መረን-ሻምናይ ክፋል

  ኣሮን ምስ ሸዉዓተ ኣቅርንቱ ኮይኑ እዩ ጸኒሑኒ። መን ኣደኺ ኢሉኪ? ኣነ’ኳ ትጻወቲ ዘለኺ እዩ መሲሉኒ ኪዲ ቀልጢፍኪ ኣስመራኺ ተመለሲ፣ ክርኢኪ ኣይደል..ጽርፍን ሙግብዕባዕን ዘተሓወፎ ዘረባታት ቶኮሰለይ ኮታስ ከምኡ ግፍዒ የለን። ኣነ ሃንደበት ርእየዮ ዘይፈልጥ ጠባይ ኮይኑኒ፣ ተዓንዲ ተረፈኩ ፡ዓለም ኣብ ርእሰይ ዝተገምጠለት ኮይኑ ተሰመዒ፣ ንብዓት ጥራይ’ውን ኮንኩ። ሃይለ፣- ቁሩብ እንታይ ደኣ መለስክሉ፣ ኣዜብ፣- ኣንታይ ክምልሰሉ፣ […]

Continue reading

መረን-ሻብዓይ ክፋል

…እ…ህ..ህህህ፣ ጸገም የለን ሃይለ ሓወይ ተዕልለሉ ነገር ጽቡቕ እዩ። ካብ መካይንና ምስ ወረድና፣ መሬት ዳርጋ ኣብ ምምሳዩ ሰለ ዝነበረ፣ ተቀላጢፍና፣ እተን ዝነበራኒ ጒስማጥ ከምኡ’ውን ኮረንሾን፣ ምስ ድኻም እናጸላእክዎ ስለ ዝመጻእኩ፣ ዓሲርን ቁሩብ ጥሕንን ተሃዊኸ፣ ከም ኩሎም ኣብ ምንጻፈይ ንኽጋደም ምስ ኣድያምን ሰላምን… ከንጽፍ ጀመርኩ። ድሕሪ ድራር ምስ በዓል ኣድያምን ሰላምን ቤተልሔምን ከነዕልል ጀመርና። ኣድያም እዋይ […]

Continue reading

መረን-ሻድሻይ ክፋል

.........//.................... ሰላም ፍቁራት ኣንበብትን ተኻታተልትን መረን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ጽሑፋት ናይ በዓለ ልደት ኣብዚ መርበብና ሰለ ዝዘርጋሕና፡ እቲ ነዉጽኦ ጽሑፋት ነቲ ሒዝናዮ ዘለና በዓል፡ ዕለት፡ወቅቲ  ከንጸባርቀልናን ነቲ መዓልቲ ክገልጸልናን ብዝብል ኣመር ሰነ-ጽሑፍ መረን ሐደ ሰሙን ጸቂጥና ክንዉጽኦ መሪጺና። ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ሎሚ መዓልቲ ከመ ወትሩ ቀዳም -ቀዳም ሰነ-ጽሑፍ መረን ክንዝርግሓ ምዃና ብትሕትና ንሕብር። ..........//........................ […]

Continue reading

መረን-ሓምሻይ ክፋል

በዚ ወጋሕታ ለይቲ ሰንበት እንታይ ኮን ይኸዉን፣ ናይ እዝነይ ድዩ ወላስ ሓቀኛ ድምጺ? ዜማዊ ድምጺ ብምንባሩስ፣ ካብ ሰብ ምዃኑ ኣስተዉዓልኩ ሰለዚ ኩነታት ንምፍላጥ ቀስ ብቀስ ናብቲ ካብ መደቀሲ ርሕቕ ኢሉ ዚነበረ ድምጺ ኣምራሕኩ… ቅርብ ምስ በልኩ… “ኦ ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ኣምላኽ፣ ንሰማያት ብግርማ ከዋኽብቲ ዘግየጽካ፣ ንምድር’ውን ብፍረታትን ዕንባባታትን ዘሰርጎኻ… ጐይታ ሰንበት፣ ኣቦ ምሕረት ዝኾንካ […]

Continue reading

መረን-ራብዓይ ክፋል

ኣብቶም ኣወዳት ግና፣ ብገለ ካብ ካልኦት መካይን ብዝመንጨወ ሓሳብን ምልእኽትን ተረቢሾም ብምንባሮም፣ ኣብ ክልተ ሓሳብ ተመቕሉ። 7 ኩነታቶም ንኽፈልጥ ገለ ከም ዝደለኹ ጽንብር በልክዎም እሞ፣ ኣብታ ህሞት ወዲ ባጽዕ፣ ኣቱም ሰባት በብሓደ፣ ዋርድያ ምዉጻእ እታ ዝበለጸት እያ፣ በለ። ወዲ ከረን ከኣ ‘ኖ ኣይንሸገር፣ ገና ነዊሕ ስለ ዘይከድና ስርዓት ምልዉዋጥ ዶብ’ውን ስለ ዘይተኻየደ ዘፍርህ የብልናን፣ ሓዲጐሙና […]

Continue reading

ለካስ እቲ ዘብለጭልጭ ኵሉ ….

