡ምሳሌኡ ኸኣ፡ አብርሃም ንይስሓቅ ብሕሊናኡ ምስ ሠውኦ፡ ኣብ ሣልቲይ መዓልቲ ሕያው ኮይኑ እዩ፡፡ ከምቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝተዛረቦ’ውን “ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓቢይ ዓሳ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትንከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን” ገይሩ እዩ፡፡ ዘፍ.22፡2.4.12። ት.ዮና.2፡1 ማቴ. 12፡40።  ሠለስተ መዓልቲ ናይ ምዃኑ ምሥጢር ከኣ፡ ጐይታና […]

Continue reading

ጾመ ነነዌ

በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11። ካብ ሰኑይ የካቲት 15 ስጋብ የካቲት 17 (Monday, February 22- February 24) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ።  ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና።  ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነመሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ  ትርከብ ከተማ ምዃናይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ.10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብኃል። ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋትን ኃጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱርህራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ሃገረ ኣህዛብ ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ። ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ  ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኰነ ድኅነትካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን  ኣዝማዱን  ክርገም  ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽውን ኣብ ዘመነ ሓዲስኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ […]

Continue reading

ጾመ ሐዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቋዕ ኣብጸሓና! ቅድሚ ኵሉ ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝረኸብናዮ ጸጋን ሕይወትን ብሓጐስ ንዝክረለን ፶ መዓልትታት ኣኅሊፍና ጽባሕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ናብ ዝኣቱ ጾመ ሐዋርያት ብምሕረቱ ኣብጸሓና፤ ኣብጸሓኩም። ከምቲ ኣቦታትና ብዘለዋ ሰማያዊ ጸጋ፡ ረብሓ ጾም ኣጸቢቖም ስለዝፈልጥዋ ብናፍቖት እዮም ዝጽበይዋ። ንሕና’ውን ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘኪርና፡ ኣብዚ እዋን ጾም ምብጻሕና […]

Continue reading

እናረኣይዎ ዐረገ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!  እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደመና ተቐበለቶ። ግ.ሓዋ. 1:9 ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መበል 40 መዓልቲ ዘላ ሓሙስ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብምዝካር እትኽበር በዓል ኢያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ሞት ስዒሩ ድሕሪ ምትንሥኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ን40 መዓልቲ ጸኒሑ። ኣብ መበል 40 መዓልቱ ከኣ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ዕርገት ጐይታና […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ። ኢያቄምን ሃናን ወሊዶም ሰማይ፡ ሰማዮም ድማ ወለደት ፀሓይ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ግንቦት ሓደ ተወሊዳ። ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብፍቓደ ኣምላክ ብብሥራተ መልኣክ ካብ ዝተጸንሰትሉ ዕለት ጀሚራ ፣ ገና ኣብ ማኅጸን ኣዲኣ ከላ ብዝሕ ተኣምራት ዝገብረት እያ።  ድምጸ […]

