
ዓመታዊ ክብረ በዓል ፍኖተ ሕይወት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ከተማ ሲያትል ዋሽንግተን ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥርዓት ተኸቢሩ!
ኣብ ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ካናዳን፣ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ሲያትል ዋሽንግተን፡ ብዕለት 2 ግንቦት 2017 ብግእዝ (10 ግንቦት 2025 ፈረንጂ) ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድምቕ ዝበለ መንፈሳዊ ሥርዓት ተኸቢሩ።
ነዚ በዓል እዚ ዓቢይ ድምቀት ዝሃቦ ብቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝምሕደራ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ከባቢ ሲያትል ዋሽንግቶንን ካብ ዋሽንግቶን ወጻኢ ዝኾና፡ ቫንኮቨር ካናዳን ኢንድያናፖሊስን፡ ንኣገልግሎት ዝመጹ ዓበይቲ መማህራን መርጌታታትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናትናን ስለዝተኻፈልዎ’ዩ።
ብዝወጸ መርሐ-ግብር መሠረት ብድሮ እቲ ዕለት 1 ግንቦት 2017 ብግእዝ (9 ግንቦት 2025 ፈረንጂ) ካብ ሰዓት 4:00 ድ.ቐ ጀሚሩ ነቲ ክብረ በዓል ከብዕሉ ካብ ከተማ ሲያትልን ካብ ሲያትል ወጻኢ ካብ ካናዳን ኢንድያናፖሊስን ዝመጹ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ብኃባር ኣብ ቤተክርስቲያን ሥርዓት ዋዜማ ብዝግባእ በጺሑ።
ካብዚ ቀጺሉ ድኅሪ ናይ ዝተወሰነ ሰዓታት ዕረፍቲ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ብምንቃሕ ንኽብሪ ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝምልከት ሥርዓተ ማሕሌት ብትግሃትን ከብጽሑ ሓዲሮም።
ቀጺሉ ካብ ቫንኮቨር ካናዳ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ዝመጹ ቀሺ ምስግናን፡ ብዲቁና ንብዙሕ ዓመታት ንቅድስት ማርያም ቤተክርስትያን ሲያትል ብትግሃት ዘገልገልዋ ዝነበሩ ሕጂ ድማ ብማዕርገ ክህነት ኣብ እንዳ ኪዳነ ምሕረት ኢንዲያናፖሊስ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣቦና ቀሺ ዓንዶም መሪሕነት፡ ሥርዓተ ቅዳሴ ተሠርዐ። ድኅሪ ቅዳሴ ሊቃውንቲ ለዘብ ብምልዛብ ኣሸብሽቦም፡ ካብዚ ብምቕጻል ብሰለስቲኡ ደረጃ ብዓበይትን ማእከሎትን፡ ህጻናትን ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ በዓል ዝምልከት መዛሙር ድሕሪ ምብጻሕ፡ ብቀሺ ምስግና ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዓና መመክሒና ከም ዝኾነት ካብ ብሉያትን ሓዲሳትን ብምጥቃስ ንሕዝቢ ዓሙቅ ዝዀነ ስብከትን ቃለ ማዕዳን ኣመሓላሊፎም።
ቀጺሉ ታቦተ ሕጉ ብዓቢይ ክብርን ኣገባብን ብሊቃውንትን፡ መስቀልን ጽንሐን ዝኃዙ ለባስያንን ውሉደ ክህነትን፡ ብሕብረት ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያምን ካብ ከባቢ ሲያትልን ወጻኢን ዝመጹ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበትን ማኅበረ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምዛሩ፡ ብጸሎተ ምህለላን ብሰላም ተዛዚሙ።











