Comments are off for this post

ነገረ ጥንተ ስቅለት ክርስቶስ መዓስ እዩ ፧

                              በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

  1.  ነገረ ጥንተ ስቅለት ክርስቶስ መዓስ እዩ ፧

 ꗺ  ጥንተ ስቅለት- መጋቢት 27፣ 34 ዓመተ ምሕረት፡ ብዘመን ጲላጦስ ጴንጤናዊ፡፡ 

  1. ወላዲት ኣምላኽ ድንግል ማርያም ዕድመን ዓመተ ምሕረትን ዝዓረፈትሉ ክንደይን መዓስን ኔሩ ፧

ꗺ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሠለስተ ዓመት ምስ ሥድራኣ፡ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ንጐይታ ፀኒሳ፡ ሠለሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርሕን ምስ ጐይታ፡ ዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ወንጌላዊ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን ዓመት (፷፬ /64) ዕድመኣ 21 ጥር 49 ዓ.ም. ዓሪፋ። ውዳሴ ማርያምን መልክዐ ማርያምን ብዕድመ ወላዲተ ኣምላኽ እዮም ተደሪሶም።

ነገረ ሥቅለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ተመዝጊቡ ይርከብ። ጐልጎታ ዝብል ቃል ብኣራማይክ ኾይኑ ብግሪክ ኸኣ ቀራንዮ፥ ኣብ ሠለስቲኦም ወንጌላውያን ይርከብ። 

ሀ . ማቴዎስ ፳፯፥፴፫/27፥33 "ጎልጎታ ኣብ እትብሃል ቦታ፡ ትርጕሙ ሓምሓም ርእሲ፡" 

ለ . ማርቆስ ፲፭፥፳፪/15፥22"ናብ ቦታ ጐልጎታ፡ -ትርጓሜኡ ሓምሓም ርእሲ፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ወሰድዎ።"

ሐ . ሉቃስ ፳፫፥፴፫/23፥33 "ቀራንዮ ኣብ እትብሃል ሥፍራ ምስ በጽሑ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቐልዎም።"

መ . ዮሓንስ ፲፱፥፲፯/19፥17 "መስቀሉ ፀይሩ ናብቲ ሓምሓም ርእሲ፡ ብዕብራይስጥ ድማ ጐልጎታ ዚብልዎ ሥፍራ፥ ወፀ።"

3. ስለምንታይ ጐይታ ንጐልጎታ ክሥቀለላ (ምሥጢር ምብጃው ዓለም) ክትኸውን ዝመረጻ ፧ 

እግዚአብሔር ክመርጽ እንከሎ ካብ ከተማ ንእስራኤል፡ ካብ ኣሕዛብ ንእስራኤላውያን፡ ካብ ማኅደር ንጽዮን እመ ብርሃን ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ፡ ካብ ዕለታት ሰንበተ ክርስቲያን፡ ካብ ሰዓብቱ ፲፪ቱ (12ተ) ሓዋርያት……ወዘተ። ጐልጐታ ድማ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም እትርከብ ካልእ ታሪኻዊት ቦታ እያ። ብወገን ምብራቕ እዛ ከተማ ትርከብ። ጐልጐታ ብቋንቋ ዕብራይስጥ ሓምሓም ርእሲ ማለት እዩ። ዓጽመ ኣዳም እተቐብረላን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተሥቕለላን ቅድስቲ ቦታ እያ። 

