ናይ ደናግል መመክሕቲ ዝብል መዝሙር ንምስማዕ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥብቆ ጠወቅ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ኣበረኻ ሓየለ ንመንገዲ እግዚአብሔር ኣቅንዑ እናበለ ነዚ ምስክርነቱ ዮሐንስ ካብ ሃበና ንመንገዲ ጐይታ ይቅናዕ ልብና ......( ምሉእ ትሑዝትኣ ኣብ ታሕቲ ተመልከት) እዛ መዝሙር ክሰምዕ ከለኹ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት-ማእሰትርን ሆስፒታልን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ […]

Continue reading

"እዛ መዝሙር እዚኣ"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ መቀረትን ጣዕምን ናይዛ ዛንታ  ኣብ ታሕቲ ዘላ መዝሙር እንተዘይ ሰሚዕና  ሰለ ዝሃስስ እዛ መዝሙር እናሰማዕና ነቲ ንባብ ክንከታተሎ ተመራጺ ኮይኑ ይስመዓና። መዝሙር ንምስማዕ  https://www.youtube.com/watch?v=-QN8WonydXs&feature=youtu.be ንጠውቅ። ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ !! “ጐይታይ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧”ዮሐ6፡68 "እዛ መዝሙር እዚኣ" ካባኻ እሞ ናበይ ጐይታ […]

Continue reading

ካብ እነይ ዝተማሃርክዎ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ  ሓቀኛ ታሪኽ - “ትዕግስቲ ክሳብ ሞት “ ሰዓት  ሓደ ናይ ለይቲ ጉዕዘና ካብ ኣስመራ ናብ እንዳ ኣቡነ እንድርያስ(ስፍኣ) ገዳም አሑዱ ኢልና ፈለምናዮ። መንግድና ስሙር ብምንባሩ ናይ ንግሆ ፀሐይ ከየርከበትና ብዝሑ መንገዲ ኣሳለጥና። ከይተረደኣ ናይ ምስሓ ሰዓት ስለዝኣኸለ ካብቲ ንጉዕዞና ስንቂ ክኾነና ዝተማላኣናዮ ስልጣንያ ድሕሪ ምቁዳስና ጸሎት ብምብጻሕ ኣእጋርና […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ንመከራን ሓጎስን  ብማዕረ’የ ዝስተማቅሮም እዛ ጽሑፍ ነቶም ኣብ ኣንጻራዊ ጾታ ፍቅሪ  ወዲቆም ዘለው ኣሕዋት እትምልከት ጽሕፍቲ'ያ ።  ንፍቅሪ ኣንጻራዊ ጾታ መዝሚዞም ብፍላይ ኣሕዋትና  ደቂ-ኣንስትዮ ብመንገዲ መንፈሳዊ ሕወይት ዝጓዓዛ  ክብድሉ ንዝፈትኑ መንእሰያት እትምዕድ  ጽሕፍቲ’ያ። ብዝገጥመካ ፈተና ትብዓትን መንፈሳዊ ዕበይትን ከተጥሪ ከም ዘለካ እንተብርህ ጽሕፍቲ'ያ። ጨካን ኣይኮንኩን ለዋህ’የ ልበይ ገና […]

Continue reading

ንእሰነት ኣሽኪዕኒ፧

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ንእስነት ዕዳ እዩ:: “ንእስነት ብዝተፈላለዩ ቀለማት ሕብሪ ዝተኸበ መድረኽ ሕይወት ኮይኑ መሪር ግና ተባሃጊ ዕድመ እዩ”ክብሉ ክሰምዕ እንከለኹ ካብቶም ንንእስነት ተማሂሮምላ ዝሓለፉ ገለ እውን ዕድል ዘይገበሩ ኣብ ፈተና ናይ ንእስነት ዘይተዓወቱ ሰባት ድንጽዉ እዩ ዝብለኒ ነይሩ። ዕድመ ንእስነት ክበጽሓ እሞ ኣነ እዉን ከም ሰበይ እቲ ናታ ክህባ […]