Continue reading

ዳግማይ ትንሣኤ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ይትፌሣሕ  ምስባክ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን                ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65  ዓዲ. ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24።  ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ  ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22።   በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ኣብዚ ዕለት  ሰንበት ትንሣኤ  ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያትብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ << ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን >> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም  ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።    ይ.ካ.  ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን- ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ ይ.ሕ. በዓብይ ኃይል ወስልጣን- ብዓብይ ሓይልን ስልጣንን ይ.ካ.  አሰሮ ለሰይጣን-ንሰይጣን ኣሰሮ ይ.ሕ.  አግኣዞ ለአዳም-ንኣዳም ኣግዒዙዎ ይ.ካ.  ሰላም-ሰላም ይ.ሕ.  እምይእዜሰ-ካብ ሎሚ ንደሓር ይ.ካ.  ኰነ-ኮነ ይ.ሕ.  ፍስኃ ወሰላም-ሓጎስን ደስታን።   ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ወንጌል ኣብ ናይ መጀመርያ ምዕራፉ ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “ሕይወት ኣብኡ ነበረት፥እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት” ዮሓ.1:4 ብምባል እታ ናይ ኩሉ ሕይወት ብርሃን ኣብቲ ናይ ትንሣኤና ተስፋ፥ ናይ እምነትና ምንጪ፥ ናይህላዌና መሠረት፥ ናይ ክርስትናና መሥራቲ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝነበረት  ንሳ ድማ ጸልማት ከም ዘይሰዓራ ይዛረብ። ኣብ መንጎ ኣይሁድዝተገልጸ ኢየሱስ ዝተባህለ ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን መተዓረቒ ገንሸል ኮይኑ ክስዋእ ዝቐረበ ኣምላኽ ብኣይሁድ ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን።ከምቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ “ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ግን ኣይተቐበሉዎንን”።ዮሓ. 1:11። ብምባል ከም ዝጸሓፈልና ኣይሁድስለዝተቃረንዎ ክቀትልዎ ሓሰቡ፥ ሓሲቦም እውን ኣይተረፉን ነቲ ናይ ህይወት ምንጪ ዝኾነ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ሸፋቱሰቐልዎ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ  “እንተዝፈልጥዎስ ነቲ ጐይታ ክብሪ ኣይምሰቐሉዎን ነይሮም”።1ይ ቆሮ 2፡8። ነቲ ህይወትን ናይ ህይወትወሃቢን ዝኾነ ጐይታ ኣብ መንጎ ሸፋቱ ሰቀልዎ።    ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ ነብያት ኰነ ድሕሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጹ ሓዋርያት ንሙታን ህይወት ክኅቡ ከለዉ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጽላይን ብምልማንን ነበረ።  ኤልሳዕ ንወዲ እታ ሹማናዊት ሰበይቲ ካብ ሞት ዘተንሥኦ ብጸሎት እዩ። “ናብታ ቤት ንበይኑ ኣትዩ ከኣነቲ ማዕጾ ሸጎሮ፥ ናብ እግዚአብሔር ከኣ ጸለየ።” 2ይ.ነገ 4:33። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ከምዚ ኣይነበረን፡ ከም በዓል ሥልጣን ድማ ይምህሮምነበረ ኢሉ ከም ዝተጻሕፈ ሞት’ውን ኣብ ትሕቲ ሥልጣኑ ስለዝኾነ  ንወዲ እታ መበለት ካብ ሞት ከተንሥኦ ከሎ “ኣታ ጎበዝ ተንሥእ እብለካ ኣለኹ።” ሉቃ 7፡14-15።  ኢዩ ዝበለ፡ ብተመሳሳሊ ናይ ጓል ኢያኢሮስ ማር 5፡41-42።  ኮነ ናይ ኣልኣዛር  ዮሓ. 11፡ 43-44። ትንሳኤ ከምዚ ብኃይሊ ሥልጣንመለኮቱ ነበረ ከመይሲ ንሱ ወኃቤ ህይወት ስለዝኾነ።ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞትን ህይወትን ሥልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ኢዩ። ኣይሁድ ነዚ ኢዮምዘየስተውዓሉሉ፡ ከምቶም ዝቐተሉዎም ነብያት ከምቶም ዘሳጎጉዎም መምህራን ሞይቱ ዝተርፍ፡ ተቐቢሩ ብድሕሪኡ ዘይዝከር፣ ንሳቶም ድማዘይናወጹሉ ነገር ክፈጥሩ ነበረ እቲ ጻዕሪ፡ እንተኾነ ግና መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ብነብያት ከም እኒ ቅዱስ ዳዊት “ሽዑእግዚአብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ዀይኑ ተንሥአ” መዝ 78፡65። እቲ ወኃቢ ህይወትህይወትና ክመልስ ህይወቱ ኣብ መስቀል ዘወፈየ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኣብ ልዕሊ መቓብር ዝነግሥ ጅግና እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወት እዩ፦ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ “ህይወት ኣብኡ ነበረት፥ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ                      ነበረት” ዮሓ 1:4። ኢሉ ከም ዝጸሓፈልና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወትና ኢዩ። ነዚ’ዩ ከኣ ነታ ሓዋ ሞይቱዋ ኣብ ሓዘን ዝነበረት ማርታ ብዛዕባ ትንሳኤናይ ኣልኣዛር ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ቃላት ምልልስ “ትንሣኤን ህይወትን ኣነ ኢየ፡እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተሞተ እኳ ብህይወት ክነብር ኢዩ።” ዮሓ.11፡25። ዝበላ። ነዚ ብምምልካት ቅዱስ ኤፍሬም ክዛረብ ከሎ “ናትና ሞት ወሲዱ ናቱ ህይወት ኃበና፡ንዕዑ ክብርን ምስጋናን ይኹን።”ዝበለውዳሴ ማርያም  ነቶም ናይ መምህሮም ካብኣቶም ከም ዝፍለ ምስማዕ  ኣጨኒቕዎም ብሕቶ ተዋጢሮም ዝነበሩ ደቂ መዛሙር ክምልሰሎም ከሎ“መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ”ዮሓ 14፡6። ብምባል ናይ ህይወትና ምንጭን ናይ ምንባርና መንገዲን ንሱ ምዃኑ ዘብርኃሎም። ከኣሊ ኩሉ ዝዀነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ሲዒሩ ምትንሥኡ ንዓና ብክርስቶስ […]

Continue reading

ዓርቢ ስቕለት

ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ምስ ሞተ ኣብ ሰማይ 3 ኣብ ምድሪ 4 ዝተፈጸማ ሽውዓተ ተኣምራት 1. ፀሐይ ብርሃና ከልኪላ 2. ወርሒ ደም ኮይና 3. ከዋክብቲ ናብ ምድሪ ወዲቆም 4. ናይ ቤተመቅድስ መጋረጃ ኣብ ክልተ ተተርተረ 5. ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ 6. መቃብራት ተከፍቱ 7. ብዙሓት ካብ ምውታተ ተንስኡ /ማቴ 27፣45-54 ,ሉቃስ 23፣44-48/ ጐይታ ኢየሱስ […]