ኣዳም ካብ ገነት ምስ ተሰደ ናብ ምድሪ መጸ። (ዘፍ. ፫፥፴፫/ 3፥33)። ኣብ ገጽ ምድሪ ን 930 ዓመታት ድሕሪ ምቕማጡ ሞተ። ኣዳም ድሕሪ ምማቱ፡ ደቁ ንዓጽሙ ከም ታቦት ጌሮም መሥዋእቲ፡ ጸሎት የቕርቡ ነበሩ። እዚ ተታሓሒዙ ክሳዕ ኖኅ በጸሐ። ኖኅ ናብ ታቦት(መርከብ) ክድይብ እንከሎ ንዓጽመ ኣዳም ሒዝዎ ኣተወ። ማይ ኣይኂ ካብ ምድሪ ድሕሪ ምንጻፉ፡ ኖኅ ንሴም ጸዊዑ ዓጽመ ኣዳም ወሲድካ እግዚአብሔር ኣብ ዝኣዘዘካ ቦታ ኣንብሮ በሎ። ሴም ድማ ንመልከጼዴቅ ካብ ኣቡኡን ኣዲኡን ኣሰናቢቱ ዓጽመ ኣዳም ኣሰኪምዎ ምስኡ ከደ። መላእክት እናመርሕዎም ቀራንዮ በጽሑ። ኣብ ቀራንዮ ኣብቲ ድሒሩ መስቀል ጐይታ ዝትከሎ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ምድሪ ተኸፍተትሎም። ኣብዚ ዓጽመ ኣዳም ኣቐሚጡ ንመልከጼዴቅ ሓልዎ ኢልዎ ተመልሰ። መልከጼዴቅ ድማ ዓጽመ ኣዳም ከም ታቦት ገይሩ መሥዋእትን ጸሎትን የቕርብ ነበረ። (መጽሓፈ ስንክሳር ዘወርኃ ጳጕሜን ፫/3/ ዕለተ ዕረፍቱ ለመልከጼዴቅ ካህን ተመልከት፡ ንኣዕጽምቲ ኣዳም ከምዘዕረፈሉ ይገልጽ እዩ።) 

ንኣዳም ሞቱ ክሞተሉ ዝመጸ፡ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ዓጽመ ኣዳም ኣብ ዝተቐበሮ ቦታ ካሕሳ ከፈለ። ኣብ መቓብር ኣዳም ካሕሳ ክኽፍል ይግባእ ነበረ'ሞ፡ ኣምላክ ወልደ ኣምላኽ ንሃገረ እስራኤል መረጸ።

4. ስለምንታይ ጐይታ ኣብ መንጎ ክልተ ሸፋቱ ተሰቅለ ፧ 

ሀ፥ ከምቲ ባዕሉ ወንጌላዊ ማርቆስ ዝበሎ ትንቢት ንክፍጸም እዩ፡፡
* "እቲ፥ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ።" ማር ፲፭፥፳፯/15፥27

* "ምስ በደለኛታት ተቘጽረ" ኢሳ ፶፫፥፲፪/53፥12

"ንጉሥ ስለ ዝበልዎ፡ ንላግጺ ብየማነ ጸጋሙ ከም ዓጀብቲ ጌሮም ክልተ ሽፍታ ምስኡ ስቐሉ፡ ከምኡውን ነብይ ኢሳይያስ ዝተነበዮ ክፍጸም እዩ (ኢሳ ፶፫፥፲፪/53፥12)፡፡ ነዚ ድማ ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ ኣብ ቅዳሴኡ፡ "ከመ ይደምረነ ምስለ ነፍሰ ጻድቃን…… ምስ ጻድቃን ነፍሳት ይደምረና (ይጸንብረና)" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ምሥጢሩ ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ንዓና ንኃጥኣን ብጸጋም፡ ንጻድቃን ድማ ብየማን ከተቕውም ኢኻ ዘብሎም እዩ፡፡"

(ትርጓሜ አርባዕቱ ወንጌል ገጽ 299፡ ብመጋቤ ምሥጢር መብራህቶም መባእን መርጌታ ተወልደመድኅን መንግሥቱን፡ ኣሥመራ ኤርትራ) 

