በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ
አምላክ አሜን

ዕላማ ናይዚ ቅጥዒ

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ
 ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ 
ኵላትኩም ይኹን፡

እዚ ቅጥዒ ብቤት 
ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ሕቡራት
 መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተዳለወ 
እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ቅጥዒ ድማ ኣብ 
ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ ዘለው
 ኣገልገልቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ጽፉፍ
 ዓቅምን፡ ብዝሒ ኣባላት ንምፍላጥ እዩ።
ኮሚተ ቤት/ት/ሰ/ሃ/ስ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ውጥናት
 ንምትግባር ካብቲ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝረኸቦ
 ጽፉፍ ዓቅሚ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት 
ምፍላጥ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ውን ከም 
ሓደ ናይ ምሉእ ሃገረ ስብከት ቤት/ት/ሰ
ክንደይ ኣባላት ኣለውዎ ብመልክዕ ዳታ 
ሰኒዱ ክሕዝ ግቡእ ስለዝኾነን ፡ ብመሰረት 
ዓቅሙ ድማ ውጥናቱ ክዝርግሕን ስርሑ 
ከሰላስልን ይሕግዝ። ካብኡ ሓሊፉ ውን 
ሓገዝ ንኣብ ሃገርና ዘለዋ ገዳማት ኮነ
 ንቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምስ
ዘድሊ ዓቅሚ ኣባላት እንተ ፈሊጡ ጥራሕ እዩ 
ክሳብ ክንደይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ዝፈልጥ።
ብተወሳኺ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ንዘይብለን
 ኣብያተ ክርስቲያናት ብምልላይ ዝምስረተሉ
 መንገዲ ንምጥጣሕን ሓጋዚ እዩ። ነቲ
 እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣገልግሎት'ውን 
ነቶም ክእለትን ዓቅምን ዘለዎም ደቂ
 ቤተክርስቲያን ኣለሊኻ ኣብቲ ኣገልግሎት
 ዝነጥፍሉ መንገዲ ንምፍጣርን፡ ኣድማዒ
ውጽኢት ንምምጻእን እዩ። ስለዚ ኣብ 
ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ዘለኹም
 ደቂ ቤተርክስቲያን ብመንገዲ ክፍሊ 
ርክባትኩም እዚ ቅጥዒ ተመሊኡ ክስደድ
 ከምዘለዎ ነዘኻኽር።