
ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ኣብ ከተማ ዴንቨር ኮሎራዶ ብዱሙቅ መንፈሳዊ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ ።
ኣብ ሃገር ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ፣ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ዴንቨር ኮሎራዶ ብዕለት 1-3 ጉንበት 2017 ዓ . ም . ግ : ካብ 9-11 ጉንበት 2025 ዓ . ም . ፈ : ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ብድሙቅ መንፈሳዊ ስርዓት ተኸቢሩ ።
ነዚ በዓል እዚ ዓቢ ድምቀት ዝህቡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመጹ ካህናትን መርጌታታትን ድያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ብኣማኢት ዝቁጸሩ ተቀማጦ ዴንቨርን ከባቢኣን ተሳተፍቲ ናይ’ዚ በዓል ነይሮም ።
ብድሮ እቲ ዕለት ጀሚሩ ስርዓተ ዋዜማ ብዝግባእ በጽሐ። ካብ’ዚ ቀጺሉ ድሕሪ ናይ ዝተወሰነ ሰዓታት ዕረፍቲ ነቲ ክብረ በዓል ከብዕሉ ዝመጹ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ከተማ ዴንቨር ድማ ብሓባር ኣብ ቤተክርስቲያን ብምንቃሕ ንኽብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ኪዳናን ዝምልከት ስርዓተ ማሕሌት ብትግሃትን ተምሳል መለኣኽትን ከብጽሑ ድሕሪ ምሕዳሮም ብመሪሕነት ኣቦና ኣባ ቀሺ ኣማኑኤል
ካብ ቤተክሪስትያን ቅዱስ ገብሪኤል ሚኔሶታ ስርዓተ ቅዳሴ ተሰርዐ።
ድሕሪ ቅዳሴ ብ ኣቦና ኣባ ቀሺ ስምኦን ካብ ቤተክሪስትያን ቅድስት ስላሴ ላስቬጋስ ናይ ኣዴና ኪዳን ነዓና መመኪሒና ከም ዝኾነ ካብ ብሉያትን ሓዲሳትን ብምጥቃስ ንህዝቢ ዓሚቅ ዝኮነ ስብከትን ቃለ ማዕዳን ኣመሓላሊፎም ።
ኣብቲ ክብረ በዓል ኣማሓዳሪ ቤተክሪስትያን ልደታ ለማርያም ክቡር ኣቦና ኣባ ቀሺ ብስራት ኣስማት ዕዱማት ኣጋይሽ ካህናትን መርጌታታትን ድያቆናትን መእመናንን ምእመናትን ምስ ምእመናንን መእመናትን ቤተክሪስትያን ልደታ
ለማርያም ኣላልዮምን ኣመስጊኖምን።
ቀጺሉ ድማ ታቦተ ሕጉ ብዓቢ ክብርን ኣገባብን ብመሪሕነት ሊቃውንትን: መስቀልን ጽንሐሕን ዝሓዙ ለባስያንን ውሉደ ክህነትን ማሕበረ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተክሪስትያን ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ቆመ: ሊቃውንቲ ለዘብ ብምልዛብ ኣሸብሺቦም። ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻሜ ብጸሎተ ምህለላን ቡራኬን መዝሙራትን ተዛዘመ።




