መረን-ዓሰርተ ኣርባዕተ ክፋል

//.. መረን-ዓሰርተ ኣርባዕተ ክፋል ብጽሑፍን ብድምጽን......// ናይታ ኣርክቲክተርን እትበሃል ክንዲ ኣዳጒራ ዚኣክል ሓንጐል ዘልዋ፣ ብዘይ ብሶላ እናተንቀሳቀሰት 22,000 ማይል እትጓዓዝ፣ ዑፍ’ውን ክብጻሕ ኣይተኻእለን። ከመይ ጌሩ ብዘይ ገለ ጌጋ፣ ናብ ቦትኣ ትበጽሕ…? ብዛዕባ ተፈጥሮስ’ከ ንምጻእ፦ እዚ ኩሉ ህይወታዉያን ካብ ሓደ ዘይህይወታዊ መጺኡ’ዶ ንበል፦ ከምኡ እንተዝኸዉን እሞ ናይ ኩሎም ጀነቲክ ኮድ (Genetic Code) እቲ ዚደቀቀ ወሎዳዊ ዘርእን ምምስሳልን […]

Continue reading

መረን-ዓስርተ ሠለስተ ክፋል

//.... ፍቁራት ኣሕዋትና ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዛ መረን ትብል ሓቀኛ መንፈሳዊ ታሪኽ ካብ ብጽሑፍ ጥራይ ብ ደምጺ ኣሰኒናና ክንዝርጋሕ ጀሚርና ኣለና ። እተን ዝሓልፋ ክፍላት ብዝተኻእለ መጠን ናብ ድምጺ ከነመሓላልፈን ክፍትን ኢና ። ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩና ...// ቕጭ መጺኡኒ፣ ኣንታ በጃካ ግደፈና፣ ኣምላኽ ትብል ኣምላኽ እንተ ዚህሉ፣ እዚ ኩሉ ምወረደና፣ ኢሳ. 49፣14 ከድሕነና ትብል […]

Continue reading

ምስ ሕላናይ ይማጎት ኣለኹ፡ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ዝፈጸመ ሰብ እንትርፎ ብረድዮ ክሰምዖ፡ ኣብ ጋዜጣ ወይ መጽሔት ተጻሒፉ ከንብቦ ብኣካል ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ኣጋጢምኒ ኣይፈልጥን ።ኣዚ ዘለናዮ ዘመን ደቂ ሰባት ስለምታይ ንምንዝረና ከም ሓደ ዓቢ ሓጥያት ዘይንቆጽርዎ ፈጺሙ ክርደኣኒ ኣይክእል ይብል ኣለኹ ብትሕቲ መልሓሰይ። ኣወዳት ካን ኣኽሊዎም ደዩ ሓሳብቶም ከምዚ ክኸዉን ፡ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትላለ […]

Continue reading

ሜሮን-ካልኣይ ክፋል

//...”ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም “ኤፈ5፡5....// 2ይ ክፋል ናይ ደቂ ጽርግያ ሕይወት ሓደ ብሓደ ክገልጸልኪ ኣየድልየክን’ዩ ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን በለኒ ካብቲ ዘተቀረበ መኣዲ እናኾለሰ። እቲ ብንኡሰይ ከለኹ ድያቆን ሓወይ ዘለማመደኒ ጽን ኢላካ ናይ ምስማዕ ባህርያተይ ፡ ነዚ ናይ ባህራን ታሪኽ ብጾሞና ክሰምዕ […]

Continue reading

ብሂል ኣበው

  ቴዎፍሎስ ዘእስክንድርያ  ወልደ እግዚአብሔር ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመልዕልተ ፍጡራንን መትሕተ ፈጣሪን ብዝኾነት ቅድስት ቅዱሳን ወላዲቱ ድንግል ማርያም ክልመን ብጣዕሚ’ዩ ደስ ዝብሎ ቅዱስ  ማር ይስሓቅ ሶርያዊ ቂምታ ወይ ጽልኢ ኣብ ልቡ ከለዎ ዝጽሊ ሰብ፡ ኣብ ባሕሪ ዘሪኡ ምህርቲ ክሓፍስ ምጽባይ እዩ

