ቅድሚ ዲቁና ምቅባለይ ዝነበረ ሕይወት ወዲ ቐሺ ኢየ፡  ወዲ ሊቀ ሊቃውንት። ኣቦይ ዕድመ ልክዑ ቃለ እግዚአብሔር ክምህር’ዩ ግዜኡ ኣሕሊፍዎ። ወዲ ሰብ ክልተ ምርጫ ኣለዎ ፡እቲ ሓደ ንፈጣሪኡ እናመሰለ ዘወዲ ናይ ሰማይ ርስቲ ዘይበሊ ምዉራስ፣ እቲ ሓደ ከኣ ነቲ ገዛኢ እከይ ዝኾነ ድያብሎስ ምግልጋል እዩ። በቲ ሁዱእ ቃሉ ደቀይ ሓደራኹም ነቲ ካባኹም ረብሓ ምስ ደለበ ኣብ […]

Continue reading

ኣብ መንፈሳዊ ሕይወተይ ቃል ኣምላኽ ክመሃር፡ መዝሙር ክሰምዕ ፍሉይ ባህታ  ይፍጠረለይ ኴኖዚ ግና ነቲ ዘተመሃርክዎ ከስተማቅሮን ከስተንትኖን ተለኽ ክብል ከለኹ ብቃላት ክገልጾ ዘይክእል መንፈሳዊ ፍቅሪ ኣብ ልበይ ፈኸም ይብል።ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣንጊሀ ተንሲአ  “እንተዘይ ረዲእኻኒ ንበይነይ’የ ኣማንኤል ጐይታይ “ ትብል መዝሙር  ወሊዓ ፡ ጮቕጮቕ ዝብል ድምጺ ጨራሩ እና ሰማዕኩ ናይ ወጋሕታ ብርሃን ጸሓይ የስተማቅረሉ […]

Continue reading

  በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ሃይማኖታዊት’ዶ  ወይስ ምህተፍተፊት ብዘዓባ እምነተይ ሕምቅ ዘተሰመዓኒ ብዙኃ ግዝያት ፈጺሙ ኣይዝከረንን። ብፍላይ ሕጂ  ተማሃሪት ናይ ድሕረ ምረቃ(MA) ኣብ ዘለኹሉ እዋን ብቀጻሊ  ሰለ ሃይማኖተይ ማእለያ ዝይብሎም ሕቶታት ይሕተትን ብሰባት ይፍረድን ። ሰባት ሰለምንታይ  ምህርቲ ጓል ኣንስተይቲ  ተባሂለ ብሃይማኖተይ ከም ዝግደስ  ንኽፈልጡ ይህንጠዩ። ኣብ እምነተይ ዘለኒ ተገዳስነት ልዑል ምዃኑ […]

Continue reading

መን ኮን ይኸውንⵗ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ “መን ኮን ይኸውን” ኣብታ ኮፍ ኢልዋ ዝነበረ እግሪ ገረብ፡ ውዒሉ እንተ ዝሓድር እኳ ኣይምጸልአን። እታ ገረብ ተተንፍሶ ጥዑም ንፋስ እናስተማቐረ በጥ ክብል ተመነየ። ግዳ ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበዮ ነበረ'ሞ፡ መሬት ቅድሚ ምዕራቡ ናብቲ ዝተበገሰሉ ቦታ ኪበጽሕ ስለ ዘለዎ፡ ካብታ ዘይትምኖ ጽላል ፡ናይታ ገረብ ሓፍ ክብል ተገደደ። ሳንጥኡ ተሰኪሙ ክኸይድ […]

Continue reading

" እቲ ንህድኣት ዘፍቅር ንኣምላኽ ቀረባ'ዩ ንሱ ምስ ኣምላኹ ብምስጢር ይራኸብ ኣምላኽ ከኣ ንልቡ የብርሃሉ። ክርስቶስ ንጴላጦስ ብህደኣት ኣሕፈሮ ደቂ ሰባት ምስ ዝህደኡ ንትዕቢት ጃህራን ብቀሊሉ ይስዕርዎ"(የሐንስ ኣፈወርቅ) ትብል ጥቕሲ እናኣንበበት ኣብ መዓሙቅ ሓሳባት ተዋሕጠት ። ብፍላይ ምስ ሳሚ ዘለዋ ርክብ  ብሽፋን ርእሰ መትላል ከይከደነት  ብቅንዕና ምስ  ነብሳ ክትላዘብ ጀመረት። ክሳብ መዓስ ንነብሰይ ዘታልላ ሎሚ […]