Continue reading

ሆሣዕና

ምስባክ እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ። በእንተ ጸላኢ ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ። ነቲ ጸላእን ገፋዒን ስቕ ከተብሎ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ። መዝ.1- 2 (8-2)    ወንጌል ዮሓ፣5፣11-31።      ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ         እብ.9፣11-ፍጻሜ       1ይጴጥ.4፣1-12 ቅዳሴ. ዘጎርጎርዮስ ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ነዛ ዝተመስገነላ ዑደተ ሆሳዕናኡ ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን። እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለትማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብ ዋዜምኡ ጀሚሩ “ሆሳዕና በአርያም” ብምባል ስም ሆሳዕና ደጋጊሙ እናጠቐሰጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብህጻናትን ኣዕሩግን እንተላይ ብኣእማን ከይተረፈ እናተመስገነን እናተወደሰን ኣብ ኣድጊተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታዉ ንምዝካር ዝተወፈየት መዓልቲ እያ። ዝርዝር ናይቲ ታሪኽ ድማ ኣብ ኵሎም ወንጌላውያንተመዝጊቡ ይርከብ። (ማቴ ፳፩፥፩-፲፯ ማር ፲፩፥፩-፲ ሉቃ ፲፱፥፳፱-፴፰ ዮሓ ፲፪፥፲፪-፲፭) እዞም ንባባት ድማ ንፍጻሜ ናይቲ ኣብትንቢት ብዛዕባ’ዛ ዕለት ዝተነግረ’ውን ብጐይታ ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ እዩ። (ዘካ ፱፥፱ ካልኣይ ነገ ፱፥፲፫ መዝ ፻፲፯፥፳፭-፳፮ ኢሳ፶፮፥፯ ኤር ፯፥፲፪ መዝ ፰፥፪) ኣብዚ ዕለት ዝግበር ጸሎትን ቅዳሴን ካብቲ ካልእ ፍሉይ ኣቀራርባን ንውሓት ዘለዎን እዩ። ጐይታ ኣብኣድግን ዒሉን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝኣተወ ንምርኣይ ድማ ብዝምስጥን ዝረአን ሥርዓት እዩ እቲ ቅዳሴ ዝጅምር።  ኣብዚ ዕለት ሕጻናትን ኣዕሩግን ዝዘምርዎ መዝሙር ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእናኣብ ኣርያም” ዝብል ነበረ። እዚ መዝሙር ዓሚቕ ምሥጢር ዝሓዘለ እዩ። ሆሳዕና ማለት መድኃኒት ወይውን ሕጂ ኣድኅን ከም ማለትእዩ። ነቢያት ብመነጽረ መንፈስ፡ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱን ፍጹም ሰብ ኮይኑን ኣብ ሞንጎ ሕዝቡ ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ተግባራትገሊጾም እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ሥጋዌኡን ሰብ ኮይኑ ዝፍጽሞም ተግባራትን ኣስፊሑን ኣምሊኡን ዝገለጸሉ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዚመንክር ዕለት ተነብዩላ ነይሩ። “ኦ እግዚኦ አድኅንሶ” (ኦ ጐይታ ኣድኅን ኮታ) (መዝ ፻፲፯(፰)፥፳፭) ክብል ነዛ ቃል ገሊጽዋ ነበረ።ብህጻናት’ውን ከምዝምስገን ኣቐዲሙ ተነብዩ ነበረ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ እዛ ዕለት ብዙኅ ትንቢት ተነብዩላ ነበረ። ኣርያምማለት ከኣ መኅደር እግዚአብሔር ንዝኾነ ሰማይ ዘመልክት ኮይኑ ሆሳዕና በአርያም ክብል ከሎ ኣብ ሰማይ እትነብር እግዚአብሔርሕጂ ኣድኅን ዝብል ትርጕም ዘለዎ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ሕዝቢ እናመስገኑ ጸሎት ዝሓዘለ መዝሙር ናብ ጐይታ የቕርቡነበሩ። ናይ ሥጋን ነፍስን ልማኖ ዝሓዘለ ድማ እዩ። ንጊዜኡ ካብ መግዛእቲ ሮማውያን ናጻ ከውጽኦም ልማናኦም ምቕራቦም ኮይኑፍጻሜኡ ግና ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ክገብሮም ንዘመናት ኣቦታቶም ንዝለመንዎ ልማኖ ሰሚዑ ኣብ መዓልቱ ነዚ ክፍጽምዝመጸ ምዃኑ ዘዘካኽር እዩ።   ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ሠለስተ ዓመት ተዘዋዊሩ ኣብ እስራኤል ድኅሪ ምስትምሃሩን ሕገ ወንጌልምሥርዑን ናብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ጥቓ ደብረዘይት ናብ ዝተደኰነት ቤት ፋጌ ንሓዋርያቱ ልኢኾዎም። ከምቲዝበሎም ድማ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ተኣሲራ ከምዝጸንሓቶምን ክፈትሕዋ ንዝረኣይዎምን ንዝሓተትዎምን ድማ ጐይታ ከምዝደልያከምዝነገርዎምን ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ትንቢት ክፍጸም ድማ እቲ ለዋህ ጐይታ ኣብ ኣድግን ዒሉኣን ተጻዒኑ ብኽብሪ ናብኢየሩሳሌም ኣተወ። ክኣትው ከሎ ድማ ሓዋርያት ክዳውንቶም ጠይቂ ከምዝገበሩን ንሱ ድማ ከምዝተወጠሐን እቶም ሕዝቢ ድማክዳውንቶም ኣብ መንገዲ እናንጸፉ ካልኦት ድማ ኣእዋም ስየ እናሰልዑ ኣብ መገዲ ይንስንሱሉ ነበሩ። ኵሎም ድማ ብዓቢይ ክብሪብቕድሚትን ብድኅሪትን ተሰሊፎምን ዓው ኢሎም እናመስገኑ ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ይብሉ ነበሩ። ናብታ ቅድስቲ ከተማን ቤት ጸሎት እተሰመት ቤተ መቕደሱን ድማ ብምስጋና ኣተወ። እዚ በቲ ሕዝቢ ዝተወፈየ ድንቂ ምስጋናንክብርን ግና ነቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍት ፈሪሳውያንን ባህ ኣየበሎምን። ተበሳጪዮም ድማ ክቃወምዎ ተራእዮም። ጐይታ ግናእዚ ዝፍጸም ዘሎ ትንቢተ መጽሓፍ ምዃኑ ነገሮም። “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን?” ድማ በሎም። ንሳቶም ግና ነቲ ዝፈልጥዎ ንባብ ኣይስተውዕልዎን ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን እንተዝፈልጥዎሲ ንጐይታ ክብሪኣይመሰቐልዎን ኢሉ ነይሩ። ጐይታ’ውን ሰባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዘይምስትውዓሎም ከምዝስሕቱን ዝወቐሰሉን ጊዜ’ውን ኣሎ።ኣይሁድ ጸሓፍት ከምኡ ገበሩ፤ ንሕና ከ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ነስተውዕለሎም ዶ? ሎሚ’ውን ጽሑፍን ቃልንእግዚአብሔር እንታይ ይብል ከምዘሎ ብዘይ ምስትውዓልና ንጥፍእ ዘሎና ክንደይ እሞ ክንበሃል? እቶም መጻሕፍቲ ንምርምር ኢናዝብሉን ንርእሶም ፈላጣት ገይሮም ዝሰመይዋ ጸሓፍት ፈሪሳውያን፡ መዓንጣ ዘይቋጸሩን ልቢ ዘይገበሩን ሕጻናት ንኣምላኾም ከመስግኑከለዉ ንሳቶም ግና ነቢያት ዝተነበይሉ ሱባኤ ዝቖጸሩሉን ዝጽበይዎ ዝነበረ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከምቲ እተጻሕፈሉ እናኸደኣዕይንቶም ስለዝዓወረ ግና ክርእይዎ ኣይከኣሉን። ክምስግን ከሎ’ውን ኣዕይንቶም ደም መልአን ኣስናኖም’ውን ሓርቀሙ። ሎሚ’ውንነስተውዕል። ቃለ እግዚአብሔርን መጻሕፍትን ስለዝፈለጥና ጥራይ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኮይንና ማለት ኣይኮነን። ነቲ እንፈልጦክንነብሮ ይግባእና። ነቲ ምስጋና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ ምስጋና ይግብኦ እዩ እሞ ነመስግኖ። ብዘሎና ፍልጠት ወይውን ካልእነገር ኣይንመካሕ። ዝምካሕ ብእግዚአብሔር ይመካሕ እዩ ዝብል ጽሑፍ። ትምክሕቲ ሥጋ ዑረተ ልቦና እዩ ዘኽትል። እግዚአብሔርግና ነቶም ትሑታን ይፈቱ፤ ልዕል ድማ የብሎም። ነቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ ድማ ከስተውዕሉ ምእንቲ ድማ ዓይነ ልቦናኦምየብርሃሎም እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ንፈልጥ ንርእይ ኢና እናበሉ እዮም ብዙኃን ኣፎም ተለኲቱ ምስጋና ንእግዚአብሔር ምቕራብተሓሪሞም ዘለዉ። ኣይንተዓሾ ክንፍጠር ከሎና’ውን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ከሥመረና ዝኽእል ንእግዚአብሔር ምስጋናምቕራብ እዩ። እግዚአብሔር ንምስጋና ዝተፈጥረ ሰብ እንተዘየመስገኖ ኣእማን ቢታንያ ከምዘመስግንዎ ኣርእዩ እዩ። ንኣምላኽናኣመስጊንና ኽብርን ጸጋ ንረክብ ንሕና ኢና እምበር ኣብ ኽብሪ ጐይታ ንውስኾ ነገር የልቦን። ንሱ ብባህርዩ ክቡርን ምስጉንን እዩ።