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንሆ ሓደ መዓልቲ ሓደ መንእሰይ ንነዊኅ ጕዕዞ ተበገሰ፣ እታ ዝኸዳ ዝነበረ ዓዲ ኣዝያ በራኽን መገዳ ውን ነዊኅ ነበረ፣ እቲ መንእሰይ ጕብዝናኡ ተኣማሚኑ፣ ንመን ገዲ ዝኾኖ ስንቅን ካብ ተጻባእቲ መከላኸሊ ዝኾኖ ኣጽዋርን ኣይተማልአን ነበረ። (ኤፌ. 6፦13-18። እቲ ናብቲ ዓዲ ዚወስድ መገዲ ኣዝዩ ኣድካምን ተሪርን እምብዛ ኃያልን ስለዝነበረ (ማቴ. […]

Continue reading

መረን-ሣልሳይ ክፋል

ጓል ገርሂ ልባ ድማ ዝፈልጦ ኣይነበረንን፣ ምምልላስ እናበዝሐ ኣነ’ውን ክለማመድ ጀመርኩ። ንሱ ዕላሉ ናይ ዕርክነት መንእሰያት እናኾነ ምስ መጸ ግና በብቁሩብ ኣነ’ውን ይሓተኒ’ዶ ህይሉ ክብል ጀመርኩ። ኩሎም እቶም ኣብታ መካይድትና ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ተገዳስነት ኣይነበሮምን ዕላሎም ብዛዕባ ፍቅሪን፣ መንእሰያትን፣ መጽሔታቱን ብምዃኑ ኣነ’ውን ሳሕቲ ኣብቲ ዕላል ኢድ ነይሩኒ እዩ ግና፣ ካብ ዝሰማዕክዎ ደኣ አዕልል ነበርኩ […]

Continue reading

መረን-ካልኣይ ክፋል

ካልኣይ-ክፋል ኣቐዲመ ክላለዮ ከለኹ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ይመስለኒ ብምንባሩ ምስቲ ብሱልን ተባሃጊን ኣዘራርብኡ ኣተኲረ ይጥምቶ ነበርኩ። ዕባይ ገጠር ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ግና ሽዑ ንዓይ ብዘይርድኣኒ ኣብ ልዕሊኡ ሚዛን ኣጉደልኩ። ዕላሉ ልዙብን ጥዑምን እኳ ይንበር እምበር ካብ ልባዊ ምስትንዓቑስ ዓዲ ኣይወዓልኩን። ትፈልጥ’ዶ መብዛሕትና ኣዋልድ፣ ንወዲ ከተማን ወዲ ገጠርን ርኡይ ፍልልይ ከም እንገብር። እቶም ናይ ገጠር ዘይተዓጻጸፉ […]

Continue reading

መረን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ሰላም ኣሕዋት ከም ከመ ፍቃድ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዛ መረን ትብል ሓቀኛ መንፈሳዊት ታሪኽ ንመንፈሳዊ ሕይወት፡  ኣብ ስደት እትድህስስን እተመዝዝን ጽሕፍቲ'ያ። ብፍላይ እቶም  ካብ ሱዳን ፡ ብምድረበዳ  ሰሃር ኣቢልካ ንሊብያ፡ ድሒሩ ንሃገራት ኢሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ፡ዝጋጥም መንፈሳውን ስጋውን ማሕለኻታት እንትገጽ ሓቀኛ ታሪኽ’ያ። ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተጸጊዕኻ ጸንሒካ ሳይንሳዊ ልቢ-ወለድ ምስ […]

Continue reading

ምሳና ዝነበረ መን'ዩ፧

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ                                                                              ***** ምሳና ዝነበረ መን'ዩ ፧ ***** ንኺድ፡ ንፍጠን፡ ንቐልጥፍ........። በቃ ንቕድሜኻ […]

Continue reading