ፈጣን ደመና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ስደታ ምሳሌ ኣብ ቤተክርስቲያና ኣገልግሎት ካብ መስከረም 26 ስጋብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክረሉ ናይ ስደት ዘመን እዩ።  ኣብዚ እዋን በብሰሙኑ ሰንበት ለይቲ ብሙሉእ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም […]

Continue reading

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፡፡ ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተስቀለሉ መስቀል ኣበይ ኣሎ᎒ እዚ ሕቶ እዚ ንብዙሓት ተማራመርትን ጭዋታትን መልሲ ዘይተረኽቦ ግድል እኳ እንተኾነ ንቤተ ክርስትያንን ኮነ ንደቃን ግና ህላውነቱ ፈሊጣስ ዓመት ዓመት ኣብ መስከረም 17 ብክብ ዝብለ ብዓለት ተብዕሎ ኣላ። እዚ ብዓል እዚ ዝብዓለሉ ቀንዲ ምኽንያት ሕጂ መስቀል ኣብዚ ኣሎ ብምባል ዘይኮነስ […]

Continue reading

ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ መዝ.64፣11(65፣11። እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማቴዎስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜ  “ቅዱስ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማቴዎስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ድንቕ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን። ወዲ ሰብ ንሥጋ’ውን መንፈሳዊን ምንቅስቃሳቱ ብዝጥዕሞ መገዲ እግዚአብሔር […]

Continue reading

ወርኀ ጳጉሜን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስን ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ንቤተ ክርስቲያና ብናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ፍልይ ካብ ዘብላ ነገር ሓደ ጳጉሜን እትበሃል መበል ፲፫ (13) ወርኂ  ስለዘለና እዩ፡፡ ጳጉሜን ማለት ብግሪኽ ወሰኽ ማለት ክኸውን እንከሎ ንዓመት ብሰላሳ መዓልታት ምስ ከፈልናዮ ዝተረፉ ዕለታት ተኣኪቦም ዝሰመይዋ ተወሳኺት ወርኂ እያ፡፡ ወይ ከኣ በብመዓልቱ ኣብ መንጎ ጸሓይን ወርሕን ዘሎ ኣቆጻጽራ ዝፍጠር […]

Continue reading

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና! ምስባክ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ።   መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ።  2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15  ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31። << ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ከኩሉ>> ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። […]

Continue reading

ፍልሰታ ማለት “ፈለሰ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጉም ምሟታ፡ ምፍላይ፡ ምዕራግ፡ ካብ ምድሪ ወይ ካብ መቓብር ምትንሣእ፡ ናብ ላዕሊ ምውጻእ ማለት እዩ። ሊቃዉንቲ ኣቦታት ክገልጽዎን ከብርህዎን ከለዉ፥ ጉዳዩ ምስ ዝምልከታ ምስ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትሣኤን ዕርገትን ኣተሓሒዞም ብምምስጣር “ፍልሰታ” ማለት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ካብ ጌቴስማኒ ናብ ገነት […]

Continue reading

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን፣ ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ […]

Continue reading

በዓለ ጰራቅሊጦስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐረገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ ። መዝ.67-18 ኤፌ.4፣1-17። 1ይዮሓ.2፣1-18። ግ,ሓዋ.2;-1-14: ዮሓ.14፣1-22። በዓለ ጰራቅሊጦስ ሎሚ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ትንሣኤ ኣኽቢርና መበል ፦ ኃምሳ መዓልቲ በጺሕና ኣለና።እዚ መዓልቲ ፣ በዓለ መንፈስቅዱስ፣ በዓለ ጰራቅሊጦስ ፣ በዓለ ኃምሳ ተባኂሉ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐርገ ውስተ ዓርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእ¶ለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ ። መዝ.67፣18 (68፣18) ወንጌል ዮሓ.14፣1-22 ግ.ሓ.2፣1-14 ኤፌ.4፣1-17 1ይዮሓ.2፣1-18 ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ መንፈሳዊ ጸጋኡ ኣብዚ ዕለት ብምልኣት ኣባና ወሪዱ እዩ’ሞ ንመንፈስ ቅዱስ ጣዕመ ዝማሬ ልዕል ልዕል ነብሎ። ዋላ እካ ዝረኸብናዮ ጸጋ ልዕልንኡንምግላጽ ናትና ቃላት ድኹም […]

Continue reading