ሎሚ’ውን ብዙኅ ነገረ ትንቢት ኣብ ቅድሜና ይፍጸም ኣሎ፤ ሰሚዕናን ርኢናን ነስተውዕል እሞ መገድና ነስተካኽል። ካብ ጸጋም ናብየማን ተመሊስና ንእግዚአብሔር ዘመስግን ስራሕ ንስራሕ። ከይተፈለጠና’ውን ኣብ መገዲ ስሕተት ዘሎናን ቤተ ክርስቲያንና ነጽርፍዘሎና ርእስና ንመርምር። ጐይታናን ኣምላኽናን ሰረቕቲ ንዝሰረቕዎምን ዝኣሰርዎምን ኣእዱግ ፈቲሖም ከምጽኡሉ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ኣዘዞም። ብኣጋንንትንክፉእ ግብሮምን ዝተኣስሩ ደቂ ሰባት ኵሎም ክፍትሑ ጐይታ ንሓዋርያትን ድኅሪኦም ንዝተንሥኡ ካህናትን ሥልጣን ሂቡ ኣዚዝዎምእዩ። ንሳቶም ዝፈትሕዎ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን ድማ መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ካብ ጐይታ ተቐቢሎምእዮም። እሞ ኸ ደኣ ሎሚ “ሑሩ መሓሩ ውስተ ኵሉ ዓለም” ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ብዝግባእ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ኣሎ ዶ? ሎሚኸ ብነፍሲ ዝተኣስሩ እሞ ክፍትሑ ዝግብኦም ደቂ ኣዳም ነዛ ምድሪ ይመልእዋ የለዉን ድዮም? ሎሚ ጐይታ ደቁ ዳግም ካብማእሰርቲ ክፍትሑ ይደሊ ኣሎ እሞ ልኡኻነ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ዕዮ ወንጌል ኣብ ቕድሜና ኣሎ። ሎሚ ኸ ደቂ ኣዳም ኣበይኣሎና? “ኣቤል” ኃውና ኸ?   ኣብ ዝባነ ኪሩብ ኮይኑ ብቅዱሳን ኣእላፍ መላእኽቲ ንዘለዓለም እናተመስገነ ዝነብር ጐይታ ብትሕትና ኣብ ኣድጊ ክውጣሕ ፍቓዱኮነ። ሎሚ’ውን እቶም ካብ ማእሰርቶም ዝፍትሑ ንሱ ይደልዮምን ብጸጋ ድማ ምስኦም ይኸውንን ኣይፍለዮምን ከኣ እዩ። ፈጣሪዓለማት ዝተወጠሓላ እታ ኣድጊ ክንደይ ዕድለኛ እያ። ቅዱስ ዳዊት እግዚአብሔር ኣምላኹ ዝኸውን ሕዝቢ ብፁዕ እዩ ይብል እሞንሕና’ውን ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽንዓት ሃይማኖትናን ብሰናይ ግብርን ደቂ ሥላሴ ምዃንና ነመስክር። ብሓቂ መኅደር ኣምላኽንኹን። ነቲ ብጥምቀት ዝተቐደሰ ሰብነትና እግዚአብሔር ብዝጽየፎ ነገራት ኣይነራኽሶ።   ጐይታ ሓቀኛ ሰላም ንደቂ ሰባት ክዕድል ዝመጸ ናይ ሰላም ኣምላኽ እዩ እሞ ብምሳሌ እቶም ቀዳሞት ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ። እቶምሕዝቢ’ውን መድኃኒትነቱ እናመስከሩ ወዲ ዳዊት ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። በዚ ድማ ክርስቶስ ኣምላኽና ንሱ ንኣዳምን ደቁን ክብጆብሥጋ ከምቲ ዝተነግረሉ ትንቢት ካብ ወገን ዳዊት ምዃኑ ተመስከረ። ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ’ውን ነቢያት ንዝተነበይሉ ጐይታ፡ንሱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ክርስቶስ ምዃኑ ነቶም ኣይሁድ ኣመሳኺሩን ኣርጊጹን ከረድእ እንድዩ ኣብቲ ቅዱስወንጌል “ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም” ክብል መጽሓፉ ዝጀመረን ወለዶ ዝጸብጸበን። እቶም ዕዉራት ይኾኑ ካልኦት “ወልደ ዳዊት” ኢሎም ክጽውዕዎን ክምኅጸንዎን ከለዉ ድማ ነዚ ምሥጢር ዘመሳኽር እዩ።   ዕለተ ሆሳዕና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክብን ድምቕን ብዝበለ ኣገባብ እያ ትኽበር። ኣዝዩ ብዙኅ ትምህርትን ምሥጢርን ዘለዋዕለት ድማ እያ። ትንቢት ነቢያት ዝተፈጸመላ፥ ጐይታ ዝተመስገነላ፥ ቤቱ ድማ ካብ ጓሓላሉን ሰረቕትን ድማ ዘጽረየላ ዕለት እያ።ስለዚ ናብ በብሰበኻናን ቀረባናን ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ካብ ለይቲ ጀሚርና እንታይ ዓይነት “ዝንበብ” ዘይኮነስ “ዝረአ” ሕያው ሥርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከምዘላና ነስተውዕል። ኣቦታትና እንታይ ዓይነት ጸጋን ሃብትን ከምዝገደፉልና ንርኣይ። እቲቃለ እግዚአብሔር ብኸመይ መገዲ ከምዝገልጽዎን ጐሊሑ ከምዝረአ ከምዝገብርዎን ክንፈልጥ ጽን ንበል። እዚ ሰማያዊ ሃብቲ እዩ።ሎሚ ነዚ ቅዱስ ሥርዓት ክልውጡ ዘዕሽዉና ዘለዉ ልኡኻት መን ምዃኖም ንንቅሓሎም።   እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘስተውዕል ኣዕይንትን ኣእዛንን ልቦናና ከፊቱ ነዚ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያንን ከነስተውዕልን፤ ንንሕና’ውን ከምቲዝግባእ ንኣምላኽና እናመስገንና ክንነብር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።                                                          ምንጪ፡ ድሕረ ገጽ ማዕዶት ወስብሐት ለእግዚአብሔር ። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለስቀሉ ክቡር።