Continue reading

ቤዛዊት 16 ክፋል

ቤዛዊት 16 ክፋል ቤዛ ኣብ ገዛ ኮይና መዝሙር ክትላምድ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እንታይ ዓይነት መዝሙር ንድራማ ከም ትመርጽ ስለ ዝጸገማ ኣብ መዝሙር ምምራጽ  ክሕግዛ ናብ ሳሚ   ደወለት እሞ ሳሚ ትቅብል ኣቢሉ ቤዛ ሥራሕ ጽዒቅኒ ስለ ዘሎ ናይ ምሽት ወይ ከኣ ጽባሕ ክድውል’የ ብምባል ይዓጽዋ።ቤዛ መልሲ ናይ ሳሚ ባህ ኣይበላን ።ሳሚ ዋላ’ኳ መዓልታዊ   ኣይድዉለላ  እቲ ዘልመዳ […]

Continue reading

ቤዛዊት 15 ክፋል

ቤዛ ኤንተርነት ክትጥቀም ናብ ናኩላቢ ዝርከብ እንዳ ኢንተርነት ከደት። ፈይስቡክ ምስ ከፈተት 8 መልእኽትታት ጸንሐ። ነቲ መልእኽቲ ሓደ ብሓደ ከተንብብ ምስ ጸንሐት ናይ ሳሚ ስፍሕ ዘበለ መልእኽቲ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ተረዲኣ ኣብ መወዳእታ ከተንብቦ ናብቲ ካልእ መልእኽትታት ሰገረት። ነቶም መልእኽታት ዝሰደዱላ ሰባት መልሲ ድሕሪ ምሃባ ኣብ መዋዳእታ ናብ ናይ ሳሚ መልእኽቲ ተመልሰት። “ሰላም ቤዛ ሓፍተይ። […]

Continue reading

ቤዛዊት 14 ክፋል

ቤዛ ኣብ ገዝኣ ኮይና በይና መንፈሳዊ ድራማ ክትለማመድ ድሕሪ ምጽናሕ ክትዕርፍ ኣብ ዱካ ተኾርምያ ኮፍ በለት። ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተዋህባ ገጸ ባህራያት ከም ዝሸምደደቶ ንምርግጋጽ ነታ ናይ ድራማ ጥራዝ ገናጺላ ከትንብቦ ጀመረት። ነታ ድራማ ባዕላ ስለ ዝጸሓፈታ ነቶም ባዕላ ዝወቐሮቶም ቃላት ቀልጢፋ ኣብ ሓንጎላ ከተስፍሮም ግዜ ኣይወሰደላን። ኣብ ድሕሪት ናይቲ ጥራዛ ናይ ሳሚ ጽሕፈት ምስ […]

Continue reading

ቤዛዊት 13 ክፋል

ሳሚ: ብዝዓባ ኩነታት  ጁባ( ርእሲ ከተማ ናይ ደቡብ ሱዳን)  ጽጹይ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ጁባ ዝመጹ  ነጋዶ እናተወከሰን እናሐተተን ሓበሬታ ኣብ ምእካብ  ተጸሚዱ ቀንዩ። ከተማ ካምፓላ ቀንዲ ሕመረት ዕዳጋ ናይ ጁባ ኢያ። ነጋዶ ካብን ናብትን ንብረት ከጓዓዕዙ በቀጻሊ ኣብቲ ዑሙር ዕዳጋ  ማእከል  ከተማ  ካምፓላ ትዕዘብ። ሳሚ፡ ካብቶም  ብቐረባ ዝፈልጦም ነጋዶ ዝኣክል ሓበሬታ ሰነቀ። ከባቢ ሰዓተ ኣርባዕተ […]

Continue reading

ቤዛዊት 12 ክፋል

ቤዛ ኩነታት ሳሚ ኣሻቂልዋ ኣይቀሰነትን  ድቃስ ዘይብላ ሓደራት። ሳሚ ንጽባሒቱ ንግሆ ጸሎት ኪዳን ከብጽሕ ከም ወትሩ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዘይመጸ ንሻቅሎታ ዝያዳ ሓይሊ ወሰኸሉ። ከም ቆጸርኦም መሰረት ኣንጊሁ ኣብ ገዛ ኣንዳ ቤዛ ክመጽእ እኳ ተሰማሚዖም እንተነበሩ ግና ኣይከም ዝመደበቶን። ጸሎት ነግህ ድሕሪ ምፍጻሙ ቤዛ  ንማማ ኣብርሀት ምስ ሳሚ ቆጸራ ስለ ዘለዋ ክትረኽቦ ክትከይድ መዃና ሓቢራ […]

Continue reading