Continue reading

ክሳዕ ክንድ'ዚ ደየ ኣኽፊአ

ነታ ካብ የማን ኢዱ ዘይፈልያ ፣ መሓዛ ኣጻብዕቱ ካብ ትኮዉን ሠለስተ ዓመት ኣቁጺራ ዝነበረት ሽጋራ ፣ ካብ ጁቡኡ ብምዉጻእ ፣ ነቲ ካብ ምሒር መስተ ኣካላቱ ምቅስቃስ ኣብዩዎ ዝነበረ ሳምሶም ዓርኩ፣ ክርቢት ክህቦ ተወከሶ ። ሳምሶም በቲ ብመስተ ዚተኣሰረ ልሳኑ ፣ ጎልደፍደፍ  እናበለ ፣” ክ-ር-ቢ-ት የብለይን” ክብል መልሲ ስለ ዘሃቦ፣ ነቲ በቲ ጎደና ዝሓልፉ ዘነበሩ ሰባት […]

Continue reading

ድኽነት ጣዕሚ ትዕግስቲ ምዃኑ ካብቲ ጻዕራም ኣቡኦም  ገና ብኑኡሶም ከም ውርሻ እንዳ ዓለቡኦም ዝወረስዋ። ደቂ ሰባት ናይ ኣእምሮ ድኻታት ከይኮኑ ደኣ ክጽዕሩ ኣለዎም እንበር ፣ ነዛ ዝበለዐት በሊዓ ተመስገን ዘይትፈልጥ ስጋ፣ ማዕረ “ፍቅሪ ፣ ሰላም ፡ ጥበብ ፣ ተመስገን ፣..... ወዘተ ኮታስ ሠናይ ንነፍሲ ዕረፍቲ ዝልግሱ  ነገራት ክሰርዕዋ የብሎሙን “እዮም ዝብሉ ዝነበሩ ኣቦይ ሓጎስ። እንዳ […]

Continue reading

መረን ናይ መወዳእታ 23 ክፋል

// ኣጀሚሩ ዘፈጸመና ልዑል እግዚአብሔር ኣምላክ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣብ መረን ዘለኩም ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ርኢቶኹም ክትህቡና ብትሕትና ንዕድመ። ኣብ ቀጻሊ መንፈሳዊ ሰነ-ጽሑፍ ብሰላም የራኽበና። ከም ፍቃድ ኣምላኽ ምስ ጸሓፊ ናይዛ ታሪኽ ዲ.ዘረአ              ገብረእግዚአብሔር ቃለ-መጠየቅ ጌርና ብጽሑፍ ወይ ብድምጺ ክንፍንዎ ክንፍትን ኢና። ናይ ተክኒክ ጸገም ኣጋጢሙና ሰለ ዘሎ ብድምጺ  […]

Continue reading

መረን-ዕስራን ክልተን ክፋል

ኣዜብ፦ እዋይ ከንቱ እዩ በጃኻ፣ ቦታ ቀይርና ኣይንዓግብ፣ ሰቲና ኣይንረዊ፣ በሊዕና ኣይንጸግብ መጀመርታ ኤዉሮጳ ጥራይ ንእቶ እዩ፣ ዝብል ኔሩ ሕልምና።ሕጂ ከኣ እንሀልካ… ብዙሕ ኣዕሊሉኒ ካብ ንምርዖ 3 ዓመት ምግባርና፣ ኢታሊ ኣነ ካብ ዚኣቱ ከኣ፣ ጽባሕ ሚካኤል ምዃኑ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ፈሊጥዎ። ሃይለ፦ እንታይ ደኣ… ገጽኪ… ኣዚኺ ናፊቕክዮ ሓቀይ። ኣዜብ፦ ኣልግስ… እዋእ ወረ ዘይናፍቆ በዓል ቤተይ […]

Continue reading

ጸላም ሰልጢኑ፡ ባርነት ኣስፋሕፊሕሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። እቲ ሕሱም ጨቋኒ በታ ዘይትምሕር ቅልጽሙ ጌሩ፡ ንመላእ ዓለም ከም ገልዒ ቀጥቂጡ ከም ስምዒ ኣቕሊጡ እናምበርከኸ፡ ደረቱ ነፊሑ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ተካል ዘመን። ኣዳምን ዘርኡን ኣብ ሕይወቶም ዘይተርፋ ክልተ ትሑዛት ነገራት እናሓሰቡ ዝነበሩሉ ኣስቆንቋኒ ዘመን። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጻዕሪን ገልታዕታዕን ምንባሮም ከይኣክል፡ ኣብቲ ካልኣይ ዓለም ዝጽበዮም መካነ ኩነኔ እናክዝክሩ […]

Continue reading