Continue reading

ኒቆዲሞስ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ።  ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣ አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣ ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለእመሕያው። ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። መዝ.16፣3   (17-3) ወንጌል ዮሓ.3፣1-10      ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ        ሮሜ.7፣1-19       1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም  ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻብዓይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሞንን ኒቆዲሞስ ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ክብርቲ ዕለት ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን።   እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ምሁረ ሕግ ለይቲለይቲ እናኸደ ብዛዕባ ምሥጢር ጥምቀትን ዳግም ምውላድን ካብ ጐይታ ከም ዝተማህረ እናጠቐሰ ነቲ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል (ምዕራፍ፫) ንዝተጻሕፈ ታሪኽ ስለዝዝመረሉ እዩ። ርእሲ ናይቲ መዝሙር’ውን “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ” ዝብል ኮይኑ “ወሀሎ አሐዱብእሲ እምፈሪሳውያን ዘስሙ ኒቆዲሞስ መልአኮሙ ለአይሁድ ዘሖረ ኀቤሁ ቀዲሙ ሌሊተ ወይቤሎ ለኢየሱስ ዕጓለ አንበሳ ሰከብከወኖምከ አንሥአኒ በትንሣኤከ” እናበለ ይዝምር።  ኒቆዲሞስ ምሁረ ሕገ መምህር ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ፈሪሳውያን ወገን ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ነበረ።ፈሪሳውያን ድማ ካብቶም ቀንዲ ማኅበረ ኣይሁድ ኮይኖም ሕግን ሥርዓትን ኦሪት ልዕሊ ካልኦት ሓለውቲ ኢና ኢሎም ዝሓስቡዝነበሩ እዮም። ስለ ሕገ ኦሪት ድማ ኣዝዮም ቀናዕትን ምኩሓትን እንተነበሩ’ውን ነቲ ዝብልዎን ዝምህርዎን ዘይገብርዎ ግቡዛት ድማእዮም ነይሮም። ጐይታ ድማ ስለዚ ግብሮም ድማ ወቒስዎም እዩ። (ማቴ ፳፫፥፩-፴፮) ጐይታ’ውን ነቲ ምስሉይ ግብሮም ይቀልዖንብዙኅ ጊዜ’ውን ይወቕሶም ስለዝነበረን ብዙኃን’ውን ትምህርቲ ጐይታ እናሰምዑ ክስዕብዎን ተኣምራቱ እናረኣዩ ድማ ክሰሓቡንምስረኣዩ ብቅንእን ካልእን ምኽንያት ንጐይታ ይጻብዕዎ ነበሩ። ካብ ቅንኢ ሓሊፎም’ውን ምኽንያት እናፈጠሩ ከእስርዎን ክቐትልዎንይደልዩን ይመኽሩን ይፍትኑን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እቲ ክፋእ ናቶም ኣብኡ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነሲ ብኡኡ ንዝኣምኑን ንሱ እቲነቢያት ዝተነበየሉ ክርስቶስ (መሲሕ) ምዃኑ ንዝምስክሩን ካብ ምኵራቦም ክፈልይዎም መምርሒ ክሳብ ምውጻእ በጺሖም እዮም።