"ገለ ሊቃውንት ከምዚ ኢሎም ይገልጽዎም፡ እዞም ክልተ ኃገር ኣይሁዳውያንን (ሕዝቢ) ኣሕዛብን ይብሃሉ (ብግዜ ኦሪት ሕጊ እግዚአብሔር ዝክተሉ ዝነበሩ ሕዝቢ ይበሃሉ፡ ኣሕዛብ ኸኣ ዘይኣማናውያን ይበሃሉ ነበሩ)። እቲ ሓደ ብሕጊ ሙሴ ተኾነነ፡ እቲ ሓደ ግን ብተፈጥሮኣዊ ሕጊ ሞተ፡፡ ጐይታ ክርስቶስ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ተሰቕለ፡ ነዞም ክልተ ሓደ ክገብር ኣብ መንግኦም ኾነ፡ ነታ እንተ ላዕለ ኵሉ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እምኒ መኣዝን ብምዃን፡ ምስኡ ሓደ ክትኸውን (ክትሓብር) ገዛእ ደሙ ኣፍሰሰላ።" (Commentary on the Gospel of Mark Page 284 by Father Tadros Malaty English)

"ዋላ እዃ እዚ ዅሉ እንተኾነ፡ መስቀል ብገዛእ ርእሱ፡ እንተኣስተንቲንናዮ፡ ዙፋን ፍርዲ እዩ። እቲ ፈራዲ (ጐይታ) ኣብ ማእከል ተቐሚጡ ኣሎ፡ ሓደ ሽፍታ ኣመነ፡ ብኸምዚ ኸኣ ደሓነ፡ እቲ ሓደ ግን ተጻረፈ ብኸምዚ ድማ ተኾነነ። በዚ ድማ ንሱ (ጐይታ) ፈራዲ ናይ ሕያዋንን ምዉታን እዩ፡ እወ! ሓደ ብየማኑን ሓደ ብጸጋሙን ኣለዉ።" ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ (Commentary on the Gospel of Luke Page 477 by Father Tadros Malaty English)

  1. ማዕተብ እንታይ ማለት እዩ ኣስፊሕካ ግለጽ ፧ꗺ መልሲ፣ ‘ማዕተብ’ ዝብል ቃል ካብ “ዐተበ” ዝብል ግሢ ዝወፀ ኮይኑ ‘ኣመልከተ፡ ባረኸ’ ማለት እዩ። ማዕተብ፦ ዝኣመኑን ዝተጠመቁን ካብ ዘይኣመኑን ዘይተጠመቁን ዝፍለይሉ ናይ ክርስቲያን መፈለጥታ፡ ምልክት ሃይማኖት እዩ።

    ከምቲ ሀገር ብባንዴራኣ (ሰንደቕ ዕላማኣ) እትፍለጥ ከምኡ’ውን ደብዳቤን ጽሑፍን ብኣርማ ማኅተም ፊርማ ሕጋውነቱ ዝረጋገጽ፣ ንሕና ደቂ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ምእመናንን ምእመናትን ድማ ኣብ ክሳድና ብእንኣሥሮ ማዕተብ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ምዃንና ንፍለጥን ነረጋግጽን።

    ዝተጠምቁ ክርስቶሳውያን ኣብ ክሳዶም ዝኣስርዎ ማዕተብ፡ ቅድሚ ናይ ሃይማኖት ምልክት ምዃኑ፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብዝተፈላለየ ኅብረ ምሳሌ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ማዕተብ ኣብዚ ታሕቲ ኣብ መርበብ ልሳን ተዋሕዶ ዝወጸ ጽሑፍ ንመልከት፡፡

https://lisantewahdo.org/index.php/16-2015-07-31-06-18-02/1483-2-8

ዝጎደለን ዝነጠበን ብኣፈ ትጕኃን መላእኽቲ ይተኣረመለይ። 

ዲን. ማቴዎስ ክንፉ 

19 መጋቢት ፳፻፲፩ ዓመተ ምኅረት ( 28 መጋቢት 2019 ፈረንጂ)

"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" ዕብ ፲፫፥፯/13፥7

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር::

Comments are closed.