Continue reading

መረን-ዓስርተ ክልተ ክፋል

ነቶም ኣብ ቦርስኦምን ኣብ ኣካሎምን ገንዘብ ዚረኸቡሎም በይኖም ገበርዎም። ነቶም ዘይረኸቡልና በይናን ገበሩና፣ ነቶም ዘይተረኽበና ዓቕልና ኣጽበቡልና ፡ ቀልጢፍኩም፣ ከክልተ ሚእቲ ዶላር እንትዘይኣምጻእኩም ወይለኹም በሉና። የብልናን እንተበልና መን ይስማዕ፡ ንዝተዛረበ መጽፋዕቲ ገንዘቡ ኮነት። ቀልጢፍኩም ተራዳዲእኩም ኣምጽኡልና ፣ ካባና  ግሊል ኢሎም ተፈንተቱ። መቸም ፈቲና ከይፈተና ተኸዊላ፣ ከካብ ዘለና መዝሒቕና ኣዋጺእና ሃብናዮም። ዚዓግቡ ኣይነበሩን ግናኸ፣ ሸፋቱ ብሙዃኖም፣ […]

Continue reading

ሜሮን-ቀዳማይ ክፋል

//.....ሓቀኛ ዝተፈጸመ ታሪኽ’ዩ ። ከም ኣምላኽ ፍቃድ ኣብ ሠለስተ ክፋላት ክቅርቦ ክፍትንየ ፡ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መሃሪ ክኸዉን ኢለ ይግምት። ሓቀኛ መጸዊዒ ኣስማት ናይዞም ኣብዚ ታሪኽ ዘርዚረዮም ዘለኹ ምጥቃስ ኣገዳስነት ሰለ ዘይብሉ ፡ ኣብ ክንዲ ቀንዲ ኣስማቶም ተካኢ ኣስማት ባዕላይ ስም ኣዉጺሎም ኣለኹ.............ጽቡቅ ናይ ንባብ ግዜ ይምነየልኩም.// ሕጂ ኣብ ስታር ባክስ(Starbucks) ኣለኩ። […]

Continue reading

መረን-ዓስርተ ሓደ ክፋል

ንቤተ-ክርስቲያን ከም ዘይንፈልጣ ረሓቕናዮ፡ ተኸዲንካን ተመሽጥካን ኣብ ዳንኬራን ጓይላን ምምልላስ ኮይኑ ህይወትና። ሰብ ነቲ ኣብ እዋን ጸበባኡ ዝወዓለሉ ኣምላኽ እንተ ዝዝክር ክንደይ ዕድለኛ ምኾነ። ዘይርስዕ ኣምላኽ እናረሳዕናዮ ዘገርምዩ! ኣዜብ፦ ሓቕኻ… ኢኻ… ከም ዚበልኩኻ ኣብ “ዒን…” ሎሚ’ዶ ጽባሕ እናበልና ን 4(ኣርባዕተ) መዓልቲ ተቀመጥና። ለዉጢ ኣይነበረን፣ እተን ክመጹዮም ተባሂለናና ዚነበራ መዓልታት ቀሃማ፣ ሕይወት ኣማራጺ ብዘይብሉ፣ ክንቅበሎ ጀመርና። […]

Continue reading

መረን-ዓስራይ ክፋል

ንሱ ሃዲሙ ካብቲ ከባቢ ተሓብአ። ደቂ ጋንትኡ፣ በብሓደ ኣጸናንዑኒ፣ መራሕ ጋንታኡ፣ መራሕ ሓይሉ ንኩነታት ስለ ዚሰምዑ መጺኦም፣ መንእሰይ ምኳነይን፣ ገና ብሩህ ተስፋ ከም ዘለኒ፣ ማዕዳ ለገሱለይ። ነተን ደቂ ኣንስትዮ መስ በዓል ንጉሠ ኣዘናግዕዋ ኢሎም ሓዲጎምና ከዱ። እተን ኣዋልድ ኣብ ህይወት ንቡር ምዃኑ፣ ገሊአን ተመሳሳሊ ህሞት ከም ዝገጠመን ኣዕለላኒ፣ እቲ ዘድሊ ግና ብትዕግሥቲ ህይወትካ ክትመርሕ ምኽኣል […]

Continue reading

መረን-ታሽዓይ ክፋል

ክንፈልጠን ዚግብኣና፣ 1ይ እዘን ካብ ልብያ ክመጽኣ እየን ዚበሃላ ዘልው መካይን፣ እንተ ደኣ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ማለት ኣብ ዉሽጢ’ዚ ሳልስቲ ራብዕቲ’ዚ ዚሓለፋ መዓልታት እንተ ደኣ ኰይነን፣ ሰባት ካብዚ ዘለናዮ ቦታ ሒዘን ከይደን፣ በጺሐን ክሳዕ ዚመጽኣ፣ ብዉሑዱ ናይ ክልተ ሰሙን ትጽቢት ኣሎና። እንተ ደኣ ቅድሚ ሰሙን ኣቢለን ከይደን ግና ዕድለኛትት ክንከዉን ኢና፣ ካባ ሓደ ሰሙን ዘይበጺሕ […]

Continue reading