(ዮሓ ፱፥፳፪ ፲፪፥፵፪)   ኣብቲ ኣይሁድ ንጐይታ ብብዙኅ ዝተፈላለየ ርድኢትን ጥርጣረን ይርእይዎን ተንኰላት ይመኽሩን ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ድማ እዩኒቆዲሞስ ዝነበረ። ኒቆዲሞስ ብተኣምራትን ትምህርትን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተተመሰጠ’ውን ኣይሁድከይቃወምዎ ክብል ግና ብሕቡእ ለይቲ ለይቲ ንጸልማት ከውሊ ገይሩ ናብ ጐይታ እናመጸ ይመሃር ነበረ። (ዮሓ ፫፥፩-፳፩) ጐይታድማ ነቲ መምህረ ኣይሁድ ሰብ መንግሥተ ኣምላኽ ክወርስ እንተደኣ ኮይኑ ቅድሚ ኵሉ ዳግማይ ካብ ማይን መንፈስን ክውለድከምዘድልዮ እናነገረ ምሥጢረ ጥምቀት ይምህሮ ነበረ። ኒቆዲሞስ ነዚ ዓቢ ኣፍ ደገ ኵለን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ምሥጢረጥምቀት ካብ ባዕሉ ሠራዒ ሕጊ ዝኾነ ጐይታ ምምሃሩ እግዚአብሔር ዝመረጾን ዝዓደሎን ኅሩይ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ኒቆዲሞስ ድማንትምህርቲ ጐይታ እናስተንከረ፤ ንዘይተረድኦ ድማ ይሓትት ነበረ። ጐይታ ድማ “መምህረ እስራኤል ኢኻ” እናበለ እናወደሰ በቲሓደ “ነዚ ዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ” እናበለ ዘይምፍላጡ እናወቐሱ በቲ ካልእ ንኵሉ ክፈልጦ ዝግባእ ምሂርዎ እዩ፤ ብዛዕባ ውልድነትዘውህብ ጥምቀት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ፍቕሪ እግዚአብሔር፡ ካብ ሰማያት ምውራዱ፡ እምነት፡ ግብሪ፡ ፍርዲ ወዘተ ከምኡ’ውንስለ ድኅነት ዓለም ዝኸውን ስቕለቱን ምሳሌኡን ገሊጹሉ እዩ። ንዝተማህሮ ምሥጢርን ንዝረኣዮ ፍቕሪን ድማ ኣብ ልቡ የጽንሖንምንባሩ ድኂሩ ኣብ ዝሰዓበ መዋዕል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። (ዮሓ ፯፥፶ ፤ ዮሓ ፲፱፥፴፰)። ኵሉ ፈሪሁ ኣብ ዝሃደመሉ፡ ብቀትሩ ካብመልዕልተ መስቀል ንጐይታ ኣብ ምውራድን ኣብ ምግናዝን ድማ እሙንን ፍቑርን ኮይኑ ተረኽበ። ከምቲ ጐይታ “እቲ ፍርዲ እዚእዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃንይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።” ኢሉ ዝመሃሮ ድማ ብርሃን መረጸ። ናብ ብርሃን ድማ መጸ። ነቲ ብርሃን ድማረኸቦ።   ሎሚ’ውን ዘለዎም ዓለማዊ መዝነትን ሥጋዊ ክብርን ከምኡ’ውን ሃብቲ ዓለምን ልዑል ምህሮን ፍልጠትን ካብ ዘለዉዎ ጸልማትወጺኦም ናብ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ከይመጹን ኣብ መንገዲ ሓቂ ከይመላለሱን ዕንቅፋት ዝኾኖም ኣዝዮም ብዙኃን እዮም። ኒቆዲሞስነዚኦም ዝኣመሰሉ ልዕልንኦም መዐንቀፊ ዝኾኖም ሰባት ዓቢይ ኣብነት እዩ።   ገለ ሰባት ብዝተማሃርዎን ብዘለዎም መንፈሳዊ ፍልጠት ንዝምክሑ’ውን መምህር ኮይንዎም እዩ። ኒቆዲሞስ ከምቶም መዛንኡ ብሥጋከቢሩ ክነብር እናኸኣለ ናብ ምንጪ ፍልጠትን መገዲ ሓቅን ዝኾነ ክርስቶስ መጺኡ ብትሕትና ይመሃር ነበረ። ኣምላኽ ድማ ንዓለምከግህዶ ብዛዕባ ካብ ዝመደቦ ምሥጢር ነቲ ሓደ መሊኡ ከሢትሉ እዩ። ገና ካብ ኣምላኽ ክንመሃሮን ከነስተብህሎን ዝግባእናምሥጢራት ስለዘሎ ቤተ ክርስቲያን’ውን ዓውዲ መዝገብ ምሥጢራቱ እያ እሞ ኵልሳዕ ብትሕትና ንመላለስ፤ ኣምላከ ቅዱሳንዘይንፈልጦ ምሥጢሩ ክገልጸልና እዩ። ኒቆዲሞስ’ውን ዘይፈልጦን ዝጐድሎን ከኣ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። ኣሰረ ፍኖት ኒቆዲሞስክንስዕብ መልእኽቲ እዛ ሰንበት እያ።   ኒቆዲሞስ ተጊሁ ለይቲ ለይቲ ነቲ ቃል እግዚአብሔር ብምስምዑን ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣብ ልቡ ስለዘሕድረን ኣብቶም ምኩሓትንልዑላትን ኣብ ዝጋብኡሉ መጋብእያ ነቲ ሓቂ ክምስክር በቕዐ። ክፉእ ምኽሮም ድማ በቲ ናይ ሓቂ ትምህርቱ ገይሩ ቀልዖን፤ ነቶምምኩሓት ድማ ኣብ ጉባኤያቶም ኣሕፈሮም። ብሓቂ ስለ ሓቂ ኣብ ኵሉ መድረኽን ዓውድን እሙን ምዃን ዓቢይ ጸጋ እዩ።ኒቆዲሞስ’ውን ስለዚ ጕዳይ መምህር ሓቂ እዩ። ነታ ናይ ልቡ እምነት’ውን ኣብታ ሓቀኛ ሰዓት ኣግሂድዋ እዩ።   ኒቆዲሞስ ካብ ኣይሁድ ግብዝና ርሒቑ ብዘርኣዮ ኣትኅቶ ርእስ (ትሕትና)፡ ጐደሎኻ ምእማን፡ ምሥጢራት ንምቕባል ዝተዳለወኣልዕሎ ልቦና ምውናን፡ ስምዐ ጽድቅ (መስካሪ ሓቂ) ምዃን፡ ንቃለ እግዚአብሔር ዝነበሮ ትግሃት ለይቲ፡ ክሳብ መወዳእታ ምጽናዕንካልእን ካብኡ ክንመሃር ንኽእል። አማን ብአማን ኒቆዲሞስ ዓቢ መምህርና እዩ፤ ካብ ደምበ ምስሉውይነት “ሕይወት ኣይሁድ" ወጺኦም ናብቲ ኣቦታትና ቅዱሳን ዝተጋደሉሉ ደምበ ሓቀኛ ሕይወትን ብርሃንን ክጽምበሩ ዝግብኦም ኣለዉ እሞ ቤተ ክርስቲያንናንኸምዚኦም ትብህጎም እያ። ናይ ዘመንና ኒቆዲሞሳውያን’ከ ነቲ ብርሃን መዓስ ይርእይዎን የስተውዕልዎን ይኾኑ? ቅድስት ቤተክርስቲያና’ውን ኣብዚ ዕለት ንእኡ ምዝካራ ኣዝዩ ባህ ዘብል እዩ እሞ ኣብነቱ ስዒብና በረኸቱ ክንረክብ ቅዱስ ኣምላኽና ፍቓዱይኹነልና።  ከምኡውን በዚ ዕለት ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብዲያቆናት ዝተነበ ወንጌል ሓደ ዓቢ መልእክቲ ይመሓላለፈልና፣ (1ይ ዮሓ 4፣20) ‘’ ነቲዝረኣዮ ሓው ዘይፍቀረስ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ከፍቕር ኣይከአሎን እዩ’ሞ ንሓው እናጸልአስ ንኣምላኽ ኣፍቕሮ እየ ዝብል እንተሎ ንሱሓሳዊ እዩ። ነቲ ብከምኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ‘’ እቲ ንኣምላኽ ዘፍቕሮ ንሓዉ ድማ የፍቕሮ ’’ እናበለ ፍቕሪ ብጽይ ይምህረና።ከምኡውን ኣብ ቀዳማይ ጴጥ.5፣3 ንኣምላኽ ምፍቓር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው ከም ዝነበረ ይነግረና ‘’እቲ ትእዛዛተይ ተቐቢሉዝሕሉ ንሱ እዩ ዘፍቕረኒ‘’ ይብለና እቲ ፍቕርና ዝጸምአ ኣምላኽ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ገዲድዎ ሒወቱ በጃ ሂቡ ብፍቕሪ ከም ዝዐደገናሕጂውን ምስኡ ንክንነብር ፍቕሩ ከም ዘለና ክንገልጸሉን ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ብምሃብ ‘’ተፍቕረኒ እንተኮይንካስ ትእዛዛተይ ሓሉ’’ ኢሉእዩ ሕጉ ብፍቕሪ ዘንበረልና (ማር.8፣14) ሥግኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ብሞቱ ፍቅሪ ዝመሃረና ንሕናውን ነዚ ፍጹም ፍቕሪ እናዘከርናመግለጺ ፍትወትና ብፍቕሪ ብትሕትና ክንእዘዞ ይግባእ። ከምኡውን በዚ መዓልቲ’ዚ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንዓና ንደቂ ሰባት ንምድሓን ኣብ ቀራንዮ ተሰቂሉ ዓቢ ፍቅሪ ዝገልጸልና ዕለት’ዩከምቲ ኣብ ዮሃ. 3፣16 “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ፣ ኣምላኽንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ንዓለም ክሳብ ክንድ’ዚ ኣፍቀራ እምበአር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ዘብጽሖ ፍቅሩንዓና ዝገበረልና ውዕለታት እናዘከርና ንሕጉ ብፍቅሪ ተገዚእና ንሓድሕድና እናተፋቀርና ነታ ሰማያዊት መንግስቱ ክንቅበል ናይኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ናይ ኣዴና ቅዱስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ተራዳእነት ኣይፈለየና። ከም ግብርና ዘይኮነስ ከምምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ክንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።   ምንጪ፡ ድሕረ ገጽ ማዕዶት ወስብሐት ለእግዚአብሔር ። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር።

Continue reading